1 ቈረንቶስ 5:1-13

  • ጕዳይ ምንዝርና (1-5)

  • ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ የብኵዖ (6-8)

  • ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ (9-13)

5  አረ ምንዝርና*+ ይውረየልኩም ኣሎ፣ ከምኡ ዝኣመሰለ ምንዝርናስ* ኣብ ኣህዛብ እኳ የልቦን፣ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ሰበይቲ ኣቦኡ ኣእትዩ ኣሎ።*+  በዚኸ ትሕበኑዶ ኣለኹም፧ እቲ እዚ ግብሪ እዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕሲ፡+ ክትሓዝኑዶ ኣይምተገብኣኩምን፧+  ኣነ ግና ብኣካል ኣብኡ እኳ እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም እየ፣ ነቲ እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ ምሳኻትኩም ከም ዘለኹ ዀይነ ድሮ ፈሪደዮ ኣለኹ።  ብስም ጐይታና የሱስ ክትእከቡ ኸለኹም፡ ኣነ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ምሳኻትኩም ምዃነይ ፈሊጥኩም፡  መንፈስ* ብመዓልቲ ጐይታ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡+ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንጥፍኣት ስጋ* ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ።+  ትምክሕትኹም ጽቡቕ ኣይኰነን። ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ ከም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+  ክርስቶስ እቲ ገንሸል* ፋስጋና+ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡+ ከምቲ ሕጂ ዘለኹምዎ፡ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣወግድዎ።  ስለዚ፡ ብኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ ክፍኣትን እከይን ዘይኰነስ፡ ብቕጫ ግርህነትን ሓቅን ነብዕል።+  ኣብ ደብዳበይ፡ ምስ ኣመንዝራታት* ደጊም ከይትጽምበሩ* ጽሒፈልኩም ነይረ፣ 10  ግናኸ ብሱሩ ምስ ኣመንዝራታት* እዛ ዓለም እዚኣ+ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ ኣምለኽቲ ጣኦት ማለተይ ኣይኰነን። እንተ ዘይኰነስ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ።+ 11  ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡* ወይ ስሱዕ፡+ ወይ ኣምላኺ ጣኦት፡ ወይ ተጻራፊ፡ ወይ ሰኽራም፡+ ወይ ዘራፊ+ ዝዀነ ደጊም ከይትጽምበሩ፡*+ ምስ ከምዚ ዝበለ ኸኣ ከቶ ኸይትበልዑ፡ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። 12  ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዝፈርድሲ እንታይ ገዲሱኒ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱኸ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧ 13  ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዚፈርዶም ግና ኣምላኽ እዩ።+ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ።”+

እግረ ጽሑፍ

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ተኣኻኺቡ ይነብር ኣሎ።”
ማለት፡ ኣተሓሳስባ ጉባኤ።
ማለት፡ ኣብ ጉባኤ ንዘሎ ስጋዊ ጽልዋ።
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ወይ፡ “ከይትሓብሩ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ወይ፡ “ከይትሓብሩ።”