ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ከመይ ይመስል ነይሩ፧

የሱስ ከመይ ይመስል ነይሩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣካላዊ መልክዕ የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ስለ ዘይንረኽቦ፡ ብልክዕ ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ኣፉ መሊኡ ኺዛረብ ዚኽእል የልቦን። እዚ ድማ፡ ኣካላዊ መልክዕ የሱስ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ዚሕብር እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ኽንግምት ዜኽእለና ገለ ሓበሬታ ይህበና እዩ።

  •   መልክዕ፦ የሱስ ኣይሁዳዊ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ኣዲኡ ብእተወሰነ ደረጃ ናይ ዘርኢ ሴም መልክዕ ወሪሱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እብራውያን 7:14) ካብ ናይ ኻልኦት ሰባት ኣዝዩ እተፈልየ መልክዕ ኣይነበሮን። ከመይሲ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከየለለዮ ኻብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ብሕቡእ ኪኸይድ ክኢሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 7:10, 11) ብዘይካዚ፡ ካብቶም ዚቐርብዎ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ እተፈልየ መልክዕ ኣይነበሮን። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ነቶም ንየሱስ ኪሕዝዎ ዝመጹ ሰባት፡ የሱስ መን ምዃኑ ምልክት ኪህቦም ኣድልይዎ ኸም ዝነበረ ትዝክር ትኸውን ኢኻ።—ማቴዎስ 26:47-49

  •   ንውሓት ጸጕሪ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብኣይ ጸጕሩ እንተ ኣንዊሑ፡ ከም ዜሕስሮ” ስለ ዚገልጽ፡ ጸጕሪ የሱስ ነዊሕ ነይሩ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።—1 ቈረንቶስ 11:14

  •   ጭሕሚ፦ የሱስ ጭሕሚ ነይርዎ እዩ። እዚ ድማ ንሕጊ ኣይሁድ ዜኽብር እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ሕጊ ንጭሕሚ ብጹሓት ደቂ ተባዕትዮ ብዚምልከት፡ “ወሰነ ወሰን ጭሕምኻ ኣይትጸይቕ” እዩ ዚብል ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:27፣ ገላትያ 4:4) ኣብ ርእሲ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስቓይ የሱስ ኪንበ ኸሎ፡ ንጭሕሙ ይጠቕሶ እዩ።—ኢሳይያስ 50:6

  •   ሰብነት፦ የሱስ ድልዱል ሰብነት ከም ዝነበሮ ዚሕብር ብዙሕ ነጥብታት ኣሎ። ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከሎ፡ ነዊሕ ኪሎ ሜተራት ብእግሩ ተጓዒዙ እዩ። (ማቴዎስ 9:35) ንቤተ መቕደስ ኣይሁድ ክልተ ሳዕ ኣጽርይዎ እዩ፣ ንሰደቓ እቶም ኣሽረፍቲ ገልቢጥዎን ነተን ምሳታቶም ዝነበራ ማል ብገመድ ሰጒግወንን እዩ። (ሉቃስ 19:45, 46፣ ዮሃንስ 2:14, 15) ሳይክሎፐድያ ማክሊንቶክን ስትሮንግን ከም ዝገለጾ፡ “ብምሉኡ ጸብጻብ ወንጌል፡ [የሱስ] ድልዱልን ጥዑይን ሰብነት ከም ዝነበሮ እዩ ዚሕብር።”—ሓምሻይ ጥራዝ፡ ገጽ 884።

  •   ገጽ፦ የሱስ ርሕሩሕን ለዋህን ስለ ዝነበረ፡ እዚ ባህርይ እዚ ኣብ ገጹ እውን ይንጸባረቕ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 11:28, 29) ኵሎም ዓይነት ሰባት፡ ምጽንናዕን ሓገዝን ደልዮም ናብኡ ይቐርቡ ነይሮም እዮም። (ሉቃስ 5:12, 13፣ 7:37, 38) ህጻናት እውን እንተ ዀኑ፡ ምስኡ ምዃን ይቐልሎም ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 19:13-15፣ ማርቆስ 9:35-37

ብዛዕባ መልክዕ የሱስ ዘሎ ግጉይ ምርዳእ

 ግጉይ ርድኢት፦ ራእይ ዮሃንስ ንጸጕሪ የሱስ ምስ ጸምሪ፡ ንኣእጋሩ ድማ ምስ “ዜንጸባርቕ ኣስራዚ” ስለ ዜመሳስሎ፡ ገሊኦም ሰባት የሱስ ኣፍሪቃዊ ኸም ዝነበረ ይከራኸሩ እዮም።—ራእይ 1:14, 15መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም 1956።

 ሓቂ፦ እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዚርከብ መግለጺታት “ብምልክታት” እዩ ተዋሂቡ። (ራእይ 1:1) እቲ ብዛዕባ ጸጕርን ኣእጋርን የሱስ ዚሕብር መግለጺ፡ ነቲ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝነበሮ ባህርያት ዚገልጽ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ደኣ እምበር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝነበሮ ኣካላዊ መልክዕ ዚሕብር ኣይኰነን። እቲ ኣብ ራእይ 1:14 ዚርከብ የሱስ ‘ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምርን ከም ውርጭን’ ከም ዝዀነ ዚሕብር መግለጺ፡ ንምንጽጻር ሕብሪ ደኣ እምበር ዓይነት ጸጕሪ ኣይጥቀምን እዩ። እዚ ድማ ነቲ የሱስ ሳላ ዕድሚኡ ዘዋህለሎ ጥበብ ዜመልክት እዩ። (ራእይ 3:14) እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ንጸጕሪ የሱስ ቃል ብቓሉ ኣይኰነትን ምስ ውርጪ ወይ ምስ ጸምሪ እተመሳስሎ።

 ኣእጋር የሱስ “ኣብ እቶን ከም ዝረሰነ ጽሩይ ነሓሲ” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 1:15) ብዘይካዚ፡ ገጹ “ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ” ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። (ራእይ 1:16) ከምዚ ተገሊጹ ዘሎ ዓይነት ሕብሪ ቖርበት ዘለዎ ዓሌት ስለ ዘየሎ፡ እቲ ራእይ ምሳሌያዊ ኪኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ “ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር” ምዃኑ ዜርኢ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:16

 ግጉይ ርድኢት፦ የሱስ ድኹምን ዓቕሚ ዘይብሉን እዩ ነይሩ።

 ሓቂ፦ የሱስ ናይ ሰብኣይ ባህርይ እዩ ነይርዎ። ንኣብነት፡ ነቶም ኣጽዋር ሒዞም ኪሕዝዎ ዝመጹ ሰባት፡ ብትብዓት መንነቱ ነጊርዎም እዩ። (ዮሃንስ 18:4-8) ብዘይካዚ፡ ብኢድ ዚንቀሳቐስ ናውቲ ተጠቒሙ ጸራቢ ዀይኑ ኺዓዪ፡ ናይ ግድን ኣካላዊ ብርታዐ ኺህልዎ ነበሮ።—ማርቆስ 6:3

 የሱስ ነቲ ጕንዲ ስቅያቱ ኺስከም ከሎ ሓገዝ ዘድለዮ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ቅድሚ እቶም ምስኡ እተቐትሉ ሰባት ዝሞተኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ሉቃስ 23:26፣ ዮሃንስ 19:31-33) የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ሰብነቱ ኣዝዩ ደኺሙ ነይሩ እዩ። ብሰሪ እቲ ዘጋጠሞ ስምዒታዊ ስቓይ፡ ከይደቀሰ እዩ ሓዲሩ። (ሉቃስ 22:42-44) ምሉእ ለይቲ ኣይሁድ ኬጋፍዕዎ ሓደሩ፣ ንጽብሒቱ ንግሆ ድማ ሮማውያን ኬሳቕይዎ ኣርፈዱ። (ማቴዎስ 26:67, 68፣ ዮሃንስ 19:1-3) እዚ ረቛሒታት እዚ ድማ፡ ንሞቱ ኣቀላጢፍዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

 ግጉይ ርድኢት፦ የሱስ ወትሩ ጉሁይን ቅዙንን እዩ ነይሩ።

 ሓቂ፦ የሱስ ንባህርያት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ሕጉስ ኣምላኽ” ኢሉ ዚገልጾ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ብፍጹም መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11፣ ዮሃንስ 14:9) ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ብኸመይ ሕጉሳት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 5:3-9፣ ሉቃስ 11:28) እዚ ሓቅታት እዚ፡ የሱስ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ገጹ ሓጐስ ይንበብ ከም ዝነበረ እዩ ዚሕብረና።