ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1ይ ክፋል

ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ

ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ

“እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠሮም፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮምዶ ኣየንበብኩምን፧”—ማቴዎስ 19:4

ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዘመራዓዎም፡ የሆዋ a ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ፈጢሩ ‘ናብቲ ሰብኣይ ከም ዘምጽኣ’ ይነግረና እዩ። ኣዳም በዚ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ “እዚኣስ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ” በለ። (ዘፍጥረት 2:22, 23) የሆዋ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሰብ ሓዳር ሕጉሳት ኪዀኑ እዩ ዚደሊ።

ክትምርዖ ኸለኻ፡ ኵሉ ነገር ጽቡቕ ዚኸውን ይመስለካ ነይሩ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣዝዮም ዚፋቐሩ ሰብኣይን ሰበይትን እውን እንተ ዀነ፡ ገለ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:28) ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ፡ እንተ ተግቢርካዮ ብሓዳርካን ብስድራ ቤትካን ከም እትሕጐስ ኪገብረካ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ኢኻ።—መዝሙር 19:8-11

1 ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ግደ ተቐበሎ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ሰብኣይ ርእሲ ስድራ ቤት እዩ።—ኤፌሶን 5:23

ሰብኣይ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ንሰበይትኻ ብለውሃት ክትከናኸና ይደሊ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) መመላእታ ኽትኰነካ ኢሉ ስለ ዝፈጠራ፡ ብኣኽብሮትን ብፍቕርን ክትሕዛ እዩ ዚደልየካ። (ዘፍጥረት 2:18) ንሰበይትኻ ኣዚኻ ኸተፍቅራን ካብ ንጥቕምኻ ንላዕሊ ንጥቕማ ኸተቐድምን ኣሎካ።—ኤፌሶን 5:25-29

ሰበይቲ እንተ ዄንኪ፡ የሆዋ ንሰብኣይኪ ብዙሕ ከተኽብርዮን ግዲኡ ምእንቲ ኺፍጽም ክትሕግዝዮን ይደሊ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 5:33) ንዚገብሮ ውሳነታት ደግፍዮ፡ ብምሉእ ልብኺ ድማ ምስኡ ተሓባበሪ። (ቈሎሴ 3:18) ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ቅድሚ የሆዋን ምልክዕቲ ኽትኰኒ ኢኺ።—1 ጴጥሮስ 3:1-6

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንመጻምድትኻ፡ ብኸመይ ዝሓሸ መጻምድቲ ኽትከውን ከም እትኽእል ሕተቶ። ጽን ኢልካ ስማዕ፡ ከተመሓይሽ ድማ ጽዓር

  • ብኸመይ ከም እትተሓጓጐሱ ኽትፈልጡ ግዜ ስለ ዜድልየኩም፡ ዕጉስ ኩን

2 ብዛዕባ ስምዒት መጻምድትኻ ሕለ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ንጥቕሚ መጻምድትኻ ኽትጥምት ኣሎካ። (ፊልጲ 2:3, 4) የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ “ንዅሉ ልኡም” ኪዀኑ ስለ ዚደልዮም ፡ ንመጻምድትኻ ኣኽቢርካ ርኣዮ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24) “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ።” ስለዚ፡ ንቓላትካ ተጠንቂቕካ ምረጾ። (ምሳሌ 12:18) መንፈስ የሆዋ፡ ብለውሃትን ብፍቕርን ምእንቲ ኽትዛረብ ኪሕግዘካ እዩ።—ገላትያ 5:22, 23፣ ቈሎሴ 4:6

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ብዛዕባ ሓደ ረዚን ጕዳይ ምስ መጻምድትኻ ቕድሚ ምዝርራብካ፡ ህድእ ክትብልን ብኽፉት ኣእምሮ ኽትሰምዕን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ

  • እንታይ ከም እትዛረብን ብኸመይ ከም እትዛረብን ተጠንቂቕካ ሕሰብ

3 ምስ መጻምድትኻ፡ ስኒት ይሃሉኻ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ክትምርዖ ኸለኻ፡ ምስ መጻምድትኻ “ሓደ ስጋ” ዄንኩም ኢኹም። (ማቴዎስ 19:5) ይኹን እምበር፡ እተፈላለየ ርእይቶ ዘሎኩም ክልተ ሰባት ኢኹም። ስለዚ፡ ብሓሳብን ብስምዒትን ስኒት ኪህልወኩም ኣለዎ። (ፊልጲ 2:2) ስኒት፡ ውሳነ ንምግባር ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውጥናት ብምኽሪ ይሰልጥ” ይብል። (ምሳሌ 20:18) ምስ መጻምድትኻ ሓቢርኩም ውሳነ ኽትገብሩ ኸለኹም፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርሑ።—ምሳሌ 8:32, 33

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንመጻምድትኻ ሓበሬታ ወይ ርእይቶ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምዒትካ እውን ኣካፍሎ

  • ቃል ቅድሚ ምእታውካ፡ ንመጻምድትኻ ኣማኽሮ

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።