ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሰምዮም፧

ስለምንታይ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሰምዮም፧

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘጸኣት 6:3፣ መዝሙር 83:18) ሓደ ሰብ ምስክር ዚብሃል ድማ፡ ብዛዕባ ዝኣመነሉ ነገር ወይ ሓቂ ንኻልኦት ምስ ዚነግር እዩ።

 ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስምና፡ ነቲ ፈጣሪ ዅሉ ነገራት ዝዀነ የሆዋ ዚምልከት ሓቂ እንነግር ጕጅለ ክርስትያናት ከም ዝዀንና ዜፍልጥ እዩ። (ራእይ 4:11) ብኣነባብራና ዀነ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማሃርናዮ ነገራት ንኻልኦት ብምንጋር፡ ንምስክር ኢና።—ኢሳይያስ 43:10-12፣ 1 ጴጥሮስ 2:12