ዘጸኣት 6:1-30

  • ከም ብሓድሽ እተዋህበ ተስፋ ሓርነት (1-13)

    • ስም የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣይተፈልጠን (2, 3)

  • ወለዶ ሙሴን ኣሮንን (14-27)

  • ሙሴ ኸም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከም ዚቐርብ (28-30)

6  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ሕጂ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ።+ ብሓያል ኢድ ኪሰድዶም ኪግደድ እዩ፣ ብሓያል ኢድ እውን ኪሰጕጎም ኪግደድ እዩ” በሎ።+  ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ ከምዚ በሎ፦ “ኣነ የሆዋ እየ።  ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተረኣኽዎም፣+ ብስመይ የሆዋ+ ግና ኣይተፈለጥኩሎምን።+  እታ ጓኖት ኰይኖም ዚነብሩላ ዝነበሩ ምድሪ፡ ምድሪ ከነኣን ክህቦም እውን ምሳታቶም ኪዳን ኣቘምኩ።+  ሕጂ ድማ ቍዝማ እቶም ግብጻውያን ባሮት ገይሮምዎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ሰሚዐ ኣለኹ፣ ኪዳነይ ከኣ ዘኪረ ኣለኹ።+  “ስለዚ፡ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣነ የሆዋ እየ፣ ካብ ትሕቲ ብርቱዕ ሽቕለት* ግብጻውያን ከውጽኣኩም እየ፣ ካብ ባርነቶም ከኣ ከናግፈኩም እየ፣+ ብዝርግሕቲ* ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን እውን ከድሕነኩም* እየ።+  ህዝበይ ክትኰኑ ድማ ክወስደኩም እየ፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።+ ኣነ ኻብ ትሕቲ ብርቱዕ ሽቕለት* ግብጺ ዘውጽኣኩም የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።  ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም* ምድሪ ኸእትወኩም እየ፣ ንዓኻትኩም ድማ ርስቲ ገይረ ኽህበኩም እየ።+ ኣነ የሆዋ እየ።’”+  ጸኒሑ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን እዚ መልእኽቲ እዚ ነገሮም፣ ንሳቶም ግና ተስፋ ኻብ ምቝራጾምን ካብ ብርቱዕ ባርነትን እተላዕለ፡ ንሙሴ ኣይሰምዕዎን።+ 10  ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ 11  “ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቲኻ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሩ ኺሰድዶም ተዛረቦ” በሎ። 12  ሙሴ ግና ንየሆዋ፡ “እንሆ፡ እስራኤላውያን እኳ ኣይሰምዑንን፣+ ኣነ ወታእ* እየ እሞ፡ ፈርኦን ግዳ ኸመይ ኢሉ ኺሰምዓኒ፧” ኢሉ መለሰሉ።+ 13  የሆዋ ግና ንሙሴን ንኣሮንን፡ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኼውጽኡ፡ ንእስራኤላውያንን ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን እንታይ ትእዛዝ ከም ዚነግሩ መሊሱ ተዛረቦም። 14  ርእስታት ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤል፡+ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን።+ እዚኣቶም ዓሌታት ሮቤል እዮም። 15  ደቂ ስምኦን፡ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርን ሻኡል ወዲ እታ ከነኣናዊትን እዮም።+ እዚኣቶም ዓሌታት ስምኦን እዮም። 16  ስማት ደቂ ሌዊ+ በብትውልዶም እዚ እዩ፦ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን።+ ዓመታት ህይወት ሌዊ 137 ዓመት ነበረ። 17  ደቂ ጌርሾን፡ ሊብኒን ሺምዒን ከከም ዓሌቶም እዮም።+ 18  ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ይጽሃርን ኬብሮንን ዑዚኤልን እዮም።+ ዓመታት ህይወት ቀሃት 133 ዓመት ነበረ። 19  ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን እዮም። እዚኣቶም ከከም ትውልዶም ዓሌታት ሌዋውያን እዮም።+ 20  ዓምራም ከኣ ንዮካቤድ ኣሞኡ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ።+ ንሳ ድማ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ።+ ዓመታት ህይወት ዓምራም፡ 137 ዓመት ነበረ። 21  ደቂ ይጽሃር፡ ቆራሕን+ ነፈግን ዚክሪን እዮም። 22  ደቂ ዑዚኤል፡ ሚሻኤልን ኤሊጻፋንን+ ሲትሪን እዮም። 23  ኣሮን ድማ ንኤሊሼባ ጓል ኣሚናዳብ ሓብቲ ነኣሶን፡+ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ንሳ ኸኣ ንናዳብን ንኣቢሁን ንኣልኣዛርን ንኢታማርን ወለደትሉ።+ 24  ደቂ ቆራሕ፡ ኣሲርን ኤልቃናን ኣብያሳፍን+ እዮም። እዚኣቶም ዓሌታት ቆራሓውያን እዮም።+ 25  ኣልኣዛር+ ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ኻብ ኣዋልድ ጱጢኤል፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ወሰደ። ንሳ ኸኣ ንፊንሃስ ወለደትሉ።+ ርእስታት ማይ ቤታት ሌዋውያን፡ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።+ 26  እቶም የሆዋ፡ “ንህዝቢ እስራኤል በብጕጅለኦም* ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽእዎም” ዝበሎም ኣሮንን ሙሴን እዚኣቶም እዮም።+ 27  ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኼውጽኦም እተዛረብዎ እዞም ሙሴን ኣሮንን+ እዚኦም እዮም። 28  በታ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተዛረበላ መዓልቲ፡ 29  የሆዋ ንሙሴ፡ “ኣነ የሆዋ እየ። ኵሉ እዚ ዝዛረበካ ዘለኹ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ተዛረቦ” ኢሉ ነገሮ። 30  ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ “እንሆ፡ ኣነ ወታእ* እየ፣ ፈርኦን ደኣ ኸመይ ኢሉ ኺሰምዓኒ፧” በለ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክብጀወኩም።”
ወይ፡ “ብሓያል።”
ወይ፡ “ጾር።”
ወይ፡ “ጾር።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢደይ ዘልዓልኩሎም።”
ቃ.ቃ.፡ “ከናፍረይ ዘይግዙር።”
ቃ.ቃ.፡ “ከከም ሰራዊቶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ከናፍረይ ዘይግዙር።”