ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንውሉድካ ብዛዕባ እቲ ብሞባይል ዚለኣኽ ብዕሉግ ነገራት ብኸመይ ከም እተዘራርቦ

ንውሉድካ ብዛዕባ እቲ ብሞባይል ዚለኣኽ ብዕሉግ ነገራት ብኸመይ ከም እተዘራርቦ

ጸገም

ብሞባይል ብዕሉግ ነገራት ምልኣኽ፡ ኣብ መንእሰያት ልሙድ ኰይኑ ኸም ዘሎ ምስ ሰማዕካ፡ ‘ውሉደይከ ኸምኡ ይገብር ደዀን ይኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ምስ ውሉድካ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኽትዘራረቡ ኣሎኩም፣ ብኸመይ፧ ኣቐዲምና፡ ገሊኦም መንእሰያት ብሞባይሎም ገይሮም ብዕሉግ ነገራት ዚለኣኣኹሉ ምኽንያትን እዚ ንዓኻ ኼተሓሳስበካ ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑን ንርአ። a

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

  • ገሊኦም መንእሰያት፡ ምስ ሓደ ዚፈትውዎ ሰብ ንኺኳሸሙ ኢሎም፡ ምስ ጾታዊ ነገራት ዚተሓሓዝ ንጹር መልእኽትታት ይልእኩ።

  • ሓንቲ ጓል፡ ብሰንኪ ጸቕጢ ሓደ ወዲ፡ ጥራሕ ነብሳ ኸላ ዜርኢ ስእሊ ትልእኽ ትኸውን።

  • ሓደ ወዲ፡ ንኣዕሩኹ ንምዝንጋዕ ወይ ከኣ ምስ ሓንቲ ጓል ምስ ተፈላለዩ ሕነ ንምፍዳይ፡ ጥራሕ ነብሳ ኸላ ዜርኢ ስእሊ ንብዙሓት ሰባት ይልእኽ ይኸውን።

እቲ ጕዳይ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሓደ ሞባይል ዘለዎ መንእሰይ፡ ኣብ ብዙሕ ጸገም ኪወድቕ ይኽእል እዩ። እታ ሳይበርሰይፍ እትብሃል መጽሓፍ፡ “ኣብ ሞባይልካ ሓንቲ ነገር ብምጽቃጥ ጥራይ፡ ህይወትካ ንዘለኣለም ኪልወጥ ይኽእል እዩ” በለት።

ብዙሓት ሰባት፡ ሓንቲ ስእሊ ኣብ ኢንተርነት እንተ ኣትያ፡ ለኣኺኣ ነታ ስእሊ ኺቈጻጸሮ ኸም ዘይክእል ኣይግንዘቡን እዮም። ፈደራላዊ መርመራ ኣመሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ.) ዘውጸኦ መግለጺ ኸም ዝሓበሮ፡ ሓደ እዋን ሓንቲ ጓል 18 ዓመት ጐርዞ፡ “ብሞባይላ ገይራ ንዓርካ ዝለኣኸትሉ ጥራሕ ነብሳ ኸላ ዜርኢ ስእሊ፡ ብኣማእታት ንዚቝጸሩ መንእሰያት መማህርታ እውን ምስ ተላእከ፡ ርእሰ ቕትለት ፈጸመት። እቶም ነታ ስእሊ ዜመሓላልፍዋ ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ነታ ጓል ኣሸጊሮምዋ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።”

ብሞባይል ዚለኣኽ ብዕሉግ ነገራት፡ ሕጋዊ ጕዳያት እውን የበግስ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ መንእሰያት፡ ንመዛኑኦም ምስ ጾታዊ ነገራት ዚተሓሓዝ ንጹር ስእልታት ስለ ዝለኣኹሎም፡ ብስእለ ጽዩፍ ቈልዑ ተኸሲሶም እዮም፣ ከም ፈጸምቲ ጾታዊ ገበን ድማ ተመዝጊቦም እዮም። ስምካ ኣብቲ ውሉድካ ሞባይል ኪዕድግ ከሎ ዝገበሮ ውዕል እንተ ኣልዩ፡ ወይ ንውሉድካ ብሞባይሉ ብዕሉግ ነገራት ንኸይልእኽ እንተ ዘይከልኪልካዮ፡ ከም ወላዲኡ መጠን ተሓታቲ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንጹር ስርዓታት ኣውጽእ። ነቲ ውሉድካ ንሞባይሉ ዚጥቀመሉ መገዲ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ እኳ እንተ ዘይከኣልካ፡ ነቲ ዘውጻእካዮ ስርዓታትን ንሳዕቤናቱን ከም ዚፈልጦ ግና ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ከም ወላዲ መጠን፡ ንሞባይል ውሉድካ ናይ ምቍጽጻር መሰል ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤፌሶን 6:1

ንውሉድካ ብዛዕባ እቲ ጸገም ንኺሓስብ ሓግዞ። ከምዚ ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ፦ “ብሞባይል ብዛዕባ ዚለኣኽ ብዕሉግ ነገራት፡ እተፈላለየ ርእይቶ እዩ ዘሎ። ንዓኻኸ እንታይ ይመስለካ፧” “እንታይ ዓይነት ስእልታት እዩ ኸም ዘይግቡእ ጌርካ ዚቝጸር፧” “ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ዝዀነ መንእሰይ፡ ጥራሕ ነብሱ ናይ ዘሎ ትሕቲ ዕድመ ዝዀነ መንእሰይ ዜርኢ ስእሊ እንተ ልኢኹ፡ ብሕጊ ኸም ገበን እዩ ዚቝጸር። እዝስ ክሳዕ ክንድቲ ሕማቕዶ ይመስለካ፧” “ብሞባይል ዚለኣኽ ብዕሉግ ነገራት፡ ብስነ ምግባር ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧” ንሓሳባት ውሉድካ ጽን ኢልካ ስምዓዮ፣ ብሞባይል ዚለኣኽ ነገራት ብዛዕባ ዜምጽኦ መዘዝ ንኺሓስብ ከኣ ሓግዞ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ እብራውያን 5:14

ብሞባይል ዚለኣኽ ነገራት ብዛዕባ ዜምጽኦ መዘዝ ሕሰብ

ብምሳሌ ኣረድኣዮ። ንጓልካ ኸምዚ ኽትብላ ትኽእል ኢኻ፦ “ሓደ ወዲ ንሓንቲ ጓል፡ ብሞባይላ ገይራ ብዕሉግ ነገራት ክትልእኸሉ ኣገዲድዋ ንበል። እንታይ እያ ኽትገብር ዘለዋ፧ ምስኡ ዘለዋ ርክብ ምእንቲ ኸይቋረጽ፡ ከምቲ ዝበላ ድያ ኽትገብር ዘለዋ፧ ክትኣብዮ ግናኸ ምስኡ ኽትኳሸም ድዩ ዘለዋ፧ ነቲ ርክቦም ከተቋርጾ ድዩ ዘለዋ፧ ወይስ ንዓብዪ ሰብ እያ ኽትነግር ዘለዋ፧” ንጓልካ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንኽትሓስብ ሓግዛ። ንወድኻ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኸተረድኦ ትኽእል ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ገላትያ 6:7

ጽቡቕ ስም ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ንኺሓስብ ሓግዞ። ከምዚ ኢልካ ሕተቶ፦ ‘ጽቡቕ ስም ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜገድሰካ፧ ብምንታይ ዓይነት ጠባይ ኢኻ ኽትፍለጥ እትደሊ፧ ናብ ካልእ ሰብ ዘይግቡእ ስእሊ ብምልኣኽ እንተ ኣሕፊርካዮ፡ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ቅኑዕ ንምግባር ኣብ መትከልካ እንተ ትጸንዕከ እንታይ ዚስምዓካ ይመስለካ፧’ ንውሉድካ፡ ‘ሰናይ ሕልና ንኺህልዎ’ ሓግዞ።—1 ጴጥሮስ 3:16

ኣብነት ኩን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኻዊት ጥበብ፡ ንጽህትን ዘይግብዝትን ምዃና ይገልጽ እዩ። (ያእቆብ 3:17) እቲ እትስዕቦ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ነዚ ዜንጸባርቕ ድዩ፧ እታ ሳይበርሰይፍ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ንሕና ንባዕልና ነቲ ኸም ጽዩፍ ወይ ዘይሕጋዊ ጌርካ ዚቝጸር ስእልታትን ወብ ሳይታትን ብዘይምርኣይ፡ ሰናይ ኣብነት ክንከውን ኣሎና” በለት።

a ብሞባይል ዚለኣኽ ብዕሉግ ነገራት፡ ምስ ጾታዊ ነገራት ዚተሓሓዝ ንጹር መልእኽትታት፡ ስእልታት፡ ወይ ቪድዮታት የጠቓልል። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ኣቲኻ፡ ነታ፡ “Young People Ask—What Should I Know About Sexting?” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።—ብእንግሊዝኛ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > TEENAGERS ርአ።