ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስራቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን እዩ፧

መስራቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን እዩ፧

 ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ጥቓ ፒትስበርግ፡ ፐንሲልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ ዚነብሩ ዝነበሩ ሒደት ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሜላ ኼጽንዕዎ ጀመሩ። ነቲ ኣብያተ ክርስትያን ዚምህራኦ ሰረተ እምነት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኣነጻጸርዎ። ነቲ ዝፈለጥዎ ድማ፡ ኣብ መጻሕፍትን ኣብ ጋዜጣታትን ኣብታ ሕጂ መንግስቲ ኣምላኽ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ እትብሃል መጽሔትን ኬሕትምዎ ጀመሩ።

 ሓደ ኻብቶም ጕጅለ ቕኑዓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቻርለስ ቴዝ ራስል እዩ ነይሩ። ራስል ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕ ግደ ነይርዎ እዩ፡ ኣሰናዳዊ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እውን እዩ ነይሩ፣ መስራቲ ሓድሽ ሃይማኖት ግና ኣይነበረን። ዕላማ ራስልን እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ጕጅለን፡ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ምስፍሕፋሕን ንልምድታት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስዓብን እዩ ነይሩ። የሱስ መስራቲ ክርስትና ስለ ዝዀነ፡ ከም መስራቲ ውድብና ጌርና ኢና እንርእዮ።—ቈሎሴ 1:18-20