ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንኣምላኽ ብቐረባ ኽትፈልጦ እትኽእል፧

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንኣምላኽ ብቐረባ ኽትፈልጦ እትኽእል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ብዛዕባ ኣምላኽ ብምፍላጥን ንዕኡ ባህ ዜብል ነገራት ብምግባርን፡ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ፡ ኣምላኽ ‘ኪቐርበካ’ እዩ። (ያእቆብ 4:8) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:27

 ንኣምላኽ ንምፍላጥ ክንገብሮ ዘሎና ነገራት

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ

  •  መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ . . . ዚጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16

  •  ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ሓሳቡ ኣብ ኣእምሮ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ እዩ። በዚ ፍሉይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣቢሉ ኸኣ፡ ፍቓዱ ገሊጹልና ኣሎ። ከም እኒ ፍቕሪ፡ ፍትሒ፡ ምሕረት ዝኣመሰለ ባህርያቱ እውን ገሊጹልና ኣሎ።—ዘጸኣት 34:6፣ ዘዳግም 32:4

  •  ክትገብሮ እትኽእል፦ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። (እያሱ 1:8) ‘እዚ ነገር እዚ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ እንታይ ይምህረኒ፧’ ኢልካ ድማ ነቲ ዘንበብካዮ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ።—መዝሙር 77:12

     ንኣብነት፡ ኤርምያስ 29:11 ኣንብብ እሞ፡ ‘ኣምላኽ ንዓይ እንታይ እዩ ዚሓስበለይ፧ ሰላምዶ ወይስ መዓት፧ ቂመኛ ድዩ ወይስ ብሩህ መጻኢ ኺህልወኒ እዩ ዚደሊ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

 ንፍጥረት ተዓዘብ

  •  መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “እቲ ብግብሩ [ብግብሪ ኣምላኽ] ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ . . . ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ።”—ሮሜ 1:20

  •  ትርጉሙ፦ ከምቲ ስነ ጥበባዊ ፍርያት ብዛዕባ እቲ ስነ ጥበበኛ ዚገልጽ፡ ወይ እተሓላለኸ ማሽን ብዛዕባ እቲ መሃዚኡ ዚሕብር፡ ፍጥረታት ኣምላኽ እውን ንባህርያቱ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ክእለትን ሕልኽላኻትን ሓንጐል ሰብ ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ብዙሕ ይገልጽ እዩ፣ እቲ ኣብ ጸሓይን ካልእ ከዋኽብትን ዘሎ ጸዓት ድማ ንሓይሉ የርኢ እዩ።—መዝሙር 104:24፣ ኢሳይያስ 40:26

  •  ክትገብሮ እትኽእል፦ ግዜ ወሲድካ ንተፈጥሮ ተዓዘብን ካብኡ ተምሃርን። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ‘እቲ ዜደንቕ ንድፊ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ይገልጽ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። a ይኹን እምበር፡ ፍጥረት ብዛዕባ ፈጣሪ ኺነግረና ዘይክእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣምላኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ።

 ስም ኣምላኽ ተጠቐም

  •  መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ስመይ ስለ ዚፈልጥ፡ ከዕቍቦ እየ። ኪጽውዓኒ፡ ኣነ እውን ክምልሰሉ . . . እየ።”—መዝሙር 91:14, 15

  •  ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ነቶም የሆዋ ንዚብል ስሙ ዚፈልጥዎን ብኣኽብሮት ዚጥቀሙሉን ፍሉይ ቈላሕታ ይገብረሎም እዩ። b (መዝሙር 83:18፣ ሚልክያስ 3:16) ኣምላኽ ብሕታዊ ስሙ ብምንጋር፡ ተላልዩና እዩ። “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ” ኢሉና እዩ።—ኢሳይያስ 42:8

  •  ክትገብሮ እትኽእል፦ ንዕኡ ረቚሕካ ኽትዛረብ ከለኻ፡ ስም የሆዋ ተጠቐም።

 ንየሆዋ ብጸሎት ተዛረቦ

  •  መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ . . . ቐረባኦም እዩ።”—መዝሙር 145:18

  •  ትርጉሙ፦ የሆዋ ነቶም ናብኡ ብእምነት ዚጽልዩ ይቐርቦም እዩ። ጸሎት ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ዓሚቝ ኣኽብሮት እነርእየሉ መዳይ ኣምልኾ እዩ።

  •  ክትገብሮ እትኽእል፦ ኣዘውቲርካ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። (1 ተሰሎንቄ 5:17) ሻቕሎትካን ስምዒትካን ንገሮ።—መዝሙር 62:8 c

 ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ህነጽ

  •  መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ።”—እብራውያን 11:6

  •  ትርጉሙ፦ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንቀርቦ፡ እምነት ኪህልወና ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እምነት ኪብሃል ከሎ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኻብ ምእማን ንላዕሊ የጠቓልል። ኣብኡ ምሉእ እምንቶ ምሕዳር፡ እንተላይ ኣብቲ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ኣብቲ ዝሰርዖ ስርዓታትን እምንቶ ምሕዳር የጠቓልል። ጽቡቕ ርክብ ንምምስራት፡ እምንቶ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

  •  ክትገብሮ እትኽእል፦ ናይ ሓቂ እምነት ኣብ ፍልጠት እተመስረተ እዩ። (ሮሜ 10:17) ስለዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዓዮ እሞ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ምኽሩን እምንቶ ኸተሕድር ከም እትኽእል ኣረጋግጽ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ምሳኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። d

 ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ግበር

  •  መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:3

  •  ትርጉሙ፦ የሆዋ ነቶም ትእዛዛቱ ንምሕላው ዚከኣሎም ብምግባር ፍቕሮም ዚገልጹሉ ቐረባኦም እዩ።

  •  ክትገብሮ እትኽእል፦ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚፈቱን እንታይ ከም ዚጸልእን ኣስተብህል። ‘ንፈጣርየይ ባህ ምእንቲ ኸብሎ እንታይ ምትዕርራያት ክገብር እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።—1 ተሰሎንቄ 4:1

 ነቲ ኣምላኽ ዚህበካ ምኽሪ ብምትግባር፡ ሓልዮቱ ኣብ ህይወትካ ርአ

  •  መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን።”—መዝሙር 34:8

  •  ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ጥዑም ምዃኑ ባዕልኻ ኽትርኢ ይዕድመካ ኣሎ። ፍቕሩን ደገፉን ምስ ረኣኻ፡ ክትቀርቦ ድሌት ከተሕድር ኢኻ።

  •  ክትገብሮ እትኽእል፦ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ተግብሮ፡ እዚ ዜምጽኣልካ ጥቕምታት ከኣ ርአ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ብዘይካዚ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ጸገማት ዝሰገሩ፡ ህይወቶምን ህይወት ስድራ ቤቶምን ዘመሓየሹ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ እውን ዝረኸቡ ብሓቂ ዝነበሩ ኣብነታት ተዓዘብ። e

 ንኣምላኽ ብዛዕባ ምፍላጥ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣምላኽ ኣዝዩ ሓያልን ዓብይን ብምዃኑ፡ ኪቐርበና ኣይደልን እዩ።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝሓየለን ዝዓበየን እኳ እንተ ዀነ፡ ክንቀርቦ ግና ይዕድመና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ቀረባ ፈተውቱ ዝዀኑ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ተጠቒሶም ኣለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:22፣ ያእቆብ 2:23

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣምላኽ ምስጢር ስለ ዝዀነ፡ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባኡ ገሊኡ ነገራት ንምርዳኡ የጸግመና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ንዕኡ ኽንፈልጦ ኸም ዘሎና መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዮሃንስ 17:3) መጽሓፍ ቅዱስ ብዚርድኣና ቓላት ገይሩ ብዛዕባ ፈጣሪና፡ ብዛዕባ ባህርያቱ፡ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ፡ ብዛዕባ ስርዓታቱ ይነግረና እዩ። (ኢሳይያስ 45:18, 19፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:4) ኣቐዲምካ ኸም እተጠቕሰ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ ይገልጸልና እዩ። (መዝሙር 83:18) ስለዚ፡ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንቀርቦ እውን ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 4:8

a ኣብ ተፈጥሮ ብዛዕባ ተገሊጹ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ ንምፍላጥ፡ “ተነዲፉ ድዩ፧” ኣብ ዘርእስቱ ዓምዲ ርአ።

b ብዙሓት ሰባት፡ ስም የሆዋ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ እዩ ዚርድኦም። ኣምላኽ ስሙ ንዓና ብምግላጽ፡ ‘ፍቓደይን ዕላማይን ከም ዚፍጸም ክገብር እየ። ወትሩ ቓለይ ይፍጽም እየ’ ይብለና እዩ ዘሎ።

d ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

eመጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስቱ ዓምዲ ርአ።