ኢሳይያስ 43:1-28
43 ሕጂ ድማ፡ ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠረካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ+የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+
ኣነ ብስምካ ጸዊዐካ እየ።
ንስኻ ናተይ ኢኻ።
2 ብማያት ምስ እትሓልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ኣፍላግ ምስ እትሳገር፡ ኣይኬዕለቕልቐካን እዩ።+
ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትሓርርን ኢኻ፣ሃልሃልታ እውን ኣይኪልብልበካን እዩ።
3 ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ፡ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ።
ንግብጺ በጃኻ፡ንኢትዮጵያን ንሴባን ከኣ ኣብ ክንዳኻ ሂበ።
4 ኣብ ኣዒንተይሲ ኽቡር ኴንካ፣+እወ፡ እተኸበርካ ዄንካ፣ ኣነ እውን ኣፍቂረካ።+
ስለዚ፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ኣብ ክንዲ ህይወትካ* ኸኣ ኣህዛብ ክህብ እየ።
5 ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+
ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦ፡ካብ ምዕራብ ድማ ክኣኻኽበካ እየ።+
6 ንሰሜን፡ ‘ሕደጎም!’ ክብሎ፡+ንደቡብ ከኣ፡ ‘ኣይትሓዞም።
ንኣወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ንኣዋልደይ ድማ ካብ ወሰናት ምድሪ ኣምጽኣዮም፣+
7 ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዅሉ፡+ንኽብረይ ዝፈጠርክዎንዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን ኣምጽእ’ ክብሎ እየ።+
8 ነቶም ኣዒንቲ ኸለዎምሲ ዕዉራት፡ኣእዛን ከለዎም ከኣ ጸማማት ዝዀኑ ህዝቢ ኣውጽኣዮም።+
9 ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ሓደ ይተኣከቡ፣ህዝብታት ድማ ብሓባር ይተኣከቡ።+
ካባታቶምሲ እዚ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧
ነቲ ቐዳማይከ* ኼስምዑናዶ ይኽእሉ እዮም፧+
ቅኑዓት ምዃኖም ኬርእዩስ መሰኻኽሮም የቕርቡ!
ወይስ ሰሚዖም፡ ‘እዚ ሓቂ እዩ!’ ይበሉ።”+
10 “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም”+ ይብል የሆዋ፡“እወ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡን ብኣይ ምእንቲ ኽትኣምኑን*ኣነ ወትሩ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትርድኡንሲ፡+ዝሓረኽዎ ጊልያይ ኢኹም።+
ቅድመይ ኣምላኽ ኣይተደኰነን፣ድሕረይ እውን ኣይኰነን።+
11 ኣነ፡ ኣነ የሆዋ እየ፡+ ብዘይካይ መድሓኒ የልቦን።”+
12 “ጓና ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም ከይሃለወ፡+ዝነገርኩን ዘድሓንኩን ዘፍለጥኩን ኣነ እየ።
ስለዚ፡ ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” ይብል የሆዋ፡ “ኣነ ኸኣ ኣምላኽ እየ።+
13 ኣነ እውን ወትሩ ኣነ እየ፣+ካብ ኢደይ ኪምንዝዕ ዚኽእል የልቦን።+
ምስ ገበርኩስ፡ መን ኪኽልክል ይኽእል፧”+
14 የሆዋ እቲ ተበጃዊኹም፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+
“ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ክልእኽ፡ ንዅሉ ተገዳም ኣፍ ደገታት ከውርድ እየ፣+ከለዳውያን ድማ ኣብ መራኽቦም ብጭንቂ ኸእውዩ እዮም።+
15 ኣነ የሆዋ እቲ ቕዱስኩም፡+ ፈጣር እስራኤል፡+ እቲ ንጉስኩም+ እየ።”
16 እቲ ኣብ ባሕሪ ጐደና፡ኣብ መንጎ ዚናወጽ ማያት ከኣ መገዲ ዚገብር+የሆዋ ኸምዚ ይብል፣
17 እቲ ንሰረገላን ንፈረስንንሰራዊት ምስ ሓያላት ጀጋኑ ዜውጽእ፡ ከምዚ ይብል፦+
“በጥ ኪብሉ፡ ኣይኪትንስኡን ድማ እዮም።+
ኪጠፍኡ፡ ከም ዚነድድ ፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ኪቕህሙ እዮም።”
18 “ነቲ ዝቐደመ ኣይትዘክሩ፡ነቲ ዝሓለፈ ድማ ኣይትሕሰቡ።
19 እንሆ፡ ሓድሽ ነገር እገብር ኣለኹ፣+ሕጂ እኳ ይቕልቀል ኣሎ።
ኣይተለልይዎን ዲኹም፧
ኣብ በረኻ መገዲ፡+ኣብ ምድረ በዳ ኸኣ ኣፍላግ ክገብር እየ።+
20 ህዝበይ እቲ ሕሩየይ+ ምእንቲ ኺሰቲ፡ኣብ በረኻ ማይ፡ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣፍላግ ክህብ እየ እሞ፡+እንስሳ መሮር፡ወኻሩን* ሰገናትን ኬኽብሩኒ እዮም።
21 እቲ ንዓይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ፡ውዳሰይ ምእንቲ ኺነግር፡ ከምኡ ኽገብር እየ።+
22 ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል፡ ብኣይ ስለ ዝሰልከኻ፡+ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ኣይጸዋዕካንን።+
23 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኻ ኪኸውን በጊዕ ኣየምጻእካለይን፡ብመስዋእቲ ኸኣ ኣየኽበርካንን።
መባእ ከተምጽእ ኣየገደድኩኻን፣ጻዕዳ ዕጣን ደልየ ድማ ኣየድከምኩኻን።+
24 ጥዑም ቃንጫ* ብገንዘብ ኣይዓደግካለይን፣ብስብሒ መስዋእትኻ እውን ኣየጽገብካንን።+
ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሓጢኣትካ ጾር ኣኽቢድካለይ፣ብስሕተትካ ኸኣ ኣድኪምካኒ።+
25 ኣነ፡ ኣነ ንኣበሳኻ* ምእንታይ ኢለ+ ዝድምስስ እየ፣+ሓጢኣትካ ድማ ኣይክዝክሮን እየ።+
26 ኣዘክረኒ፣ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘሎ ነገር ነቕርብ፣ቅኑዕ ምዃንካ ኸተርእስ ብወገንካ እትብሎ ተዛረብ።
27 እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጥአ፣እቶም ኣፈኛታትካ* ኸኣ ካባይ ዓለዉ።+
28 ስለዚ፡ ንመሳፍንቲ እታ መቕደስ ከርክሶም፡ንያእቆብ ከኣ ከጥፍኦ፡ንእስራኤል እውን ኣደዳ ጸርፊ ኽገብሮ እየ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ነፍስኻ።”
^ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚመጽእ ቀዳማይ ነገር ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ምእንቲ ኽትኣምኑንን።”
^ ወይ፡ “ጋውሕታታትን።”
^ ምዑዝ ሻምብቆ።
^ ወይ፡ “ንዕልወትካ።”
^ ንመምህራን እቲ ሕጊ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።