ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት

ውሉደይ ይድንደን እንተ ኣልዩኸ፧

ውሉደይ ይድንደን እንተ ኣልዩኸ፧

 ወድኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይድንድንዎ ኸም ዘለዉ ይነግረካ። እንታይ ኢኻ እትገብር፧ እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ደንዳኒ ኪቐጽዖ ዲኻ እትሓትት፡ ወይስ ንወድኻ ብኸመይ ከም ዚቃለስ ኢኻ እትምህሮ፧ ቅድሚ ምውሳንካ፡ ብዛዕባ ድንደና ኽትፈልጦ ዘሎካ ገለ ሓቅታት ኣሎ። a

 ብዛዕባ ድንደና እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

 ድንደና እንታይ እዩ፧ ድንደና ኺብሃል ከሎ፡ ኰነ ኢልካ ብቐጻሊ ዚግበር ብኣካላዊ ወይ ብስምዒታዊ ናይ ምስቓይ ተግባር እዩ። ስለዚ፡ ኵሉ ጸርፊ ወይ መጥቃዕቲ ኣይኰነን ድንደና ዚብሃል።

 ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኦም ሰባት ነታ “ድንደና” እትብል ቃል ንዝዀነ ዘሕረቖም ነገር፡ ዋላ እውን ንንእሽቶ ነገር ይጥቀሙላ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንንኣሽቱ ነገራት ዓብዪ ጕዳይ እንተ ጌርካዮ፡ ከይተፈለጠካ ንውሉድካ፡ ግጭታት ኪፈትሕ ከም ዘይክእል ክትምህሮ ትኽእል ኢኻ፣ ግጭት ናይ ምፍታሕ ክእለት ኸኣ ሕጂ ዀነ ምስ ዓበየ የድልዮ እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንዅራ ኣይትተሃወኽ።”—መክብብ 7:9

 እቲ ቑም ነገር፦ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ጣልቃ ኽትኣቱ ዜድሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ግና ንውሉድካ ሓቦ ኺገብርን ንሰባት ብኸመይ ኪሕዝ ከም ዘለዎ ኺምሃርን ኣጋጣሚ ኪኸፍተሉ ይኽእል እዩ።—ቈሎሴ 3:13

 ውሉድካ ብኻልኦት ሰባት ኰነ ኢልካ ብቐጻሊ ይጥቃዕ ኸም ዘሎ እንተ ሓቢሩካኸ፧

 ብኸመይ ክሕግዝ እኽእል፧

  •   ንውሉድካ ብትዕግስቲ ስምዓዮ። (1) እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ፡ (2) ስለምንታይ ግዳይ ከም ዝዀነ ኽትርዳእ ጽዓር። ኵሉ ሓቅታት ኣብ ግምት ቅድሚ ምእታውካ፡ ናብ መደምደምታ ኣይትብጻሕ። ‘እቲ ጕዳይ ካልእ መልክዕ ይህልዎ ደዀን ይኸውን፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ምሉእ ስእሊ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ንመምህር ውሉድካ ወይ ንወለዲ እቲ ሓደ ቘልዓ ኸተዛራርብ የድልየካ ይኸውን።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ከይሰምዐ ዚምልስ፡ ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ።”—ምሳሌ 18:13

  •   ውሉድካ ይድንደን እንተ ኣልዩ፡ ምላሹ ነቲ ነገር ብኸመይ ኬመሓይሾ ወይ ኬግድዶ ከም ዚኽእል ኣረድኣዮ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣ ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል” ይብል። (ምሳሌ 15:1) እወ፡ ምፍዳይ ሕነ ነቲ ነገር ኬግድዶ፡ ማለት ነቲ ድንደና ኣብ ክንዲ ዚንኪ ኼብእሶ ይኽእል እዩ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ፡ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ።”—1 ጴጥሮስ 3:9

  •   ሕነ ዘይምፍዳይ ድኹም ከም ዘይገብሮ ንውሉድካ ግለጸሉ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ካልእ ሰብ ንተግባሩ ኪቈጻጸሮ ብዘይምፍቃዱ፡ ሓያል ሰብ እዩ ዚኸውን። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንደንዳኒ ብዘይ ጐነጽ የሰንፎ ኣሎ ማለት እዩ።

     ምናዳ ብኢንተርነት ይድንደን እንተ ኣልዩ፡ ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ምሓዙ ኣገዳሲ እዩ። ብኢንተርነት ናይ ቍጥዓ መልእኽቲ ምልውዋጥ ነቲ ደንዳኒ ኸም ዚቕጽል ጥራይ እዩ ዚገብሮ፣ ውሉድካ ንባዕሉ እውን ደንዳኒ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኪኽሰስ ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ምላሽ ዘይምሃብ ይሓይሽ። እዚ ስልቲ እዚ ነቲ ደንዳኒ ዕጥቁ ኼፍትሖ፡ ንውሉድካ እውን ነቲ ዅነታት ከም ዚቈጻጸሮ ኺገብሮ እዩ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ።”—ምሳሌ 26:20

  •   ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ውሉድካ ኺድንድንዎ ኻብ ዚኽእሉ ሰባት ወይ ኪድንደነሉ ኻብ ዚኽእል ቦታታት ኪርሕቕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ገሊኦም ሰባት ዜዘውትርዎ ቦታ ሓዲጉ ብኻልእ መገዲ ብምኻድ ካብ ሽግር ኬምልጥ ይኽእል እዩ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ።”—ምሳሌ 22:3

ንመምህር ውሉድካ ወይ ንወለዲ እቲ ሓደ ቘልዓ ኸተዛራርብ የድልየካ ይኸውን

 ነዚ ፈትኖ፦ ንውሉድካ፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ኣማራጺታት እንታይ ጥቕምን ጕድኣትን ከም ዘለዎ ኺሓስብ ሓግዞ። ንኣብነት፦

  •  ነቲ ደንዳኒ ዕሽሽ እንተ ኢልዎ፡ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

  •  ነቲ ደንዳኒ ብምትእምማን ‘ሕደግ’ እንተ ኢልዎ፡ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

  •  ብዛዕባ እቲ ድንደና ንመምህር እንተ ነጊሩ፡ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

  •  ምቕሉል ወይ ተዋዛያይ ብምዃን ነቲ ደንዳኒ “ዕጥቁ ኼፍትሖ” ይኽእልዶ፧

 እቲ ድንደና ብኣካል ይኹን ወይስ ብኢንተርነት፡ ኵሉ ድንደና ነናቱ ፍሉይነት ኣለዎ። ስለዚ፡ ግብራዊ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ውሉድካ ሓቢርካ ዕየ። ኣብ ኵሉ እቲ ጭንቁ ኸም እትድግፎ ኣረጋግጸሉ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንውሉድ ከም ወዲ ተባዕታይ ጥራይ ጌርካ እኳ እንተ ተገልጸ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ግና ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እውን ይዓዪ እዩ።