ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ቈልዑን ሞባይልን—2ይ ክፋል፦ ንቘልዑ ግቡእ ኣጠቓቕማ ሞባይል ብኸመይ ከም እትምህሮም

ቈልዑን ሞባይልን—2ይ ክፋል፦ ንቘልዑ ግቡእ ኣጠቓቕማ ሞባይል ብኸመይ ከም እትምህሮም

 ሞባይል ምስ ሓደ በሊሕ ካራ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። እቲ እንጥቀመሉ መገዲ ኺጠቕመና ወይ ኪጐድኣና ይኽእል እዩ። ደቅኻ ነዚ ሓያል ንዋት ብግቡእ ምእንቲ ኺጥቀምሉ፡ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ንኣብነት፡ ኣብ ሞባይሎም ኣብ መዓልቲ ኽንደይ ሰዓት ኬሕልፉ ኢኻ እትፈቕደሎም፧ a

 ክትፈልጦ ዘሎካ

  •   ሞባይል ንተጠቃሚ ንሓደጋ ኼቃልዖ ይኽእል። “ቈልዑን ሞባይልን— 1ይ ክፋል፦ ውሉደይ ሞባይል ኪውንን ክፈቕደሉዶ፧” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ሞባይልካ ንዅሉ እቲ ብኢንተርነት ዚመሓላለፍ ሕማቕ ኰነ ጽቡቕ ነገራት፡ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

     “ሞባይል ንደቅና ናብ ኵሎም ዓይነት ሕሱማት ሰባትን ኣተሓሳስባን ኬቃልዖም ከም ዚኽእል ብቐሊሉ ንዝንግዕ ኢና።”—ብረንዳ።

  •   ቈልዑ መምርሒ የድልዮም። ተክኖሎጂ ንመብዛሕትኦም መንእሰያት ቀሊል እዩ፣ ንዓበይቲ ሰባት ግና ይሕድሶም እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ዋላ እኳ ዓበይቲ ብዛዕባ ተክኖሎጂ ዘለዎም ኣፍልጦ ድሩት እንተ ዀነ፡ ቈልዑ ሞባይል መዓስን ብኸመይን ኪጥቀሙ ኸም ዘለዎም ኣብ ምውሳን፡ ካብ ወለዶም ዚሓሹ እዮም ማለት ኣይኰነን።

     ልክዕ እዩ፡ ደቅኻ ኣብ ኣጠቓቕማ ሞባይል ካባኻ ንላዕሊ ኽኢላታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ክኢላታት እዮም ኪብሃል ከሎ ግና፡ ብሱላት እዮም ማለት ከም ዘይኰነ ኣይትዘንግዕ። እቶም ብተክኖሎጂ በላሕቲ ዚዀኑ ቘልዑ እውን ከይተረፈ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሞባይል ዚምልከት መመርሒ ወላዲ የድልዮም እዩ።

     “ንውሉድካ፡ ኣጠቓቕማኡ ኸይምሃርካ ሞባይል ምሃብ ማለት፡ ልክዕ ከምቲ ምዝዋር ማኪና ኸይምሃርካ፡ ‘ተጠንቂቕካ ዘውር’ ኢልካ፡ መፍትሕ ማኪና ምሃብ ማለት እዩ።”—ሰት።

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ኣብ ሞባይል ውሉድካ ዘሎ ትሕዝቶ ፍለጦ። ውሉድካ ንሞባይሉ ብሓላፍነታዊ መገዲ ኺጥቀመሉ ምእንቲ ኽትሕግዞ፡ ምስ ኣጠቓቕማ ሞባይል ጽቡቕ ጌርካ ተላለ። ንኣብነት፦

     ወለዲ ንኣጠቓቕማ ሞባይል ደረት ምእንቲ ኺገብሩሉ፡ ኪሕግዞም ዚኽእል እንታይ መቈጻጸሪ ኣሎ፧

     ኣብ ሞባይል ንዘይግቡእ ትሕዝቶ ንምክልኻል ተባሂሉ ዚግበር መቈጻጸሪ፡ ውሕስነት ከም ዘይብሉ ትፈልጥዶ፧

     ብዛዕባ ሞባይል ውሉድካ ጽቡቕ ፍልጠት እንተ ኣልዩካ፡ ንሞባይሉ ብሓላፍነታዊ መገዲ ኺጥቀመሉ ኽትሕግዞ ኢኻ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብ ድማ ብፍልጠት ሓይሉ ይውስኽ።”—ምሳሌ 24:5

  •   ደረት ግበረሉ። እትፈቕደሉን ዘይትፈቕደሉን ነገራት እንታይ ምዃኑ ወስን። ንኣብነት፦

     ንውሉድካ ኣብ እዋን ድራር ወይ ከኣ ምስ ስድራ ቤት ወይ ምስ ፈተውቲ ኼተዕልሉ ኸለኹም፡ ሞባይሉ ኺጥቀም ትፈቕደሉ ዲኻ፧

     ውሉዳትካ ኣብ መደቀሲኦም ሞባይሎም ሒዞም ኪሓድሩ ትፈቕደሎም ዲኻ፧

     እንታይ ዓይነት ኣፕሊኬሽናት ኪጥቀሙ ኢኻ እትፈቕደሎም፧

     ኣብ ሞባይሎም ክንደይ ሰዓት ኬሕልፉ ኢኻ እትፈቕደሎም፧

     ኣብ መዓልታዊ ኣጠቓቕማኦም፡ ናይ ግዜ ገደብ ክትገብረሎም ዲኻ፧

     ንእተውጽኣሎም ስርዓታት ንጹር ግበሮ። ነቲ ዘውጻእኻሎም ስርዓታት ምስ ዚጥሕሱ፡ እትህቦም ግቡእ ተግሳጽ ኣቐዲምካ መድብ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንመንእሰይ ካብ ምግሳጽ ድሕር ኣይትበል።”—ምሳሌ 23:13፡ እግረ ጽሑፍ።

  •   ተኸታተል። ፓስዎርድ ሞባይል ውሉዳትካ ፍለጥ። ብእተኻእለ መጠን ንትሕዝቶ ሞባይል ውሉዳትካ፡ እንተላይ ነቲ ብቴክስት ዚልኣኣኽዎ መልእኽትታት፡ ኣፕሊኬሽናት፡ ስእልታት፡ ዚኸፍትዎ ወብሳይታት ርኣይዎ።

     “ንጓልና በብእዋኑ፡ ሃንደበት ሞባይላ ኸም እንፍትሾ ኣቐዲምና ኣፍሊጥናያ ኔርና። ብዘይግቡእ እንተ ደኣ ተጠቒማ፡ ነቲ ሞባይል ናይ ምጥቃም መሰላ ኸም እነሕድጋ ነጊርናያ ኢና።”—ሎሬን።

     ከም ወላዲ መጠን፡ ውሉድካ ሞባይል ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ንምፍላጥ፡ ምሉእ ሓላፍነት ኣሎካ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ቈልዓ እኳ ጠባዩ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ዀይኑ፡ ብተግባራቱ ይፍለጥ እዩ።”—ምሳሌ 20:11

  •   ስርዓታት ምሃሮም። ንውሉድካ ቕኑዕ ዘበለ ኺገብር ሓግዞ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ብቕንዕና ኺመላለስ ዝቘረጸ ቘልዓ፡ ካብቲ ወለዱ ንምቍጽጻር ዚገብረሉ ምክትታል ይጥቀም እዩ። b

     ውሉድካ፡ ከም ቅንዕናን ርእሰ ግትኣትን ሓላፍነት ምስካምን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ኬማዕብል ኣሰልጥኖ። ሓደ እዱብ ቈልዓ ንሞባይሉ ብግቡእ ከም ዚጥቀመሉ ፍሉጥ እዩ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ ብሱላት [እዮም።]”—እብራውያን 5:14

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እታ “ሞባይል” እትብል ቃል ምስ ኢንተርነት ኪራኸብ ዚኽእል ስልኪ ተመልክት። ንእሽቶ ኮምፒዩተር እውን ክትብሃል ትኽእል እያ።

b ንኣብነት፡ ገሊኦም መንእሰያት ወለዶም ኪርእይዎ ዘይደልይዎም ነገራት ንምስዋር “ጎስት ኣፕ” ዚብሃል ኣፕሊኬሽን ይጥቀሙ እዮም። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ፡ ልክዕ ከም ካልኩሌተር ዝኣመስለ ነገራት፡ ጕድኣት ዘይብሉ እዩ ዚመስል።