ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድራር ጐይታ ዜብዕልሉ መገዲ፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድራር ጐይታ ዜብዕልሉ መገዲ፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧

 ነቲ “መኣዲ ጐይታ፡”ን “ዝኽሪ ሞት የሱስ”ን ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ድራር ጐይታ ኸነብዕል ከለና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኢና ጠቢቕና እንስዕብ። (1 ቈረንቶስ 11:20ትርጉም 1956) ብኣንጻሩ ግና፡ ካልኦት ሃይማኖታት ምስዚ በዓል እዚ ብዚተሓሓዝ ዘለወን ብዙሕ እምነታትን ልምድታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣይኰነን።

ዕላማ

 ድራር ጐይታ ዚብዓለሉ ዕላማ፡ ንየሱስ ንምዝካርን ነቲ ምእንታና ኢሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዘሎና ምስጋና ንምግላጽን እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ 1 ቈረንቶስ 11:24) እዚ በዓል እዚ፡ ቅዱስ ቍርባን ወይ ከኣ ስርየት ዚርከበሉ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣይኰነን። a ሓጢኣትና ዚሕደገልና በቲ ኣብ የሱስ ዘሎና እምነት ጥራይ እምበር፡ ብሃይማኖታዊ ጽምብል ከም ዘይኰነ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ።—ሮሜ 3:25፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2

ክንደይ ሳዕ

 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ድራር ጐይታ ኼብዕሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ፣ ክንደይ ሳዕ ኼብዕልዎ ኸም ዚግባእ ግና ኣይገለጸሎምን። (ሉቃስ 22:19) ገሊኦም ወርሒ ወርሒ፡ ገሊኦም ሰሙን ሰሙን፡ ገሊኦም መዓልቲ መዓልቲ፡ ገሊኦም ኣብ መዓልቲ እተወሰነ ሳዕ ወይ ድማ ባህ ኣብ ዝበሎም ግዜ የብዕልዎ እዮም። ነዚ ብዚምልከት ግና እስከ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ኣስተብህለሉ።

 የሱስ ኣብታ ኣይሁድ ፋስጋ ዜብዕሉላ መዓልቲ እዩ ድራር ጐይታ ኣቝሙ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እዩ ሞይቱ። (ማቴዎስ 26:1, 2) እዚ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ምስ ገንሸል ፋስጋ የመሳስሎ እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:7, 8) ፋስጋ ድማ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እዩ ዚብዓል ነይሩ። (ዘጸኣት 12:1-6፣ ዘሌዋውያን 23:5) ብተመሳሳሊ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት፡ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እዮም ዜብዕሉ ነይሮም፣ b ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስርዓት እዮም ዚስዕቡ።

መዓልትን ሰዓትን

 እቲ የሱስ ነቲ በዓል ዝኽሪ ዘቘመሉ ስርዓት፡ ክንደይ ሳዕ ኪብዓል ከም ዘለዎን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዚብዓለሉ መዓልትን ሰዓትን እውን ይገልጽ እዩ። የሱስ ነቲ በዓል ዘቘሞ፡ ብመሰረት ኣቈጻጽራ መጽሓፍ ቅዱስ፡ 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እዩ። (ማቴዎስ 26:18-20, 26) ንሕና እውን ኣብነት እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብምስዓብ ዓመት ዓመት ኣብዛ መዓልቲ በዓል ዝኽሪ ነብዕል ኢና። c

 የሱስ ነቲ በዓል ኬቝሞ ከሎ፡ 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. ዓርቢ መዓልቲ እያ ውዒላ ነይራ፣ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ዓመታት ግና ኣብ እተፈላለየ መዓልቲ እያ እትውዕል። ዓመት ዓመት ነታ ኒሳን 14 እትውዕለሉ መዓልቲ ንምፍላጥ፡ ዘመናዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣይሁድ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ዓይነት ኣቈጻጽራ ኢና እንጥቀም። d

ቅጫን ወይንን

 የሱስ ካብ ፋስጋ ብዝተረፈ ቕጫን ቀይሕ ወይንን ተጠቒሙ እዩ ነቲ ሓድሽ በዓል ኣብዒልዎ። (ማቴዎስ 26:26-28) ንሕና እውን፡ ቀመማት ዘይተሓወሶ ቕጫን ሓድሽ ጽማቝ ወይኒ ዘይኰነ መማቕርቲ ወይ ቀመማት ዘይተሓወሶ ቐይሕ ወይንን ኢና እንጥቀም።

 ገሊኦም ሃይማኖታት፡ ማይ ብሑቚ ወይ መባዅዕቲ ዘለዎ ቕጫ ይጥቀሙ እዮም፣ መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማይ ብሑቝ ንሓጢኣትን ንብልሽውናን እዩ ዜመልክት። (ሉቃስ 12:1፣ 1 ቈረንቶስ 5:6-8፣ ገላትያ 5:7-9) ስለዚ፡ መባዅዕትን ካልእ ነገራትን ዘይተወሰኾ ቕጫ ጥራይ እዩ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ስጋ ክርስቶስ ኬመልክት ዚኽእል። (1 ጴጥሮስ 2:22) ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተመስረተ ልማድ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ወይኒ ሓድሽ ጽማቝ ወይኒ ምጥቃም እዩ። ገሊአን ኣብያተ ክርስትያናት፡ ብሰንኪ እቲ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ዚኽልክል ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሕገን እየን ከምኡ ዚገብራ።—1 ጢሞቴዎስ 5:23

እቲ ቕጫን ወይንን፡ ቃል ብቓሉ ስጋን ደምን ኣየመልክትን

 እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ እንጥቀመሉ ቕጫን ወይንን ተምሳል ስጋን ደምን ክርስቶስ እዩ። ከምቲ ገሊኦም ዚመስሎም፡ ብተኣምራዊ መገዲ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ኣይቅየርን ወይ ምስኡ ኣይተሓዋወስን እዩ። ነዚ እንብለሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት እስከ ንርአ።

  •   የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ደሙ ኺሰትዩ እንተ ዚእዝዞም ነይሩ፡ ነቲ ኻብ ደም ኪርሕቁ ኣምላኽ ዝሃቦም ሕጊ መጥሓሶም ነይሩ። (ዘፍጥረት 9:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) የሱስ፡ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ቕድስና ደም ዝሃቦ ሕጊ ኣምላኽ ኪጥሕሱ ይእዝዝ ኢልካ ምሕሳብ ከኣ ዘይመስል እዩ።—ዮሃንስ 8:28, 29

  •   እቶም ሃዋርያት ቃል ብቓሉ ደሙ እንተ ዚሰትዩ ነይሮም፡ የሱስ ገና ብሕጂ መስዋእቲ ኸም ዚኸውን ንምምልካት፡ ‘ዚፈስስ ደመይ’ ኣይምበለን ነይሩ።—ማቴዎስ 26:28

  •   የሱስ፡ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” እዩ መስዋእቱ ኣቕሪቡ። (እብራውያን 9:25, 26) ስለዚ፡ እቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቕረብ ቅጫን ወይንን ቃል ብቓሉ ናብ ስጋኡን ደሙን ዚቕየር እንተ ዀይኑ፡ እቶም ካብኡ ዚወስዱ ሰባት ነቲ መስዋእቲ እንደገና የቕርብዎ ኣለዉ ማለት እዩ።

  •   የሱስ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” እዩ ኢሉ እምበር፡ ‘ንመስዋእተይ ኣቕርብዎ’ ኣይበለን።—1 ቈረንቶስ 11:24

 እቶም እቲ ቕጫን ወይንን ቃል ብቓሉ ናብ ስጋን ደምን የሱስ ከም ዚቕየር ዚኣምኑ ሰባት፡ ከምኡ ኢሎም ኪኣምኑሉ ዝገበሮም ኣብ ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ብዙሓት ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ወይኒ፡ “እዚ ደመይ እዩ” ኸም ዝበለ እዩ ተጻሒፉ ዚርከብ። (ማቴዎስ 26:28) እዘን ቃላት የሱስ ግና፡ “ደመይ ማለት እዩ” ወይ “ንደመይ ዚውክል እዩ” ወይ ድማ “ንደመይ ዜመልክት እዩ” ተባሂለን እውን ኪትርጐማ ይኽእላ እየን። e የሱስ ከምቲ መብዛሕትኡ እዋን ዚገብሮ ዝነበረ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ ዚምህር ነይሩ።—ማቴዎስ 13:34, 35

ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚካፈሉ መን እዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድራር ጐይታ ኸነብዕል ከለና፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚበልዑ ሒደት ጥራይ እዮም። ስለምንታይ፧

 ደም የሱስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ጥንታዊ ህዝቢ እስራኤልን ዝነበረ ኺዳን ዚትክእ “ሓድሽ ኪዳን” ኣቚሙ እዩ። (እብራውያን 8:10-13) ስለዚ፡ እቶም ክፍሊ እቲ ሓዳሽ ኪዳን ዝዀኑ እዮም ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ። እዚኣቶም፡ ኵሎም ክርስትያናት ዘይኰኑስ፡ እቶም ብኣምላኽ እተሓርዩ “ጽዉዓት”ጥራይ እዮም። (እብራውያን 9:15፣ ሉቃስ 22:20) ምስ ክርስቶስ ድማ ነገስታት ኪዀኑ እዮም፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቍጽሮም 144,000 ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ።—ሉቃስ 22:28-30፣ ራእይ 5:9, 10፣ 14:1, 3

 መብዛሕትና፡ ካብቶም ምስ ክርስቶስ ዚነግሱ “ሒደት መጓሰ” ኽንከውን ዘይኰነስ፡ ካብቶም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚወርሱ “ብዙሓት ህዝቢ” ኽንከውን እዩ ተስፋና። (ሉቃስ 12:32፣ ራእይ 7:9, 10) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘሎና ዘበልና፡ ዋላ እኳ ኻብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኣይንውሰድ፡ ነቲ የሱስ ምእንታና ኢሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዘሎና ምስጋና ንምግላጽ፡ ኣብ ድራር ጐይታ ንእከብ ኢና።—1 ዮሃንስ 2:2

a ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳለወት ሳይክሎፔድያ፡ 9ይ ጥራዝ፡ ኣብ ገጽ 212፡ “ቅዱስ ቍርባን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣይርከብን እዩ፣ ኣብ ዝዀነ ቦታ፡ እታ μυστήριον [ሚስተሪዮን፡ ሚስጢር ማለት እያ] እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ንጥምቀት ወይ ንድራር ጐይታ ወይ ድማ ንዝዀነ ኻልእ ጽምብል ኣይተመልክትን እያ” ይብል።

b ዘ ኒው ሻፍ-ሀርዞክ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጀስ ኖውለጅ፡ 9ይ ጥራዝ፡ ገጽ 43-44፡ ከምኡ እውን ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳለወት ሳይክሎፔድያ፡ 8ይ ጥራዝ፡ ገጽ 836 ርአ።

c ዘ ኒው ካምብሪጅ ሂስቶሪ ኦቭ ዘ ባይብል፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 841 ርአ።

d ዘመናዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣይሁድ፡ ነታ ወርሒ ኒሳን እትጅምረላ መዓልቲ ብስነ ኰዀባዊ ስርዓት፡ ሰርቂ ወርሒ እትዀነላ መዓልቲ እዮም ዜለልይዋ፡ እዚ ሜላ እዚ ግና ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣይነበረን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እታ ወርሒ እትጅምር፡ ሰርቂ ወርሒ ንፈለማ ግዜ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እተራእየትላ መዓልቲ እያ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ብስነ ኰዀባዊ ስርዓት እተራእየትሉ ሓደ ወይ ዝያዳ መዓልቲ ጸኒሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድራር ጐይታ ዜብዕልሉ መዓልቲ ኻብቲ ዘመናውያን ኣይሁድ ፋስጋ ዜብዕልሉ መዓልቲ ዚፈላለየሉ ሓደ ምኽንያት እዚ እዩ።

e ብጄምስ ሞፋት እተዳለወ ኤ ኒው ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ባይብል፡ ብቻርለስ ዊልያምስ እተዳለወ ኤ ትራንስሌሽን ኢን ዘ ላንጔጅ ኦቭ ዘ ፒፕል፡ ከምኡ እውን ብህዩ ስኮንፊልድ እተዳለወ ዘ ኦሪጂናል ኒው ቴስታመንት ርአ።