ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቈጢብካ ምንባር

ቈጢብካ ምንባር

 ኣብ ህይወትካ ቝጠባዊ ጸገማት ስለ ዘጋጠመካ፡ ብውሑድ ገንዘብ ኽትነብር ትግደድ ዲኻ፧ ለበዳን ባህርያዊ ሓደጋታትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ውግእን፡ ብቐሊሉ ቝጠባዊ ቕልውላው ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ብሃንደበት ዝነበረካ ኣታዊ ምስኣን ዜጨንቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ተግባር ምውዓል፡ ብውሑድ ገንዘብ ክትነብር ኪሕግዘካ እዩ።

1. ነቲ ዘጋጠመካ ለውጢ ተቐበሎ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ርኽበትን ስእነትን . . . እፈልጥ እየ።”—ፊልጲ 4:12

 ሕጂ ዘሎካ ኣታዊ ውሑድ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዘጋጠመካ ቍጠባዊ ለውጢ ኽትለምዶ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ለውጢ ብቕልጡፍ እንተ ደኣ ተቐቢልካዮ፡ ብኡብኡ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ዚጠቅም ምትዕርራያት ክትገብር ኢኻ።

 ኣብ ከባቢኻ፡ ብመንግስቲ ወይ ብኻልኦት ትካላት ግብረ ሰናይ ዚውሃብ ሓገዝ እንተ ኣልዩ ሕተት። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ንምርካብ ዚውሃበካ ግዜ ሓጺር ስለ ዝዀነ፡ ቀልጢፍካ ኣመልክት።

2. ምስ ስድራ ቤትካ ተማኸር።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል፣ ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም።”—ምሳሌ 15:22

 ነቲ ኣጋጢሙካ ዘሎ ዅነታት፡ ምስ መጻምድትኻን ደቅኻን ተዛራረበሉ። ብዛዕባ እቲ ዅነታት ምስ ስድራ ቤትካ እሂን ምሂን ምባል፡ ነቲ ዅነታት ተርዲኦም ዜድሊ ለውጢ ኣብ ምግባር ኪድግፉኻ እዮም። ብተወሳኺ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ዘየድሊ ወጻኢ ኻብ ምግባር እንተ ደኣ ተቘጢቡ፡ እቲ ዘሎኩም ገንዘብ ከቃንየኩም ይኽእል እዩ።

3. ባጀት መድብ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “መን . . . ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧”—ሉቃስ 14:28

 ብውሑድ ገንዘብ ክትነብር እንተ ደኣ ተገዲድካ፡ ኵሉ ገንዘብካ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል ከም ዘሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኵነታትካ፡ ፈለማ ወርሓዊ ኣታዊታትካ መዝግብ። ቀጺልካ ድማ፡ ዋላ እኳ ዚቕየር እንተ ዀነ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወርሓዊ ወጻኢታትካን ናይ ምሕሻሽ ልምድኻን ኣብ ጽሑፍ ኣስፍሮ። ኣብ ርእሲ እቲ ዝመደብካዮ ወርሓዊ ወጻኢታትካ፡ ዘይተጸበኻዮ ወጻኢታት ኪሽፍነልካ ዚኽእል መሐለውታ እውን ወስኸሉ።

 ምኽሪ፦ ወጻኢታትካ ኽትምዝግብ ከለኻ፡ እትዕድጎ ቐንጠ መንጢ ነገራት እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። ነዚ ደቀቕቲ ነገራት እተውጽኦ ገንዘብ፡ ቀሊል ከም ዘይኰነ ኽትርኢ ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብኣይ፡ ወጻኢታቱ ኺከታተል ምስ ጀመረ፡ ኣብ ዓመት ንማስቲካ ጥራይ ኣማእታት ዶላር የውጽእ ከም ዝነበረ ተገንዚቡ።

4. ነቲ ቐንዲ ወጻኢታትካ ቐዳምነት ብምሃብ፡ ለውጥታት ግበር።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ።’—ፊልጲ 1:10

 ኣታዊታትካ ምስ ወጻኢታትካ ብምንጽጻር፡ እንታይ ወጻኢታት ከተወግድ ወይ ክትንኪ ኸም እትኽእል ርአ። እዚ ኸኣ፡ በቲ ዘሎካ ውሱን ኣታዊ ኽትነብር ኪሕግዘካ እዩ። ነዚ ዚስዕብ መዳያት መርምር፦

  •   መጓዓዝያ። ካብ ሓንቲ ማኪና ንላዕሊ እንተ ኣልዩካ፡ ሓንቲአን ክትሸጠን ትኽእልዶ፧ ናይ መጋየጺ ማኪና እንተ ኣልያትካ፡ ሼጥካ ካልእ ሕስር ዝበለት ማኪና ኽትገዝእ ትኽእልዶ፧ ህዝባዊ መጓዓዝያ ወይ ብሽክለታ ክትጥቀም ወይ ከኣ ብእግርኻ ኽትጓዓዝ ትኽእልዶ፧

  •   መዘናግዒ። ንኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ሳተላይት፡ ወይ ተለቪዥን እትገብሮ ወርሓዊ ኽፍሊታት፡ ንግዜኡ ኽትስርዞ ትኽእልዶ፧ ዝሓሰረ ኣማራጺታት ኽትረክብ ትኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ቤት ንባብ፡ ፊልምታትን ኤለክትሮኒካዊ መጻሕፍትን ብድምጺ ዚስማዕ መጻሕፍትን ብዘይ ክፍሊት የለቅሕ ይኸውን።

  •   ማይን መብራህትን። ንማይ፡ ንኤለክትሪክ፡ ንነዳዲ ዚኸውን ወጻኢታት ንምቕናስ፡ ብስድራ ቤት ኴንኩም ተመያየጡ። ኣብ ዘይትጥቀመሉ ሰዓት መብራህቲ ምጥፋእ፡ ነብስኻ ኽትሕጸብ ከለኻ ኸኣ ቀልጢፍካ ምውጻእ ብዙሕ ለውጢ ዜምጽእ ኣይመስልን ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ እዚ ልምዲ እዚ ምምዕባል፡ ብዙሕ ገንዘብ ክትቍጥብ ኪሕግዘካ እዩ።

  •   ምግቢ። ኣብ ቤት ምግቢ ምብላዕ ኣወግድ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ገዛኻ ምግቢ ስራሕ። እንታይ ከም እትኽሽን ኣቐዲምካ መድብ። እንተ ኽኢልካ፡ ኣብዚሕካ ዓዲግካ ኸሽን፡ ተረፍ መረፍ ምግቢ እውን ኣብ ክንዲ እትጕሕፎ ተመሊስካ ተጠቐመሉ። ኣስቤዛ ኽትገብር ክትምድብ ከለኻ፡ ዘየድልየካ ነገራት ምእንቲ ኸይትዕድግ፡ ኣቐዲምካ ናይቲ እትዕድጎ ዝርዝር ጽሓፍ። ወቕቲ ፍረታትን ኣሕምልትን ኪኸውን ከሎ፡ ብሑስር ዋጋ ዓድግ። ንጥዕናኻ ዚጐድእ ምግቢ ኣይትዓድግ። ኣብ ጀርዲንካ ኣሕምልቲ ትኸል።

  •   ክዳን። ፋሽን ክትክተል ኢልካ ዘይኰነስ፡ ዝኣረገ ኽዳንካ ንምትካእ ጥራይ ዓድግ። ክዳውንቲ ኣብ ዚሓስረሉ እዋንን ዘገልገለ ኽዳውንቲ ኣብ ዚሽየጠሉ ድኳንን ጥዕይ ዝበለ ኽዳን እንተ ረኺብካ ዓድግ። ኵነታት ኣየርን ኵነታትካን ዚፈቅድ እንተ ዀይኑ፡ ክዳን ምስ ሓጸብካ ኣብ ክንዲ መንቀጺ ማሽን እትጥቀም፡ ኣብ ስልኪ ሰጢሕካ ኣንቅጾ።

  •   ኣብ መጻኢ እትዕድጎ። ሓደ ነገር ቅድሚ ምግዛእካ፡ ‘ክዕድጎ ዓቕሚ ኣሎኒ ድዩ፧ ናይ ሓቂ የድልየኒ ድዩ፧’ ኢልካ ሕተት። ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ ኣቝሑ ኽሽነ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት፡ ወይ ከኣ ማኪና ኸየሐደስካ ወይ ከይቀየርካ ኽትጸንሕ ትኽእል ዲኻ፧ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ዘይትጥቀመሉ ወይ ዘየድልየካ ነገራት ክትሸይጥ ትኽእልዶ፧ ከምኡ ምግባር፡ ናብራኻ ንምቕላልን ተወሳኺ ኣታዊ ንምርካብን ይሕግዘካ እዩ።

 ምኽሪ፦ እቶትካ ብሃንደበት እንተ ደኣ ነክዩ፡ ከም በዓል ትምባኾ፡ ምጥላዕ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምዝውታር ዝኣመሰለ ጐዳእን ብዙሕ ገንዘብ ከም እተውጽእ ዚገብረካን ልምድታት ንምውጋድ ኬተባብዓካ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትዕርራያት ምግባር ንቝጠባኻ ጥራይ ዘይኰነስ ንህይወትካ እውን ከም ዚመሓየሽ ኪገብሮ እዩ።

5. ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣቕልብ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ገንዘብ ዕቝባ ዚኸውን፡ ጥበብ እውን ዕቝባ እያ፣ ጥቕሚ ፍልጠት ግና እዚ እዩ፦ ጥበብ ንዋናኣ ብህይወት ተንብሮ” ብምባል ሚዛናዊ ምኽሪ ይህብ እዩ። (መክብብ 7:12) እዚ ጥበብ እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። ብዙሓት ሰባት ከኣ፡ ነዚ መመርሒ እዚ ኣብ ተግባር ብምውዓሎም ቍጠባዊ ጸገማት ዜምጽኦ ጭንቀት ኬወግዱ ሓጊዝዎም እዩ።—ማቴዎስ 6:31, 32