ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ የሱስ ብዛዕባ “ዀራኹር” ዝሃቦ ምሳሌ፡ ዜዋርድ ድዩ ነይሩ፧

ሓንቲ ቘልዓን ሓደ ዅርኩርን፣ ናይ ግሪኽ ወይ ሮሜ ንእሽቶ ሓወልቲ (ካብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. ክሳዕ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.)

የሱስ ዶባት እስራኤል ሓሊፉ፡ ኣብታ ኣውራጃ ሮሜ ዝዀነት ሶርያ ኣብ ዝነበረሉ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ግሪኻዊት ሰበይቲ ሓገዝ ደልያ ናብኡ መጸት። እቲ የሱስ ዝሃባ ምላሽ፡ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሰባት ምስ “ኰራኹር” ዜነጻጽር ምሳሌ እዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ኣኽላባት ከም ርኹሳት እንስሳታት እዮም ዚቝጸሩ ነይሮም። (ዘሌዋውያን 11:27) እሞ ደኣ፡ የሱስ ነዛ ግሪኻዊት ሰበይትን ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኻልኦት ሰባትን የዋርዶም ድዩ ነይሩ፧

ኣይፋሉን። የሱስ ኣብቲ ግዜ ቀዳምነት ዚህቦ ንኣይሁድ ምሕጋዝ ከም ዝዀነ እዩ ዜጕልሕ ነይሩ። ስለዚ፡ ነታ ግሪኻዊት ሰበይቲ፡ “እንጌራ ውሉዳት ኣልዒልካ ንዀራኹር ምድርባይ ግቡእ ኣይኰነን” ብምባል ነቲ ነጥቢ ብምሳሌ ገለጾ። (ማቴዎስ 15:21-26፣ ማርቆስ 7:26) ኣብ ግሪኻውያንን ሮማውያንን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸልቢ ኣብ ቤት ዋናኡ ዚነብርን ምስ ውሉዳት ዚጻወትን ፍቱው እንስሳ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እታ “ዀራኹር” እትብል መግለጺ ኣብ ኣእምሮ ሓደ ሰብ ጽቡቕን ተፈታውን ስእሊ ተምጽእ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እታ ግሪኻዊት ሰበይቲ ነቲ የሱስ ዝበሎ ድሕሪ ምስማዓ፡ “እወ ጐይታይ፡ ኰራኹር እውን ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰት። የሱስ ንእምነት እታ ሰበይቲ ነኣዳ፣ ንጓላ ድማ ኣሕወየላ።—ማቴዎስ 15:27, 28

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዝሓሰብዎ ጕዕዞ ባሕሪ ናብ ካልእ እዋን ኪመሓላለፍ ምምሕጻኑ ጽቡቕ ምኽሪ ድዩ ነይሩ፧

ቅርጺ ዓባይ መርከብ ጽዕነት (ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.)

እታ ንሃዋርያ ጳውሎስ ጽዒና ናብ ኢጣልያ እትኸይድ ዝነበረት መርከብ ምስቲ ኣንጻሮም ዝነበረ ንፋስ ትቃለስ ነበረት። ኬዕርፉ ደው ምስ በሉ ኸኣ፡ ጳውሎስ ዝተረፈ ጕዕዞ ናብ ካልእ እዋን ኪመሓላለፍ መኸረ። (ግብሪ ሃዋርያት 27:9-12) ነዚ ምኽሪ እዚ መሰረት ዚኸውን ነገር ግና ነይሩ ድዩ፧

ጥንቲ ዝነበሩ ባሕረኛታት፡ ክረምቲ ኣብ ዚዀነሉ ኣዋርሕ ብመዲተራነያን ምጕዓዝ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ካብ መፋርቕ ሕዳር ክሳዕ መፋርቕ መጋቢት፡ ጕዕዞ ዘይግበረሉ እዋን ጌርካ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። እቲ ጳውሎስ እተዛረበሉ ጕዕዞ ግና ኣብ መስከረም ወይ ጥቅምቲ ኣቢሉ ዚግበር እዩ ነይሩ። ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ቨገቲዩስ ዝስሙ ሮማዊ ጸሓፊ፡ ኣብታ ኢፒቶመ ኦቭ ሚሊታሪ ሳይንስ ዘርእስታ መጽሓፉ ብዛዕባ ጕዕዞ ባሕሪ ኺገልጽ ከሎ፡ “ገሊኡ ኣዋርሕ ኣዝዩ ምሹእ እዩ፣ ገሊኡ ኸኣ ዘየተኣማምን እዩ፣ እቲ ዝተረፈ ግና ጽንኩር እዩ” በለ። ብዘይካዚ፡ ጕዕዞ ባሕሪ ኻብ 27 ግንቦት ክሳዕ 14 መስከረም ዜተኣማምን ከም ዝዀነ፡ ካብ 15 መስከረም ክሳዕ 11 ሕዳር ኰነ ኻብ 11 መጋቢት ክሳዕ 26 ግንቦት ኣብ ዘሎ እዋን ግና ዘየተኣማምን ወይ ሓደገኛ ምዃኑ ገለጸ። ጳውሎስ ከም ምኩር ተጓዓዛይ መጠን ብዛዕባ እዚ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ መራሕ መርከብን እቲ ዋና መርከብን እውን ብዛዕባ እዚ ይፈልጡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ግናኸ ንምኽሪ ጳውሎስ ዕሽሽ በልዎ። ኣብቲ ጕዕዞ ኸኣ እታ መርከብ ተሰብረት።—ግብሪ ሃዋርያት 27:13-44