ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ድኽነት ዘይህልወላ ዓለም ክትመጽእ ትኽእል ድያ፧

ኣምላኽ፡ ድኽነት ዘይህልወላ ዓለም ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧ ማቴዎስ 6:9, 10

በብዓመቱ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ኽቱር ድኽነት ዚመጽእ ጕድለት ኣመጋግባን ሕማምን ይሞቱ እዮም። ገሊኡ ኽፋላት ዓለምና ብልጽግና ዘለዎ እኳ እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ግና ገና ኣብ ክቱር ድኽነት እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድኽነት ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሽግር ደቂ ሰብ ከም ዝዀነ እዩ ዚሕብረና።ዮሃንስ 12:8 ኣንብብ።

ሓንቲ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ምስ እትህሉ እዩ ድኽነት ኪጠፍእ ዚኽእል። ከምዚኣ ዝኣመሰለት መንግስቲ፡ ጸጋታት ዓለምና ንዅሉ ሰብ ብማዕረ ኸተመቓርሕን ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ድኽነት ዝዀነ ውግእ ከም ዜኽትምን ክትገብር እትኽእል ክትከውን ኣለዋ። ኣምላኽ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኬምጽእ ምዃኑ ኣተስፍዩና ኣሎ።ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

ድኽነት ኬጥፍእ ዚኽእል መን እዩ፧

ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቂ ሰብ ኪገዝእ ሸይምዎ ኣሎ። (መዝሙር 2:4-8) የሱስ ንድኻታት ኬናግፎም፡ ንግፍዕን ዓመጽን ከኣ ኬወግዶ እዩ።መዝሙር 72:8, 12-14

የሱስ፡ ብትንቢት እተነግረሉ “መስፍን ሰላም” ከም ምዃኑ መጠን፡ ዓለምለኻዊ ሰላምን ደሓንን ኬስፍን እዩ። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት፡ ኣብ ገዛእ ቤቶም ኪነብሩን ዜዕግብ ስራሕ ኪሰርሑን ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኺረኽቡን እዮም።ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 65:21-23 ኣንብብ።