ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መከራ

ስለምንታይ መከራ በዚሑ፧

ንዜጋጥመና መከራ ዚሕተተሉ ኣምላኽ ድዩ፧

ንዝዀነ ሰብ፡ እንተላይ ሞገስ ኣምላኽ ንዘለዎ ሰብ መከራ ኼጋጥሞ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧

ድያብሎስ ጠንቂ ዅሉ መከራ ድዩ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ይገልጽ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ እንታይ ይብል፧

ካብ ኣምላኽ ዝወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧ ኣምላኽ ንግዳያት ባህርያዊ ሓደጋ ይሕግዝ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ለበዳ እንታይ ይብል፧

ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ፡ ለበዳን ካልእ ሕማምን ተጠቒሙ ንሰባት ከም ዚቐጽዕ ይገልጹ እዮም። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይድግፎን እዩ።

ኣምላኽ፡ ኣይሁድ ብጃምላ ኪቕተሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ፈቃር ክነሱ፡ ስለምንታይ እዩ ኣዝዩ ብዙሕ መከራ ኺህሉ ፈቒዱ’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣዕጋቢ መልሲ ይህብ እዩ።

ኣብ ዓለም ሰላም ዘይተረኽበ ስለምንታይ እዩ፧

ደቂ ሰብ ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ዝገበርዎ ጻዕሪ ፈሺሉ እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ሓያሎ ምኽንያት ርአ።

ንመከራ ምጻሩ

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታትን ጭንቀትን ንዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ኬጸናንዕ ዝኸኣለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ።

ሞተይ እምነ ኣለኹ—ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሞት ንእተመነየ ሰብ እንታይ ግብራዊ ምኽሪ ይህቦ፧

ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧

እወ! ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ ንሕማምካ ኽትጻወሮ ዚሕግዘካ ሰለስተ ነጥብታት ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕረተ ቕትለት እንታይ ይብል፧

ሓደ ሰብ ዘይምሕር ሕማም እንተ ሓሚሙኸ፧ ዝኸፈልካ ኸፊልካ ህይወት ኪናዋሕ ኣለዎ ድዩ፧

መከራ ዜብቅዓሉ እዋን

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽትገዝእ ምስ ጀመረት ብዛዕባ እትገብሮ ነገራት ተምሃር።

ተስፋ ኻበይ ክረክብ እኽእል፧

ዜተኣማምን ምንጪ፡ ሕጂ ንህይወትካ ኼመሓይሻ፡ ብዛዕባ መጻኢ ድማ እምንቶ ኼሕድረልካ እዩ።