ራእይ 3:1-22

  • መልእኽቲ ናብ ሳርዴስ (1-6)፡ ናብ ፊላደልፍያ (7-13)፡ ናብ ሎዲቅያ (14-22)

3  “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ሳርዴስ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን+ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለውዎ፡+ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ህያው ተባሂልካ ትስመ ኣለኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ እሞ፡+ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ።  ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡+ ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦት እውን ኣበርትዓዮም።  እምበኣር፡ ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሓልዎ፡ ተነሳሕ እውን።+ እንተ ዘይነቒሕካስ፡ ከም ሰራቒ ኽመጽእ እየ፣+ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካ እውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ።+  “‘ግናኸ፡ ኣብ ሳርዴስ፡ ክዳውንቶም ዘየርከሱ ሒደት ሰባት* ኣለዉኻ፣+ ንሳቶም ብቑዓት ስለ ዝዀኑ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም።+  እቲ ዚስዕር፡+ ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፣+ ኣነ እውን፡ ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ከቶ ኣይክድምስሶን እየ፣+ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ንስሙ ኽእመኖ እየ።+  እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።’  “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ፊላደልፍያ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ቕዱስን+ ናይ ሓቅን*+ መፍትሕ ዳዊት ዘለዎን+ ሓደ እኳ ኸይዓጹ ዚኸፍትን ሓደ እኳ ኸይከፍት ከኣ ዚዓጹን፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፦  ‘ንግብርኻ እፈልጦ እየ። እንሆ፡ ሓደ እኳ ኺዓጽዎ ዘይክእል ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ።+ ሒደት ሓይሊ ኸም ዘሎካን ንቓለይ ከም ዝሓሎኻዮን ንስመይ ከም ዘይከሓድካዮን እውን እፈልጥ እየ።  እንሆ፡ ነቶም ካብ ምኵራብ ሰይጣን ዝዀኑ፡ “ኣይሁድ ኢና” ዚብሉ፡ ግናኸ ዚሕስዉ ዘለዉ እምበር ዘይኰኑ፡+ እንሆ፡ ንዓታቶም ከም ዚመጹን ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን* ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻ ኸም ዚፈልጡን ክገብሮም እየ። 10  ንቓል ተጻዋርነተይ ስለ ዝሓሎኻዮ፡*+ ኣነ እውን ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ብዘላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ።+ 11  ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ።+ ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞ።+ 12  “‘ነቲ ዚስዕር፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ፣ ንሱ እውን ካብኣ ኸቶ ኣይኪወጽእን እዩ። ስም ኣምላኸይን+ ስም እታ ኻብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም ዝዀነት ከተማ ኣምላኸይን+ እቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ።+ 13  እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።’ 14  “ናብ መልኣኽ ጉባኤ ሎዲቅያ ጽሓፍ፦+ እቲ ኣሜን፡+ እሙንን ናይ ሓቅን*+ ምስክር፡+ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፦+ 15  ‘ዝሑል ወይስ ውዑይ ዘይምዃንካ፡ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ብኻ ዝሑል ወይስ ውዑይ ምዀንካ። 16  ስለዚ፡ ኣይውዑይ+ ኣይዝሑል+ ልቡጥ ስለ ዝዀንካ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። 17  “ሃብታም እየ፡+ ሃብቲመ እየ፡ ገለ እኳ ኣየድልየንን” ስለ ዝበልካ፡ ግናኸ ምግዱርን ዜደንግጽን ድኻን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ 18  ምእንቲ ኽትህብትም፡ ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ፡ ምእንቲ ኽትክደንን ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን፡+ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ኸኣ፡ ንኣዒንትኻ እትኰሓሎ ዅሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣለኹ።+ 19  “‘ኣነ ነቶም ዝፈትዎም ዘበሉ እገንሖምን እግስጾምን እየ።+ እምበኣር፡ ቅናእን ተነሳሕን።+ 20  እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ እዅሕኵሕ ኣለኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተ ኸፊቱለይ፡ ናብ ቤቱ ኽኣቱ፡ ምስኡ እውን ክድረር እየ፣ ንሱ እውን ምሳይ። 21  ከምቲ ኣነ እውን ዝሰዓርኩን ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩን፡+ ነቲ ዚስዕር፡+ ምሳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ ክፈቕደሉ እየ።+ 22  እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ሒደት ስማት።”
ወይ፡ “ሓቀኛን።”
ወይ፡ “ኢድ ከም ዚነስኡን።”
ወይ፡ “ኣብነት ተጻዋርነተይ ስለ ዝሰዓብካ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሓቀኛን።”