ኢሳይያስ 43:1-28

  • የሆዋ ንህዝቡ መሊሱ ኺእክቦም እዩ (1-7)

  • ኣማልኽቲ ኣብ ፍርዲ ቐረቡ (8-13)

    • “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” (10, 12)

  • ካብ ባቢሎን ክትወጹ ኢኹም (14-21)

  • “ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘሎ ነገር ነቕርብ” (22-28)

43  ሕጂ ድማ፡ ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠረካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ+የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+ ኣነ ብስምካ ጸዊዐካ እየ። ንስኻ ናተይ ኢኻ።   ብማያት ምስ እትሓልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ኣፍላግ ምስ እትሳገር፡ ኣይኬዕለቕልቐካን እዩ።+ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትሓርርን ኢኻ፣ሃልሃልታ እውን ኣይኪልብልበካን እዩ።   ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ፡ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ። ንግብጺ በጃኻ፡ንኢትዮጵያን ንሴባን ከኣ ኣብ ክንዳኻ ሂበ።   ኣብ ኣዒንተይሲ ኽቡር ኴንካ፣+እወ፡ እተኸበርካ ዄንካ፣ ኣነ እውን ኣፍቂረካ።+ ስለዚ፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ኣብ ክንዲ ህይወትካ* ኸኣ ኣህዛብ ክህብ እየ።   ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+ ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦ፡ካብ ምዕራብ ድማ ክኣኻኽበካ እየ።+   ንሰሜን፡ ‘ሕደጎም!’ ክብሎ፡+ንደቡብ ከኣ፡ ‘ኣይትሓዞም። ንኣወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ንኣዋልደይ ድማ ካብ ወሰናት ምድሪ ኣምጽኣዮም፣+   ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዅሉ፡+ንኽብረይ ዝፈጠርክዎንዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን ኣምጽእ’ ክብሎ እየ።+   ነቶም ኣዒንቲ ኸለዎምሲ ዕዉራት፡ኣእዛን ከለዎም ከኣ ጸማማት ዝዀኑ ህዝቢ ኣውጽኣዮም።+   ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ሓደ ይተኣከቡ፣ህዝብታት ድማ ብሓባር ይተኣከቡ።+ ካባታቶምሲ እዚ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧ ነቲ ቐዳማይከ* ኼስምዑናዶ ይኽእሉ እዮም፧+ ቅኑዓት ምዃኖም ኬርእዩስ መሰኻኽሮም የቕርቡ! ወይስ ሰሚዖም፡ ‘እዚ ሓቂ እዩ!’ ይበሉ።”+ 10  “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም”+ ይብል የሆዋ፡“እወ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡን ብኣይ ምእንቲ ኽትኣምኑን*ኣነ ወትሩ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትርድኡንሲ፡+ዝሓረኽዎ ጊልያይ ኢኹም።+ ቅድመይ ኣምላኽ ኣይተደኰነን፣ድሕረይ እውን ኣይኰነን።+ 11  ኣነ፡ ኣነ የሆዋ እየ፡+ ብዘይካይ መድሓኒ የልቦን።”+ 12  “ጓና ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም ከይሃለወ፡+ዝነገርኩን ዘድሓንኩን ዘፍለጥኩን ኣነ እየ። ስለዚ፡ ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” ይብል የሆዋ፡ “ኣነ ኸኣ ኣምላኽ እየ።+ 13  ኣነ እውን ወትሩ ኣነ እየ፣+ካብ ኢደይ ኪምንዝዕ ዚኽእል የልቦን።+ ምስ ገበርኩስ፡ መን ኪኽልክል ይኽእል፧”+ 14  የሆዋ እቲ ተበጃዊኹም፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+ “ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ክልእኽ፡ ንዅሉ ተገዳም ኣፍ ደገታት ከውርድ እየ፣+ከለዳውያን ድማ ኣብ መራኽቦም ብጭንቂ ኸእውዩ እዮም።+ 15  ኣነ የሆዋ እቲ ቕዱስኩም፡+ ፈጣር እስራኤል፡+ እቲ ንጉስኩም+ እየ።” 16  እቲ ኣብ ባሕሪ ጐደና፡ኣብ መንጎ ዚናወጽ ማያት ከኣ መገዲ ዚገብር+የሆዋ ኸምዚ ይብል፣ 17  እቲ ንሰረገላን ንፈረስንንሰራዊት ምስ ሓያላት ጀጋኑ ዜውጽእ፡ ከምዚ ይብል፦+ “በጥ ኪብሉ፡ ኣይኪትንስኡን ድማ እዮም።+ ኪጠፍኡ፡ ከም ዚነድድ ፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ኪቕህሙ እዮም።” 18  “ነቲ ዝቐደመ ኣይትዘክሩ፡ነቲ ዝሓለፈ ድማ ኣይትሕሰቡ። 19  እንሆ፡ ሓድሽ ነገር እገብር ኣለኹ፣+ሕጂ እኳ ይቕልቀል ኣሎ። ኣይተለልይዎን ዲኹም፧ ኣብ በረኻ መገዲ፡+ኣብ ምድረ በዳ ኸኣ ኣፍላግ ክገብር እየ።+ 20  ህዝበይ እቲ ሕሩየይ+ ምእንቲ ኺሰቲ፡ኣብ በረኻ ማይ፡ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣፍላግ ክህብ እየ እሞ፡+እንስሳ መሮር፡ወኻሩን* ሰገናትን ኬኽብሩኒ እዮም። 21  እቲ ንዓይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ፡ውዳሰይ ምእንቲ ኺነግር፡ ከምኡ ኽገብር እየ።+ 22  ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል፡ ብኣይ ስለ ዝሰልከኻ፡+ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ኣይጸዋዕካንን።+ 23  ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኻ ኪኸውን በጊዕ ኣየምጻእካለይን፡ብመስዋእቲ ኸኣ ኣየኽበርካንን። መባእ ከተምጽእ ኣየገደድኩኻን፣ጻዕዳ ዕጣን ደልየ ድማ ኣየድከምኩኻን።+ 24  ጥዑም ቃንጫ* ብገንዘብ ኣይዓደግካለይን፣ብስብሒ መስዋእትኻ እውን ኣየጽገብካንን።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሓጢኣትካ ጾር ኣኽቢድካለይ፣ብስሕተትካ ኸኣ ኣድኪምካኒ።+ 25  ኣነ፡ ኣነ ንኣበሳኻ* ምእንታይ ኢለ+ ዝድምስስ እየ፣+ሓጢኣትካ ድማ ኣይክዝክሮን እየ።+ 26  ኣዘክረኒ፣ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘሎ ነገር ነቕርብ፣ቅኑዕ ምዃንካ ኸተርእስ ብወገንካ እትብሎ ተዛረብ። 27  እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጥአ፣እቶም ኣፈኛታትካ* ኸኣ ካባይ ዓለዉ።+ 28  ስለዚ፡ ንመሳፍንቲ እታ መቕደስ ከርክሶም፡ንያእቆብ ከኣ ከጥፍኦ፡ንእስራኤል እውን ኣደዳ ጸርፊ ኽገብሮ እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍስኻ።”
ነቲ ኣብ መጻኢ ዚመጽእ ቀዳማይ ነገር ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ምእንቲ ኽትኣምኑንን።”
ወይ፡ “ጋውሕታታትን።”
ምዑዝ ሻምብቆ።
ወይ፡ “ንዕልወትካ።”
ንመምህራን እቲ ሕጊ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።