ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕሩይ ቍጠባዊ ስርዓት ኪመጽእ ይኽእል ድዩ፧

ምዕሩይ ቍጠባዊ ስርዓት ኪመጽእ ይኽእል ድዩ፧

 ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ሰባት ዘይምዕሩይ ቍጠባዊ ስርዓት ከም ዘሎ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም ይገልጹ እዮም። እዚ ጸገማት እዚ ኸኣ፡ በቲ ናዕቢ ኸም ዚጐሃሃር ዝገበረ ለበዳ ኮቪድ-19 ተጋዲዱ እዩ፣ ከመይሲ፡ ብሰንኪ እዚ ለበዳ እዚ ዝመጸ ዕጽዋን ሕጽረት ቀረብን ምስ ጥዕና እተተሓሓዘ ነገራት ከም ድላይካ ዘይርከብ ምዃኑን ነቲ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ከም ዚሰፍሕ ገይርዎ እዩ።

 እዚ ኣብ ዓለም እንርእዮ ዘለና ቝጠባዊ ጸገማት፡ መወዳእታ ይህልዎ ዶዀን ይኸውን፧ እወ። መጽሓፍ ቅድስ፡ ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ ጸገማት ብኸመይ ከም ዚፈትሖ ይገልጸልና እዩ።

ኣምላኽ ዚፈትሖ ቝጠባዊ ጸገማት

 ጸገም፦ ሰባት ንዅሉ ሰብ ዜዕግብ ቍጠባዊ ስርዓት ኬምጽኡ ኣይከኣሉን።

 ፍታሕ፦ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት፡ በታ መንግስቲ ኣምላኽ እትብሃል መንግስቱ ኣቢሉ ኽትክአን እዩ። እታ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ኰይና ንምልእቲ ምድሪ ኽትገዝእ እያ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10

 ውጽኢት፦ መንግስቲ ኣምላኽ ንምልእቲ ምድሪ ስለ እትገዝእ፡ ንጕዳያት ደቂ ሰብ ብፍጹም መገዲ ኸተመሓድር እያ። ድኽነት ኰነ ቝጠባዊ ቕልውላው ዜጋጥሞ ሰብ ኣይክህሉን እዩ። (መዝሙር 9:7-9, 18) ኣብ ክንዳኡስ፡ ጻማ ጻዕሮም ኪረኽቡ፡ ዜዕግብ ናብራ ስድራ ቤት ከኣ ኪህልዎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም። ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡ ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም” ብምባል የተስፉ።—ኢሳይያስ 65:21, 22

 ጸገም፦ ሰባት ካብ ስቓይን ካብ ስእነትን ኬምልጡ ኣይከኣሉን።

 ፍታሕ፦ ኣምላኽ ብመንግስቱ ኣቢሉ፡ ንዅሉ ጠንቂ ፍርህን ዘይምርግጋእን ኬወግዶ እዩ።

 ውጽኢት፦ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ኣምላኽ፡ ሰባት ንዕኦምን ንስድራ ቤቶምን ከም ዚስእኑ ዚገብሮም ዝነበረ ነገራት ኣይኬጋጥሞምን እዩ። ንኣብነት፡ ውግእን ጥሜትን ለበዳን ነበረያ ነበረ ኪኸውን እዩ። (መዝሙር 46:9፣ 72:16፣ ኢሳይያስ 33:24) ኣምላኽ፡ “ህዝበይ ኣብ ሰላማዊ መንበሪ፡ ደሓን ኣብ ዘለዎ መንበርን ህድኣት ኣብ ዘለዎ መዕረፍን ኪቕመጥ እዩ” ኢሉ ኣሎ።—ኢሳይያስ 32:18

 ጸገም፦ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብስሱዓትን ብፈተውቲ ርእሶምን ይምዝመዙ እዮም።

 ፍታሕ፦ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንኻልኦት ካብ ርእሶም ኣብሊጾም ኬፍቅሩ ይምሃሩ እዮም።—ማቴዎስ 22:37-39

 ውጽኢት፦ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነፍሲ ወከፍ “ጥቕሚ ርእሳ” ዘይትደሊ ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ንኣምላኽ ኪመስልዎ እዮም። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ a ኽትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ቕዱስ ከረነይ፡ ኣይኪጐድኡን ወይ ኣይኬጥፍኡን እዮም” ብምባል ይገልጽ።—ኢሳይያስ 11:9

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንነብር ከም ዘለና፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ኣምላኽ ንዅሉ ቝጠባዊ ጸገማት መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ይገልጽ እዩ። b (መዝሙር 12:5) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕጂ ዜጋጥመካ ዘሎ ቝጠባዊ ጸገማት ብኸመይ ክትሰግሮ ኸም እትኽእል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ “ቈጢብካ ምንባር፡” “ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ” ዘርእስተን ዓንቀጻት ኣንብብ።

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18

b ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ክትኣምኖ ኸም እትኽእል ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ—እሙን ምንጪ ሓቂ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።