ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ክንደይ ስም ኣለዎ፧

ኣምላኽ ክንደይ ስም ኣለዎ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣምላኽ ሓደ ብሕታዊ ስም ጥራይ እዩ ዘለዎ። ብእብራይስጢ፡ יהוה ተባሂሉ ዚጽሓፍ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብትግርኛ፡ “የሆዋ” ተባሂሉ ይትርጐም። a ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 42:8) እዚ ስም እዚ፡ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ይርከብ፣ ካብ ዝዀነ ይኹን ንኣምላኽ ዚገልጽ ስያመታት ወይ ብሕታዊ ስም ካልእ ኣካል ንላዕሊ ድማ ብብዝሒ ተጠቒሱ ይርከብ። b

ኣምላኽ ካልእ ስም ኣለዎዶ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ብሓደ ብሕታዊ ስም ጥራይ እዩ ዚጽውዖ፣ ግናኸ፡ ንኣምላኽ ዚውክል ብዙሕ መዓርጋትን መግለጺታትን ይጥቀም እዩ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ዝርዝር ገሊኡ መዓርጋትን መግለጺታትን፡ ነፍሲ ወከፉ ንሓደ መዳይ እንታይነት ወይ ባህርያት የሆዋ ብኸመይ ከም ዚገልጽ የርኢ።

መዓርግ

መወከሲ

ትርጉም

ልዑል

መዝሙር 47:2፣ ዳንኤል 7:18, 27

ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ።

ልዑላዊ ጐይታ

ዘፍጥረት 15:2

ልዑል ስልጣን ዘለዎ፣ ብእብራይስጢ ኣዶናይ።

ሕጉስ ኣምላኽ

1 ጢሞቴዎስ 1:11

ሓጐስ ዝመለለይኡ።—መዝሙር 104:31

መድሓኒ

ኢሳይያስ 45:21

ካብ ሓደጋ ወይ ጥፍኣት የድሕን።

ሰማዕ ጸሎት

መዝሙር 65:2

ብእምነት ናብኡ ንዚቐርብ ዘበለ ጸሎት ይሰምዕ።

ሰራሕ ካይላ

ኢሳይያስ 64:8

ልክዕ ከምቲ ሰራሕ ካይላ ኣብ ልዕሊ ኻይላ ስልጣን ዘለዎ፡ ኣምላኽ እውን ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሰባትን ኣህዛብን ስልጣን ኣለዎ።—ሮሜ 9:20, 21

ቀናእ

ዘጸኣት 34:14ትርጉም 1956

ብዘይካ ንዕኡ ንኻልእ ዚቐርብ ኣምልኾ ዘይጻወር። እዛ ቓል እዚኣ፡ “ንበይኑ ተወፋይነት ብምድላዩ ዚፍለጥ” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ።—ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

ተበጃዊ

ኢሳይያስ 41:14

ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን መሊሱ ይዕድጎም ወይ የድሕኖም።—ዮሃንስ 3:16

ንጉስ ዘለኣለም

ራእይ 15:3

ግዝኣቱ መጀመርታ ዀነ መወዳእታ የብሉን።

ኣላህ

(የልቦን)

እታ “ኣላህ” እትብል ናይ ዓረብኛ ቓል፡ “ኣምላኽ” ዝትርጉማ መዓርግ እምበር፡ ብሕታዊት ስም ኣይኰነትን። ብዓረብኛን ብኻልእ ቋንቋታትን እተዳለወ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ክንዲ እታ “ኣምላኽ” እትብል ቃል፡ ነታ እትመዓራረያ “ኣላህ” እትብል ቃል እዩ ዚጥቀም።

ኣልፋን ኦሜጋን

ራእይ 1:8፣ 21:6፣ 22:13

“ቀዳማይን ዳሕራይን” ወይ “መጀመርታን መወዳእታን” ዝትርጉሙ ዀይኑ፡ ቅድሚ የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይነበረን፡ ድሕሪኡ እውን ኣይኪህሉን እዩ ማለት እዩ። (ኢሳይያስ 43:10) ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን ፊደላት ግሪኽኛ እየን።

ኣምላኽ

ዘፍጥረት 1:1

ዚምለኽ፣ ሓያል። እታ ኤሎሂም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ብብዙሕ እትሰፍር ኰይና፡ ንግርማ፡ ንኽብሪ፡ ወይ ንብሉጽነት የሆዋ ተመልክት።

ኣምላኽ ኣማልኽቲ

ዘዳግም 10:17

ገሊኦም ሰባት ምስ ዜምልኽዎም “ከንቱ ኣማልኽቲ” ኺነጻጸር ከሎ፡ ዝለዓለ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይሕብር።—ኢሳይያስ 2:8

ኣቦ

ማቴዎስ 6:9

ወሃብ ህይወት።

ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ

ዘጸኣት 3:14

ዕላማኡ ንምፍጻም፡ ኪዀኖ ዜድሊ ዘበለ ይኸውን። እዚ መግለጺ እዚ፡ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ፍቕዲ ንዚርከብ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ንምግላጽ ይሕግዝ።—ዘጸኣት 3:15

ከውሒ

መዝሙር 18:2, 46

ውሑስ መዕቈብን ምንጪ ድሕነትን።

ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ

ምሳሌ 9:10

ካብ ዝዀነ ይኹን ኣካል ንላዕሊ ቕዱስ (ብስነ ምግባር ንጹህን ፍጹምን።)

ኵሉ ዚኽእል

ዘፍጥረት 17:1

ዘይዕገት ሓይሊ ኣለዎ። እታ፡ “ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ” እትትርጐም ኤልሻዳይ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሸውዓተ ሳዕ ትርከብ።

ዓብዪ መምህር

ኢሳይያስ 30:20, 21

ጠቓሚ ትምህርትን መምርሕን ይህብ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

ዓብዪ ገባሪ

መዝሙር 149:2

ንዅሉ ነገራት ናብ ህልውና ዘምጽአ።—ራእይ 4:11

ጓሳ

መዝሙር 23:1

ንኣምለኽቱ ይሓልየሎም።

ጐይታ

መዝሙር 135:5

ዋና ወይ ሓለቓ፣ ብእብራይስጢ፡ ኣዶን ከምኡ ድማ ኣዶኒም።

ጐይታ ሰራዊት

ኢሳይያስ 1:9፣ ሮሜ 9:29

ኣዛዚ ሰፊሕ ሓይልታት መላእኽቲ።

ጥንታዊ ዝመዓልቱ

ዳንኤል 7:9, 13, 22

መጀመርታ የብሉን፣ ዝዀነ ኣካል ወይ ነገር ናብ ህልውና ቕድሚ ምምጻኡ፡ ካብ ዘለኣለም ዝነበረ።—መዝሙር 90:2

ፈጣሪ

ኢሳይያስ 40:28

ንዅሉ ነገራት ናብ ህልውና ዘምጽአ።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ስማት ቦታ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ቦታ፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዜጠቓልል እዩ፣ እዚ ግና ካልእ ስማት ኣምላኽ ኣይኰነን።

ስም ቦታ

መወከሲ

ትርጉም

የሆዋ-ሻሎም

መሳፍንቲ 6:​23, 24

“የሆዋ ሰላም እዩ።”

የሆዋ-ሻማ

ህዝቅኤል 48:35፡ እግረ ጽሑፍ፡ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን

“የሆዋ ኣብኡ ኣሎ።”

የሆዋ-ኒሲ

ዘጸኣት 17:15

“የሆዋ ሰንደቕ ዕላማይ እዩ።” የሆዋ፡ ህዝቡ ዕቝባኡን ሓገዙን ደልዮም ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ ዚኽእሉ ኣምላኽ እዩ።​—ዘጸኣት 17:13-16

የሆዋ-ይርኤ

ዘፍጥረት 22:13, 14

“የሆዋ የቕርብ እዩ።”

ስም ኣምላኽ ምፍላጥን ምጥቃምን ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያታት

  •   ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ግዜ ኸም ዚኣቱ ስለ ዝገበሮ፡ ንስሙ ኸም ኣዝዩ ኣገዳሲ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ዚሕብር እዩ።—ሚልክያስ 1:11

  •   እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ስም ኣምላኽ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ኣጕሊሑ እዩ። ንኣብነት፡ “ስምካ ይቀደስ” ብምባል ናብ የሆዋ ጸልዩ እዩ።—ማቴዎስ 6:9፣ ዮሃንስ 17:6

  •   እቶም ንስም ኣምላኽ ዚፈልጥዎን ዚጥቀሙሉን፡ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኪምስርቱ ዚሕግዞም ቀዳማይ ስጕምቲ እዮም ዚወስዱ። (መዝሙር 9:10፣ ሚልክያስ 3:16) ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ካብቲ፡ “ስለ ዚፈትወኒ፡ ከናግፎ እየ። ስመይ ስለ ዚፈልጥ፡ ከዕቍቦ እየ” ብምባል ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ ኺጥቀሙ የኽእሎም።—መዝሙር 91:14

  •   መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እኳ እንተ ኣለዉስ፡ ብዙሓት ‘ኣማልኽትን’ ብዙሓት ‘ጐይተትን’ ኣለዉ’ ይብል እዩ። (1 ቈረንቶስ 8:5, 6) ነቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና፡ በቲ የሆዋ ዚብል ስሙ እዩ ፈልዩ ዚጽውዖ።—መዝሙር 83:18

a ገሊኦም ምሁራት እብራይስጢ፡ ስም ኣምላኽ፡ “ያህወህ” ተባሂሉ ኺትርጐም ይመርጹ እዮም።

b እቲ “ያህ” ዚብል ኣሕጽሮት ስም ኣምላኽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 50 ሳዕ ይርከብ፣ እዚ እንተላይ ነቲ “ንያህ ወድስዎ” ዝትርጉሙ፡ “ሃሌሉያ” ወይ “ሃሌሉያህ” ኣብ ዚብል ቃል ዘሎ ኣጠቓቕማ ዜጠቓልል እዩ።—ራእይ 19:1