ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገንዘብ ክልቃሕዶ፧

ገንዘብ ክልቃሕዶ፧

“ካብ ካልእ ገንዘብ ምልቃሕ ከም መርዓ፡ ዕዳኻ ምኽፋል ከኣ ከም ሓዘን እዩ።” —ምስላ ስዋሂሊ።

ተቐማጦ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ነዛ ምስላ እዚኣ ኣጸቢቖም እዮም ዚፈልጥዋ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ኣየጠራጥርን እዩ። ንስኻኸ ኻብ ፈታዊኻ ወይ ካብ ካልእ ምንጪ፡ ገንዘብ ክትልቃሕ ከለኻ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ሓድሓደ እዋን ገንዘብ ክንልቃሕ ዚሓይሽ እኳ እንተ መሰለ፡ ከምኡ ምግባር ዝበለጸ ኣማራጺ ድዩ፧ ካብ ካልኦት ገንዘብ ምልቃሕ፡ እንታይ ሓደጋታት እዩ ዘለዎ፧

ገንዘብ ምልቃሕ ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ ዜጕልሕ ካልእ ምስላ ስዋሂሊ እውን ኣሎ። “ንርእስኻ ኢልካ ዀነ ንኻልእ ገንዘብ ምልቃሕ፡ ዕርክነት የበላሹ” ይብል። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ዕዳ ንዕርክነትን ንርክብን ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ። ዋላ እውን ዝበለጸ መደብን ቅንዕናን ይሃሉኻ፡ ነገራት ከምቲ እተሓስበ ዚኸውን፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ እቲ ዕዳ ዚኽፈለሉ እዋን እንተ ሓሊፉ፡ እቲ ኣለቃሒ ኺሓርቕ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ቂም ምሓዝ ኪመጽእ ይኽእል እዩ፣ ኣብ መንጎ እቲ ተለቃሕን ኣለቃሕን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ መንጎ ስድራ ቤቶም ዘሎ ርክብ እውን ኪሕርፍፍ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ዕዳ ቐንዲ ጠንቂ ምስሕሓብ ስለ ዝዀነ፡ ጸገማት ገንዘብ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንልቓሕ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ጌርና ኽንርእዮ ደኣ እምበር፡ ተጓዪና ኽንልቃሕ የብልናን።

ካብ ካልእ ገንዘብ ምልቃሕ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ እውን ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ብቐዳምነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደይመደይ ኢሉ ወይ እናፈለጠ ዕዳኡ ዘይኸፍል ሰብ፡ እኩይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 37:21) ብዘይካዚ፡ “ተለቃሒ . . . ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 22:7) ተለቃሒ፡ ዕዳኡ ኽሳዕ ዘይከፈለ፡ ነቲ ኣለቃሒኡ ግዴታ ኣለዎ። “እግሪ ኻልእ ሰብ እንተ ተለቂሕካ፡ ንሱ ናብ ዚደልዮ ኢኻ እትኸይድ” ዚብል ካልእ ምስላ ኣፍሪቃውያን ኣሎ። እዚ ምስላ እዚ፡ ብዙሕ እተዓድየ ሰብ፡ ዝደለዮ ኺገብር ከም ዘይክእል እዩ ዚሕብር።

ዕዳኻ ምኽፋል፡ ቀዳምነት ክትህቦ ዘሎካ ጕዳይ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ፡ ጸገማት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ዕዳ እናሓደረ ብዙሕ ጭንቀትን ድቃስ ዘይብሉ ለይትን ልዕሊ ዓቕምኻ ምስራሕን ኬስዕብ ይኽእል እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዚቋየቑ፡ ስድራ ቤታት ድማ ከም ዚበታተና ኺገብር ይኽእል እዩ፣ ሕጋዊ ስጕምቲ ወይ ማእሰርቲ  እውን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እተን ኣብ ሮሜ 13:8 ዚርከባ፡ “ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሓደ እኳ ገለ ዕዳ ኣይሃልኹም” ዚብላ ቓላት፡ ጥበብ ዝሓዘላ እየን።

ኣድላዪ ድዩ፧

ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንልቓሕ ብዚምልከት ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና። ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትት ጽቡቕ እዩ፦ ‘ብሓቂ ኽልቃሕ የድልየኒ ድዩ፧ ንስድራ ቤተይ ክከናኸን ኢለ ድየ ኽልቃሕ ዝደሊ ዘለኹ፡ ወይስ ብሰንኪ ስስዐ ኻብዚ ሕጂ ዘለኽዎ ዚሓይሽ ናብራ ኽነብር ስለ ዝደለኹ እየ፧’ መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ምእታው፡ በተን ዘለዋኻ ሒደት ገንዘብ ክትናበር ይሓይሽ።

ሓቂ እዩ፡ ሃንደበታዊ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ ወይ ካልእ ኣማራጺ እንተ ዘየልዩ፡ ገንዘብ ንኽትልቃሕ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ኪልቃሕ እንተ ወሲኑ፡ ሓቀኛን ቅኑዕን ኪኸውን ኣለዎ። ብኸመይ፧

ቀዳማይ፡ እቲ ኼለቅሓካ እትደልዮ ሰብ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ገንዘብ ስለ ዘለዎ ጥራይ፡ ክትብለጸሉ ኣይትሕሰብ። ሓደ ሰብ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዘለዎ፡ ንዓና ምሕጋዝ ግዴታኡ ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ብዘይካዚ፡ ምስቲ ገንዘብ ዘለቅሓና ሰብ ብቕንዕናን ብሓቀኛነትን ክንመላለስ ኣሎና። ብሃብታማት ድማ ኣይትቕናእ።—ምሳሌ 28:22

ዕዳኻ ብቕልጡፍ ክፈል። ዋላ እውን ኣለቃሒኻ ኣብዚ ግዜ እዚ ምለሶ እንተ ዘይበለካ፡ ንስኻ ግና ነቲ ገንዘብ እትመልሰሉ ግዜ መድብ፣ ካብኡ ኸኣ ኣይተሕልፍ። ጸኒሑ ኣብ መንጎኹም ዘይምርድዳእ ምእንቲ ኸየጋጥም፡ ንስምምዕኩም ኣብ ጽሑፍ ኣስፍርዎ። (ኤርምያስ 32:9, 10) ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ንኣለቃሒኻ ምእንቲ ኸተመስግኖ፡ ባዕልኻ ኼድካ ነቲ ገንዘብ ሃቦ። ዕዳኻ ኣብ ምኽፋል ጥንቁቕ እንተ ዄንካ፡ ጽቡቕ ርክብ እዩ ዚህልወካ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይኰነን ይኹን” በለ። (ማቴዎስ 5:37) ብዘይካዚ፡ ወትሩ ነታ፡ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም” እትብል ወርቃዊት ሕጊ ዘክራ።—ማቴዎስ 7:12

ሓጋዚ መምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ገንዘብ ንኽንልቃሕ ዚደፋፍኣና ስምዒት ምእንቲ ኽንቈጻጸሮ፡ ጠቓሚ ምኽሪ ይህበና እዩ። “ብዘሎና እንተ ዓጊብናስ፡ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ” ድማ ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 6:6) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ በቲ ዘሎና ዕጉባት እንተ ዄንና፡ ካብቲ ልቓሕ ዜምጽኦ ሳዕቤን ክንስተር ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብዛ ብግዜያዊ ዕግበት እትኣምን ዓለም እናነበርካ ኽነስኻ ዕጉብ ኴንካ ኽትነብር ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ድማ እዩ “ኣምላኻዊ ተወፋይነት” ዜድልየና። ብኸመይ፧

ኣብ እስያ ዚነብሩ ክርስትያን ሰብ ሓዳር እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ገና መንእሰያት ከለዉ፡ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ዝነበሮም ሰባት የድንቕዎም ነበሩ። ስለዚ፡ ነቲ ዘዋህለልዎን ነቲ ኻብ ባንክን ካብ ኣዝማድን እተለቅሕዎን ገንዘብ ኣኪቦም፡ ቤት ኪዕድጉ ወሰኑ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ እቲ በብወርሑ ዚኸፍልዎ ዝነበሩ ገንዘብ ልዕሊ ዓቕሞም ኰነ። በዚ ምኽንያት እዚ ዝያዳ ሰዓታትን መዓልትታትን ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ንደቆም ዚኸውን ግዜ ሰኣኑ። እቲ ሰብኣይ፡ “እቲ ዚስምዓኒ ዝነበረ ጭንቀትን ስቓይን ድቃስ ምስኣንን፡ ኣብ ርእሰይ ከቢድ ከውሒ ተሰኪመ ዘለኹ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ ገበረ። እዚ ዅሉ፡ ዓቕልኻ እዩ ዜጽብበልካ” በለ።

“ንስጋዊ ነገራት ብመንፈሳዊ ዓይኒ ምርኣይ ዕቝባ እዩ”

ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:6 ዘሎ ቓላት ዘከርዎ፣ እንኮ መፍትሒ እቲ ጸገም ድማ፡ ነቲ ቤት ምሻጥ ምዃኑ ወሰኑ። ዕዳኦም ምሉእ ብምሉእ ንኪኸፍሉ፡ ክልተ ዓመት ወሰደሎም። ካብቲ ተመክሮኦም እንታይ ተማሂሮም፧ “ንስጋዊ ነገራት ብመንፈሳዊ ዓይኒ ምርኣይ ዕቝባ እዩ” በሉ።

እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ምስላ ስዋሂሊ፡ ብብዙሓት ትፍለጥ እያ። ኰይኑ ግና፡ ንሰባት፡ ከም ዘይልቅሑ ኣይገበረቶምን። ብመሰረት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝመርመርናዮ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ፡ ‘ገንዘብ ክልቃሕዶ፧’ እትብል ሕቶ ኣርዚንና ኽንሓስበላስ ጥበባዊ ደይኰነን፧