ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

5ይ ክፋል

ምስ ኣዝማድካ ብኸመይ ብሰላም ከም እትነብር

ምስ ኣዝማድካ ብኸመይ ብሰላም ከም እትነብር

“ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ።”—ቈሎሴ 3:12

ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳር ኪገብሩ ኸለዉ፡ ሓዳስ ስድራ ቤት እዮም ዜቝሙ። ንወለድኻ ወትሩ ተፍቅሮምን ተኽብሮምን እኳ እንተ ዀንካ፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰካ ግና መጻምድትኻ እዩ። ወለድኻን እንዳ ኣሕሙኻን፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣይወሓጠሎምን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነታ ሓዳስ ስድራ ቤትካ ኽትሃንጻ ኣብ እትጽዕረሉ እዋን፡ ምስ ወለድኻን እንዳ ኣሕሙኻን ብሰላም ምእንቲ ኽትነብር፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሚዛንካ ኽትሕሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

1 ብዛዕባ ኣዝማድካ ግቡእ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።” (ኤፌሶን 6:2) ዕድሜኻ ብዘየገድስ፡ ንወለድኻ ወትሩ ኸተኽብሮም ኣሎካ። መጻምድትኻ እውን ንወለዱ ኣትኵሮ ኺገብረሎም ከም ዘለዎ ኣይትረስዕ። “ፍቕሪ ኣይትቐንእን” እያ፣ ስለዚ፡ በቲ መጻምድትኻ ምስ ወለዱ ዘለዎ ርክብ ኣይትስጋእ።—1 ቈረንቶስ 13:4፣ ገላትያ 5:26

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • “ስድራ ቤትኪ ዅሉ ሳዕ እዮም ዚነቕፉኒ” ወይ ከኣ “ኣዴኻ ንዝዀነ ይኹን ኣነ ዝገብሮ ነገር ፈጺማ ኣይትፈትዎን እያ” ኢልካ ብሓፈሻኡ ኣይትዛረብ

  • ንነገራት ብዓይኒ መጻምድትኻ ኽትርእዮ ፈትን

2 ኬድሊ ኸሎ፡ ጽኑዕ ኩን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።” (ዘፍጥረት 2:24) ሓዳር እኳ እንተ ገበርካ፡ ወለድኻ ግና ገና ንዓኻ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ዘለዎም ኰይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ኣብ ሓዳርካ ጣልቃ ኺኣትዉ ይደልዩ ይዀኑ።

ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ እቲ ንወለድኹምን ንእንዳ ኣሕሙኹምን እትገብሩሎም ደረትን ብኸመይ ብፍቕራዊ መገዲ ኸም እትነግርዎምን ክትሰማምዑ ኣሎኩም። ስነ ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ጌርኩም፡ ብንጹርን ብቐጥታን ንገርዎም። (ምሳሌ 15:1) ትሕትናን ልእመትን ዓቕልን፡ ምስ ወለድኹምን ምስ እንዳ ኣሕሙኹምን ጽቡቕ ርክብ ክትምስርቱን ንሓድሕድኩም ‘ብፍቕሪ ኽትተዓጋገሱን’ ኪሕግዛኹም ይኽእላ እየን።—ኤፌሶን 4:2

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • እቲ ኣዝማድካ ኣብ ሓዳርካ ጣልቃ ዚኣትዉሉ መገዲ እንተ ኣተሓሳሲቡካ፡ ኵነታት ህድእ ምስ በለ ምስ መጻምድትኻ ተመያየጠሉ

  • ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም እትሕዞ፡ ምስ መጻምድትኻ ተሰማምዑሉ