ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግብረ ሽበራ ኼብቅዕ ድዩ፧

ግብረ ሽበራ ኼብቅዕ ድዩ፧

 ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠመ፡ ‘እምበርዶ ኣምላኽ ይሓሊ እዩ፧ እዚ ነገራት እዚ ዜጋጥም ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ግብረ ሽበራ a የብቅዕ ዶዀን ይኸውን፧ ፍርሂ እናተሰምዓኒ ኽነብር ዝኽእል ከመይ ኢለ እየ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ባህርያዊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚኸውን ዜዕግብ መልሲ ይህብ እዩ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ግብረ ሽበራ ኸመይ ይስምዖ፧

 ኣምላኽ ዓመጻን ግብረ ሽበራን ይጸልእ እዩ። (መዝሙር 11:5፣ ምሳሌ 6:16, 17) እቲ ወኪል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንዓመጻ ምስ ተለዓዓሉ፡ ኣምሪሩ ገኒሕዎም እዩ። (ማቴዎስ 26:50-52) ሽሕ እኳ ገሊኣቶም ብስም ኣምላኽ ዓመጻ ዚፍጽሙ እንተዀኑ፡ ኣምላኽ ግና ከምኡ ኺገብሩ ኣይፈቕደሎምን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ኣይሰምዖን እዩ።—ኢሳይያስ 1:15

 ኣምላኽ ንዅሎም እቶም መከራ ዚወርዶም፡ እንተላይ ነቶም ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዜጋጠሞም ይሓልየሎም እዩ። (መዝሙር 31:7፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዓመጻ መወዳእታ ኺገብረሉ ምዃኑ ይሕብር እዩ።—ኢሳይያስ 60:18

ቀንዲ ጠንቂ ግብረ ሽበራ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ኸም ዚገዝእ’ ብምሕባር፡ ቀንዲ ጠንቂ ግብረ ሽበራ እንታይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 8:9) ኣብ ምሉእ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ሓያላት ሰባት፡ ግብረ ሽበራ ኸም መሳርሒ ተጠቒሞም ንኻልኦት ሰባት ጨቊኖም እዮም። ካልኦት ከኣ ጭቈና ምስ ኣጋጠሞም፡ ንግብረ ሽበራ ኸም ፍታሕ ተጠቒሞምሉ እዮም።—መክብብ 7:7

ግብረ ሽበራ ዜብቅዓሉ

 ኣምላኽ ንፍርህን ዓመጻን መወዳእታ ኺገብረሉ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ሰላም ኬስፍን ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ። (ኢሳይያስ 32:18፣ ሚክያስ 4:3, 4) ነዚ ዚስዕብ ድማ ኪፍጽም እዩ፦

  •   ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ግብረ ሽበራ ኼወግዶ እዩ። ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት በታ ኣብ መላእ ምድሪ እትገዝእ መንግስቱ ገይሩ ኺትክአን እዩ። እቲ ገዛኢ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንዅሉ ሰብ ብፍትሒ ኺሕዞ፡ ንዅሉ ጭቈናን ዓመጻን ድማ ኬወግዶ እዩ። (መዝሙር 72:2, 14) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ግብረ ሽበራ ዚፍጽም ሰብ ኣይኪህሉን እዩ። ሰባት “ብብዝሒ ሰላም ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11

  •   ንዅሉ እቲ ግብረ ሽበራ ዘስዓቦ ጸገማት ኬልግሶ እዩ። ኣምላኽ ንሰባት ካብቲ ግብረ ሽበራ ዘስዓበሎም ኣካላውን ስምዒታውን ጕድኣት ኬሕውዮም እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:3, 4) ኣምላኽ ንምዉታት ኬተንስኦምን ኣብታ ሰላም ዝሰፈና ምድሪ ብህይወት ኬንብሮምን ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ።—ዮሃንስ 5:28, 29

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ኼእምነና ዚኽእል ሓሳባት ይህበና እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘ኣምላኽ ንምንታይ እዩ ኽሳዕ ሕጂ ንግብረ ሽበራ መወዳእታ ዘይገበረሉ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ፡ ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ እትብል ቪድዮ ርአ።

a “ግብረ ሽበራ” ኺብሃል ከሎ፡ ዓመጻ ኸም መሳርሒ ተጠቒምካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፍርሂ ብምሕዳር፡ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዕላማኻ ምፍጻም ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰባት ብዛዕባ ሓደ ተግባር፡ ግብረ ሽበራ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ምውሳን ሓሳባቶም ኪፈላለ ይኽእል እዩ።