እብራውያን 7:1-28

  • መልከጼዴቅ፡ ፍሉይ ንጉስን ካህንን (1-10)

  • ክህነት ክርስቶስ ዘለዎ ሓለፋ (11-28)

    • ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕን ይኽእል (25)

7  እዚ ንጉስ ሳሌምን ካህን እቲ ልዑል ኣምላኽን ዝነበረ መልከጼዴቅ እዝስ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ ረኺቡ ዝባረኾ፡+  ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ዝሃቦ፡* ቀዳማይ ትርጉም ስሙ፡ “ንጉስ ጽድቂ” እዩ፣ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት፡ “ንጉስ ሰላም” እዩ።  ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር።+  እዚ በቲ ርእሲ ዓሌት* ዝዀነ ኣብርሃም ካብቲ ብሉጽ ምርኮ ዕሽር እተዋህቦ ሰብ እዚ ኸመይ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እሞ ርኣዩ።+  ብመሰረት ሕጊ፡ እቶም ክህነት ዚቕበሉ ኻብ ደቂ ሌዊ ዘበሉ፡+ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቶም ዘርኢ ኣብርሃም* እኳ ዝዀኑ ኣሕዋቶም ዕሽር ኪእክቡ ትእዛዝ ኣለዎም።+  እዚ ወለዶኡ ኻብኦም ዘይኰነ ሰብ እዚ ግና፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሲዱ፡ ነቲ ተስፋታት ዝረኸበ እውን ባሪኽዎ እዩ።+  እቲ ዝነኣሰ በቲ ዝዓበየ ኸም ዚባረኽ ኣይከሓድን እዩ።  በዚ ሓደ ወገን መወትቲ ሰባት ዕሽር ኪቕበሉ ኸለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚቕበል።+  እቲ ዕሽር እተቐበለ ሌዊ እኳ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሂቡ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ 10  ከመይሲ፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኽቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኻብ ኣቦኡ ዘይተወልደ ዘርኢ* እዩ ነይሩ።+ 11  እምበኣር፡ ብኽህነት ሌዋውያን ፍጽምና ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡+ (እዝስ ሓደ መዳይ እቲ ነቲ ህዝቢ እተዋህቦ ሕጊ እዩ ነይሩ እሞ፡) ከም ስርዓት ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ+ ዚብሃል ካልእ ካህን ኪትንስእ ንምንታይ መድለየ፧ 12  ከመይሲ፡ ክህነት ኪልወጥ ከሎ፡ እቲ ሕጊ እውን ኪልወጥ ኣለዎ።+ 13  እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉስ፡ ካብ ካልእ ነገድ እዩ፣ ካብቲ ነገድ እቲ ድማ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን።+ 14  ጐይታናስ ካብ ይሁዳ ኸም እተወልደ ንጹር እዩ፣+ ሙሴ ኸኣ ካህናት ካብቲ ነገድ እቲ ኸም ዝመጹ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረበን። 15  እዚ ዝበለጸ ንጹር ዚኸውን፡ ከም መልከጼዴቅ ዝኣመሰለ+ ኻልእ ካህን ምስ ዚትንስእ እዩ፣+ 16  ንሱ ኸምኡ ዝዀነ ድማ፡ በቲ ኣብ ስጋዊ ትውልዲ ዚምርኰስ ሕጋዊ ትእዛዝ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ዘይትጠፍእ ህይወት እዩ።+ 17  ከመይሲ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ”+ ተባሂሉ ተመስኪሩሉ እዩ። 18  እምበኣርሲ፡ እቲ ዝቐደመ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ፡ ተሳዒሩ እዩ።+ 19  ከመይሲ፡ ሕጊ ንሓደ እኳ ፍጹም ኣይገበረን፣+ እቲ ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ+ ዚሓይሽ ተስፋ ብምትእትታዉ ግና፡+ ከምኡ ገይሩ እዩ። 20  ከምቲ እዚ ብዘይ ማሕላ ዘይተገብረ፡ 21  (ከመይሲ፡ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ዝዀኑ እኳ እንተ ኣለዉ፡ እዚ ግና በቲ ብዛዕባኡ፡ “የሆዋ፡* ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ”* ኢሉ ዝመሓሎ ማሕላ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፡)+ 22  ከምኡ ድማ የሱስ ዋሕስ እቲ ዝሓሸ ኺዳን ኰይኑ እዩ።+ 23  ከምኡ ኢሎም ከይቅጽሉ ሞት ይዓግቶም ብምንባሩ ኸኣ፡ ብዙሓት እናተተኻኽኡ ኻህናት ይዀኑ ነይሮም እዮም፣+ 24  ንሱ ግና ንዘለኣለም ስለ ዚነብር፡+ ዘይትካእ ክህነት ኣለዎ። 25  ስለዚ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡ፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኦም ኪልምን ብህይወት ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕኖም ይኽእል እዩ።+ 26  ከምዚ ዝኣመሰለ እሙንን ገርህን ዘይረኸሰን+ ካብ ሓጥኣን እተፈልየን ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለን+ ሊቀ ኻህናት ኪህልወና ይግባእ እዩ። 27  ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ+ መዓልቲ መዓልቲ መስዋእቲ ኬቕርብ ኣየድልዮን እዩ፣+ ከመይሲ፡ ገዛእ ርእሱ ምስ ኣቕረበ፡ ነዚ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገይርዎ እዩ።+ 28  ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፣+ እቲ ድሕሪ ሕጊ እተማሕለ ቓል ማሕላ+ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ+ ወዲ እዩ ዚሸይም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ዝመቐሎ።”
ወይ፡ “በቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ሕቘ ኣብርሃም ዝወጹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ሕቘ ኣቦኡ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ኣይኪጥዓስን ከኣ እዩ።”