ራእይ 5:1-14

  • ሸውዓተ ማሕተም ዘለዋ ጥቕልልቲ መጽሓፍ (1-5)

  • እቲ ገንሸል ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሰዳ (6-8)

  • እቲ ገንሸል ነቲ ማሕተማት ኪፈትሖ ብቑዕ እዩ (9-14)

5  ኣብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ድማ፡+ ብውሽጣን ብዝባናን እተጻሕፋ፡ ብሸውዓተ ማሕተም ከኣ እተሓትመት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ረኣኹ።  ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ “ነዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ኪቐልዓን ነቲ ማሕተማታ ኺፈትሖን ዚበቅዕ መን እዩ፧” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኺእውጅ ከሎ ረኣኽዎ።  ኣብ ሰማይ ኰነ፡ ኣብ ምድሪ ዀነ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እቲኣ ኪቐልዓ ወይስ ኪርእያ ዚኽእል ሓደ እኳ ኣይነበረን።  ኣነ ኸኣ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪቐልዓ ወይስ ኪርእያ ዚበቅዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኸኹ።  ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ግና፡ “ደጊም ኣይትብከ። እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡+ እቲ ሱር+ ዳዊት፡+ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪቐልዓን ነቲ ማሕተማታ ኺፈትሖን ስዒሩ ኣሎ”+ በለኒ።  ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግለታትን፡+ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል+ ገንሸል*+ ደው ኢሉ ረኣኹ። ንሱ ኸኣ ሸውዓተ ቐርንን ሸውዓተ ዓይንን ኣለዎ፣ እቲ ኣዒንቲ ድማ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።+  ንሱ ኸኣ ቀሪቡ፡ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዳ።+  ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዳ ድማ፡ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እቶም 24 ሽማግለታትን፡+ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን* ዕጣን ዝመልአ ጭሔሎ ወርቅን ሒዞም፡—እቲ ዕጣን ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፡—ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ፍግም በሉ።+  ከምዚ እናበሉ ኸኣ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦+ “ንስኻ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ክትወስዳን ነቲ ማሕተማታ ኽትፈትሖን ብቑዕ ኢኻ፣ ምኽንያቱ፡ ተሓሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኣህዛብን+ ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲግካ ኢኻ፣+ 10  ንኣምላኽና ድማ መንግስትን+ ካህናትን+ ጌርካዮም ኢኻ፣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ ኪነግሱ እዮም።”+ 11  ረኣኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ህያዋን ፍጡራትን እቶም ሽማግለታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፣ ቍጽሮም ድማ ኣእላፋት ግዜ ኣእላፋት፡* ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት እዩ።+ 12  ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ “እቲ እተሓርደ ገንሸል፡+ ሓይልን ሃብትን ጥበብን ብርታዐን ክብርን ግርማን በረኸትን ኪቕበል ብቑዕ እዩ” በሉ።+ 13  ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን+ ኣብ ባሕርን ዘሎ ዅሉ ፍጡር፡ ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉ እውን፡ “በረኸትን ክብርን+ ግርማን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም+ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን+ ነቲ ገንሸልን ይኹን”+ ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። 14  እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ፡ “ኣሜን!” በሉ፣ እቶም ሽማግለታት እውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

እግረ ጽሑፍ

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “ክራርን።”
ወይ፡ “ዓሰርተታት ኣሽሓት ግዜ ዓሰርተታት ኣሽሓት።”