ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንስሳታት ናብ ሰማይ ይኸዱ ድዮም፧

እንስሳታት ናብ ሰማይ ይኸዱ ድዮም፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ፍጡራት፡ እተወሰነ ቝጽሪ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ይምህር እዩ። (ራእይ 14:1, 3) ናብኡ ዚኸዱሉ ዕላማ ድማ፡ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ምስ የሱስ ኪገዝኡ እዩ። (ሉቃስ 22:28-30፣ ራእይ 5:9, 10) መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ግና ካብ ሞት ተንሲኦም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኺነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:11, 29

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ከልቢ ወይ ናይ እንስሳታት ሰማይ ዚብል ተጠቒሱ ኣይንረክብን ኢና፣ ከምኡ ዝዀነሉ ብቑዕ ምኽንያት ድማ ኣሎ። እንስሳታት ን“ሰማያዊ ጽውዓ” ኺበቕዑ ዜኽእሎም ስጕምትታት ኪወስዱ ኣይክእሉን እዮም። (እብራውያን 3:1) እዚ ስጕምትታት እዚ፡ ፍልጠት ምቕሳምን እምነት ምርኣይን ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላውን የጠቓልል። (ማቴዎስ 19:17፣ ዮሃንስ 3:16፣ 17:3) ደቂ ሰብ ጥራይ እዮም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ተፈጢሮም።—ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:22, 23

 ምድራውያን ፍጡራት ናብ ሰማይ ንምኻድ ካብ ሞት ኪትንስኡ የድልዮም እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:42) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ትንሳኤ ተጠቒሱ ንረክብ ኢና። (1 ነገስት 17:17-24፣ 2 ነገስት 4:32-37፣ 13:20, 21፣ ሉቃስ 7:11-15፣ 8:41, 42, 49-56፣ ዮሃንስ 11:38-44፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42፣ 20:7-12) ኵሉ እዚ ትንሳኤ ግና ናይ ሰባት እምበር፡ ናይ እንስሳታት ኣይነበረን።

 እንስሳታት ነፍሲ ኣላቶምዶ፧

 ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰባት ኰኑ እንስሳታት ኪገልጽ ከሎ፡ ነፍሲ ኸም ዘላቶም ዘይኰነስ፡ ንሳቶም ነፍሲ ኸም ዝዀኑ እዩ ዚምህር። (ዘሁልቍ 31:28) እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ማለት ኣዳም ምስ ተፈጥረ፡ ነፍሲ ኣይተዋህበቶን፣ የግዳስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ህያው ነፍሲ ዀነ” እዩ ዚብል። (ዘፍጥረት 2:7፡ እግረ ጽሑፍ) ነፍሲ ብኽልተ ነገራት ዝቘመት እያ፣ እዚ ኸኣ፡ “ሓመድ ምድር”ን “ትንፋስ ህይወት”ን እዩ።

 ነፍሲ ኽትመውት ትኽእል ድያ፧

 እወ፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ኽትመውት ከም እትኽእል ይምህር እዩ። (ዘሌዋውያን 21:11፡ እግረ ጽሑፍ፣ ህዝቅኤል 18:20) እንስሳታትን ሰባትን ምስ ሞቱ ናብ ሓመድ ምድሪ እዮም ዚምለሱ። (መክብብ 3:19, 20) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ካብ ህልውና የቋርጹ። a

 እንስሳታት ይሓጥኡ ድዮም፧

 ኣይፋልን። ምሕጣእ ኪብሃል ከሎ፡ ብሓሳብካ፡ ብስምዒትካ፡ ወይ ድማ ብተግባርካ ንመለክዒታት ኣምላኽ ምጥሓስ ማለት እዩ። ሓደ ፍጡር ኪሓጥእ እንተ ዀይኑ፡ ስነ ምግባራዊ ውሳነ ኺገብር ዚኽእል ኪኸውን ኣለዎ፣ እንስሳታት ግና እዚ ኽእለት እዚ የብሎምን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን ሓጸርቲ ዕምሮም ብባህረት እዮም ዚምርሑ። (2 ጴጥሮስ 2:12) ዕምሮም ምስ ኣብቅዐ ድማ ዋላ እውን ኣይሕጥኡ፡ ይሞቱ እዮም።

 ንእንስሳታት ብጭካነ ምሓዝ ግቡእ ድዩ፧

 ኣይፋልን። ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ስልጣን ሂብዎም እኳ እንተ ዀነ፡ ብሕማቕ ኪሕዝዎም ግና መሰል ኣይሃቦምን። (ዘፍጥረት 1:28፣ መዝሙር 8:6-8) ኣምላኽ ብእንስሳታት፡ ዋላ እውን በተን ንኣሽቱ ጨራሩ ይግደስ እዩ። (ዮናስ 4:11፣ ማቴዎስ 10:29) ንኣምለኽቱ ድማ ንእንስሳታት ብሓልዮት ኪሕዝዎም ኣዚዝዎም እዩ።—ዘጸኣት 23:12፣ ዘዳግም 25:4፣ ምሳሌ 12:10

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 6 ርአ።