ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

4ይ ክፋል

ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን

ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን

“ውጥናት ብምኽሪ ይሰልጥ።”—ምሳሌ 20:18

ኵላትና ንስድራ ቤትና ዜድልዮም ዘበለ ምእንቲ ኸነማልኣሎም፡ ገንዘብ የድልየና እዩ። (ምሳሌ 30:8) ከመይሲ፡ ‘ገንዘብ ዕቝባ ይኸውን እዩ።’ (መክብብ 7:12) ከም ሰብ ሓዳር መጠን ብዛዕባ ገንዘብ ምዝርራብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ጕዳይ ገንዘብ ኣብ ሓዳርኩም ጸገማት ኬምጽእ ኣይትፍቀዱሉ። (ኤፌሶን 4:32) ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ኪውስኑ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም ኪተኣማመኑን ሓቢሮም ኪዓይዩን ኣለዎም።

1 ተጠንቂቕካ መደብ ኣውጽእ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧” (ሉቃስ 14:28) ንኣጠቓቕማ ገንዘብ ብዚምልከት፡ ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ኴንኩም መደብ ከተውጽኡ ኣገዳሲ እዩ። (ኣሞጽ 3:3) እንታይ ክትዕድጉ ኸም ዜድልየኩምን ክንደይ ከተውጽኡ ኸም እትኽእሉን ወስኑ። (ምሳሌ 31:16) ገለ ነገር ንምዕዳግ ዚኣክል ገንዘብ ስለ ዘሎኩም ጥራይ ኣይትዓድጉ። ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ከይትኣትዉ ተጠንቀቑ። ዓቕምኹም ርኢኹም ገንዘብ ኣውጽኡ።—ምሳሌ 21:5፣ 22:7

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ኣብ መወዳእታ ወርሒ፡ ገንዘብ እንተ ተሪፉኩም፡ እንታይ ከም እትገብርዎ ብሓባር ኴንኩም ወስኑ

  • ገንዘብ እንተ ሓጺሩኩም፡ ወጻኢታትኩም ክትንክዩ ዜኽእለኩም ንጹር መደብ ግበሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ምግቢ ኣብ ክንዲ እትበልዑ፡ ኣብ ቤትኩም ክትክሽኑ ትኽእሉ ኢኹም

2 ብግህዶ ተዛራረብ፡ ዓቕምኻ ድማ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ብቕንዕና ንሓሊ ኣለና።” (2 ቈረንቶስ 8:21) ስለዚ፡ ምስ መጻምድትኻ ብዛዕባ ኣታዊኻን ወጻኢኻን ብቕንዕና ተዛራረብ።

ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ዓበይቲ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ወትሩ ንመጻምድትኻ ኣማኽሮ። (ምሳሌ 13:10) እሂን ምሂን ትባሃሃሉ እንተ ዄንኩም፡ ሰላም ዘለዎ ሓዳር ኪህልወኩም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኣታዊኻ ኸም ናይ ውልቅኻ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ስድራ ቤት ገንዘብ ጌርካ ርኣዮ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንሓድሕድኩም ከይተመያየጥኩም፡ በብውልቅኹም ከተውጽእዎ ብዛዕባ እትኽእሉ መጠን ገንዘብ ተሰማምዑ

  • ብዛዕባ ገንዘብ ንምዝርራብ፡ ጸገም ክሳዕ ዚልዓል ኣይትጽናሕ