2 ቈረንቶስ 8:1-24

  • ውጽኢት ንኣይሁድ ክርስትያናት (1-15)

  • ቲቶስ ናብ ቈረንቶስ ተላእከ (16-24)

8  ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉባኤታት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ክትፈልጡ ንደሊ ኣለና።+  ብጸበባ ብዙሕ ኣብ እተፈተኑሉ እዋን፡ እቲ ብዙሕ ሓጐሶምን እቲ ሕሉፍ ድኽነቶምን ንሃብቲ ልግሶም ኣዕዚዝዎ እዩ።*  ከመይሲ፡ ከም ዓቕሞም፡+ አረ ሓለፋ ዓቕሞም እውን+  ምእንቲ ኺልግሱን ኣብቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ኣገልግሎት ረድኤት ምእንቲ ኺካፈሉን፡ ብተበግሶኦም ብዙሕ ከም ዝለመኑና እምስክረሎም እየ።+  ቅድም ንጐይታ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዓና ብፍቓድ ኣምላኽ ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን።  ስለዚ ኸኣ፡ ንቲቶስ፡+ ከምቲ ነዚ ዕዮ እዚ ኣባኻትኩም ዝጀመሮ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ልግስኹም ኪፍጽሞ ኣተባቢዕናዮ ኢና።  ግናኸ፡ ከምቲ ብዅሉ፡ ማለት ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን በታ ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕርን ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ልግሲ እዚ እውን ዕዙዛት ኩኑ።+  ጸዓት ካልኦት ከፍልጠኩምን ሓቅነት ፍቕርኹም ክዕዘብን እየ እምበር፡ ክእዝዘኩም ኣይኰንኩን እዚ ዝብለኩም ዘለኹ።  ምኽንያቱ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ሃብታም ክነሱስ፡ ንስኻትኩም ብድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ምእንታኹም ደኽዩ እዩ።+ 10  ብዛዕባ እዚ፡ ርእይቶይ ክህበኩም፦+ ዓሚ ነቲ ተግባር እቲ ጀሚርኩምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምግባሩ ድሌት ከም ዘሎኩም ስለ ዘርኣኹም፡ እዚ ንጥቕምኹም እዩ። 11  ሕጂ ኸኣ ነቲ ንምግባሩ ዘሎኩም ድሉውነት ከም ዓቕምኹም ምእንቲ ኽትፍጽምዎ፡ ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ። 12  ቅድም ድሉውነት እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ኣዝዩ ቕቡል እዩ እምበር፡+ ብዘይብሉ ኣይኰነን። 13  ንኻልኦት ከቕልለሎም፡ ንዓኻትኩም ከኣ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኰንኩን፣ 14  የግዳስ፡ ብምምዕርራይ ሕጂ ዘሎ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ምእንቲ ኺምልእ፡ ተረፎም እውን ነቲ ጐደሎኹም ምእንቲ ኺምልእ እሞ፡ ምምዕርራይ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ እየ። 15  ከምቲ፡ “እቲ ብዓል ብዙሕ ኣይተረፎ፡ እቲ ብዓል ሒደት እውን ኣይጐደሎ” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ።+ 16  ኣምላኽ ኣብ ልቢ ቲቶስ+ ከምዛ ንዓኻትኩም ዘላትና ብዙሕ ሓልዮት ስለ ዘሕደረ፡ ምስጋና ይኹኖ፣ 17  ምኽንያቱ፡ ንሱ ነቲ እተዋህቦ መተባብዒ ተቐቢሉስ፡ ኣዝዩ ተሃንጥዩ፡ ብተበግሶኡ ናባኻትኩም ይመጽእ ኣሎ። 18  ምስኡ እውን ነቲ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ብስብከት ብስራት እተወደሰ ሓው ንሰድዶ ኣለና። 19  እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዚ ንኽብሪ ጐይታን ክንረድእ ድሉዋት ምዃንና ንምርኣይን እነመሓድሮ ልግሲ መጋይሽትና ኪኸውን ብጉባኤታት ተሸይሙ እዩ። 20  በዚ ኸምዚ፡ ምስዚ ንሕና እነመሓድሮ ብዙሕ ውጽኢት ብእተተሓሓዘ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቕ ኣለና።+ 21  ከመይሲ፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ብቕንዕና ንሓሊ ኣለና።’+ 22  ብዘይካዚ፡ ትጉህ ከም ዝዀነ ብዙሕ ሳዕ ብብዙሕ ነገር ፈቲንና ዘረጋገጽናዮ፡ ሕጂ ኸኣ ስለቲ ኣባኻትኩም ዘላቶ ዓባይ እምንቶ ዝያዳ ትጉህ ዝዀነ ሓውና ምሳታቶም ንሰድዶ ኣለና። 23  ብዛዕባ ቲቶስ ሕቶ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ብጻየይን* ንጥቕምኹም መዓይይተይን እዩ፣ ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀነ እውን፡ ንሳቶም ልኡኻት* ጉባኤታትን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። 24  እምበኣር፡ መርትዖ እታ ንዓታቶም ዘላትኩም ፍቕሪ ኣርእዩ፣+ ብዛዕባኹም ስለምንታይ ከም እተመካሕና ድማ ንጉባኤታት ኣርእይወን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣኺሉ ኸም ዚተርፍ ገይርዎ እዩ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “መኻፍልተይን።”
ቃ.ቃ.፡ “ሃዋርያት።”