ዮሃንስ 8:12-59

  • ኣቦ ብዛዕባ የሱስ ይምስክር (12-30)

    • የሱስ፡ “ብርሃን ዓለም” (12)

  • ዘርኢ ኣብርሃም (31-41)

    • ‘ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ’ (32)

  • ደቂ ድያብሎስ (42-47)

  • የሱስን ኣብርሃምን (48-59)

8  12  ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ።+ እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪህልዎ እምበር፡ ብጸልማት ከቶ ኣይኪመላለስን እዩ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።+ 13  ፈሪሳውያን ከኣ፡ “ንስኻ ብዛዕባ ርእስኻ ትምስክር ኣለኻ፣ ምስክርነትካ ሓቂ ኣይኰነን” በልዎ። 14  የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩን ናበይ ከም ዝኸይድን ስለ ዝፈልጥ፡ ምስክርነተይ ሓቂ እዩ።+ ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩን ናበይ ከም ዝኸይድን ኣይትፈልጡን ኢኹም። 15  ንስኻትኩም ብስጋ* ኢኹም እትፈርዱ፣+ ኣነስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ። 16  ግናኸ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ምሳይ እዩ እምበር፡ ኣነ በይነይ ስለ ዘይኰንኩ፡ እንተ ፈሪደ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ።+ 17  ኣብ ሕግኹም እውን፡ ‘ምስክርነት ክልተ ሰብ ሓቂ እዩ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ።+ 18  ብዛዕባ ርእሰይ ዝምስክር ኣነ እየ፣ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እውን ብዛዕባይ ይምስክር እዩ።”+ 19  ሽዑ፡ “ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ፧” በልዎ። የሱስ ድማ፡ “ንዓይ ወይስ ንኣቦይ ኣይትፈልጡናን ኢኹም።+ ንዓይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ንኣቦይ እውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” ኢሉ መለሰ።+ 20  ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ጥቓ መመጽወቲ ዀይኑ እዩ እዚ ቓላት እዚ ዝበለ።+ ግናኸ፡ ግዜኡ ገና ስለ ዘይኣኸለ፡ ሓደ እኳ ኣይሓዞን።+ 21  ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ፡ “ኣነ እኸይድ ኣለኹ፣ ክትደልዩኒ፡ ግናኸ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም።+ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፡ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።+ 22  ኣይሁድ ከኣ፡ “‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፡ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዚብልሲ፡ ርእሱዶ ኪቐትል ኰይኑ፧” በሉ። 23  ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፣ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ።+ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፣ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። 24  ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣሚንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ‘ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም’ ዝበልኩኹም” በሎም። 25  ሽዑ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” በልዎ። የሱስ ከኣ፡ “ስለምንታይከ እየ ምሳኻትኩም ዝዛረብ፧ 26  ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ እኳ ሓቀኛ እዩ፣ እቲ ኻብኡ ዝሰማዕክዎ ድማ ኣብ ዓለም እዛረቦ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።+ 27  ንሳቶም ግና ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም ኣይፈለጡን። 28  ሽዑ፡ የሱስ፡ “ንወዲ ሰብ ምስ ሰቐልኩምዎ፡+ ሽዑ ኣነ ንሱ ምዃነይን+ ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይገብርን ክትፈልጡ ኢኹም፣+ ግናኸ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ። 29  እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ፣ ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ ስለ ዝገብር ከኣ፡ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በለ።+ 30  ንሱ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። 31  የሱስ ከኣ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፣ 32  ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣+ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም።+ 33  ንሳቶም ከኣ፡ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፣ ንሓደ እኳ ባሮት ኴንና ኣይተገዛእናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ ‘ሓራ ኽትወጹ ኢኹም’ እትብለና ዘለኻ፧” ኢሎም መለሱሉ። 34  የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ።+ 35  ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንሓዋሩ ኣይነብርን እዩ፣ ወዲ ግና ንሓዋሩ ይነብር እዩ። 36  ስለዚ፡ ወዲ፡ ሓራ እንተ ኣውጺኡኩም፡ ብሓቂ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። 37  ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩም እፈልጥ እየ። ቃለይ ስለ ዘይተቐበልኩም ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። 38  ኣነ ነቲ ምስ ኣቦይ ከለኹ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣለኹ፣+ ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ኻብ ኣቦኹም ዝሰማዕኩምዎ ትገብሩ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም። 39  ንሳቶም ድማ፡ “ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ “ውሉዳት ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡+ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። 40  ሕጂ ግና ንዓይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም።+ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን። 41  ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ንሕናስ ካብ ምንዝርና* ኣይተወለድናን፣ ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ” በልዎ። 42  የሱስ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ መጺአ እየ ኣብዚ ዘለኹ እሞ፡ ኣምላኽ ኣቦኹም እንተ ዚኸውንሲ፡ ንዓይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።+ ንሱ ደኣ እዩ ልኢኹኒ እምበር፡ ኣነስ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን።+ 43  ስለምንታይ ኢኹም ዝዛረቦ ዘለኹ ዘይትርድኡ፧ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይትኽእሉ ኢኹም። 44  ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፣ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ እውን ትደልዩ ኣለኹም።+ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፣+ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ እውን፡ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን ስለ ዝዀነ፡ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ።+ 45  ኣነ ሓቂ ስለ ዝነግር ግና፡ ኣይትኣምኑንን። 46  ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒ መን ኣሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ 47  እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ።+ ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ስለ ዘይኰንኩም፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ።”+ 48  ኣይሁድ ከኣ፡ “‘ሳምራዊ ኢኻ፡+ ጋኔን እውን ኣሎካ’ ምባልናስ ቅኑዕ ደይኰነን፧”+ ኢሎም መለሱሉ። 49  የሱስ ድማ፡ “ኣነስ ንኣቦይ ደኣ አኽብሮ ኣለኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን፣ ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ ኣለኹም። 50  ኣነ ግና ንርእሰይ ክብሪ ኣይደልን እየ፣+ ዚደልን ዚፈርድን ግና ኣሎ። 51  ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ሞት ከቶ ኣይክርእን እዩ”+ ኢሉ መለሰሎም። 52  ኣይሁድ ድማ፡ “ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈሊጥና። ኣብርሃም ሞይቱ እዩ፡ ነብያት እውን፣ ንስኻ ግና፡ ‘ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ሞት ከቶ ኣይኪጥዕምን እዩ’ ትብል ኣለኻ። 53   ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢ፧ ነብያት እውን ሞይቶም እዮም። ንርእስኻ መን ትገብራ ኣለኻ፧” በልዎ። 54  የሱስ ከኣ፡ “ኣነ፡ ርእሰይ እንተ ኣኽቢረ፡ ክብረይ ከንቱ እዩ። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።+ 55  ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፣+ ኣነ ግና እፈልጦ እየ።+ ‘ኣይፈልጦን’ እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉ እውን እሕሉ እየ። 56  ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተስፋ ምስ ገበረ፡ ባህ ኢልዎ፣ ርእይዋ ድማ ተሓጒሱ” ኢሉ መለሰ።+ 57   ኣይሁድ ከኣ፡ “ገና 50 ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧” በልዎ። 58  የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ኣነ ኣለኹ” በሎም።+ 59  ስለዚ፡ ኪድርብዩሉ ኣእማን ኣልዓሉ፣ የሱስ ግና ተሓብአ፡ ካብ ቤተ መቕደስ እውን ወጸ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብመለክዒታት ሰብ።”
ብግሪኽኛ፡ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።