ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መከራ

መከራ

ገሊኦም ሰባት፡ ጠንቂ እቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ መከራ፡ ኣምላኽ ይመስሎም፣ ዋላ እውን ጠንቂ እንተ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ እቲ መከራ ዘይግደስ ኰይኑ ድማ ይስምዖም። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኢሉ ድዩ ዚምህር፧ እቲ መልሲ ኼገርመካ ይኽእል እዩ።

ኣምላኽ ጠንቂ እቲ ዚወርደና ዘሎ መከራ ድዩ፧

“ብርግጽ፡ ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን።”እዮብ 34:12

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ኵሉ እቲ ዜጋጥም ነገራት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይዛረቡ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ጠንቂ እቲ ዜጋጥመና መከራ እውን ንሱ ኸም ዝዀነ ይኣምኑ። ንኣብነት፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን በቲ ሓደጋታት ገይሩ ኸም ዚቐጽዖም ገይሮም ይሓስቡ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ ኣምላኽ ጠንቂ እቲ ዜጋጥመና መከራ ኸም ዘይኰነ እዩ ዚምህር። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ “ኣምላኽ ይፍትነኒ ኣሎ” ኽንብል ከም ዘይብልና ይገልጽ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ።” (ያእቆብ 1:13) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ጠንቂ እቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ወይ ከኣ ጠንቂ እቲ ስዒቡ ዚመጽእ መከራ ኣይኰነን። ከምኡ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ኣምላኽ ብእከይ ተሓታቲ ምዀነ፣ ይኹን እምበር፡ “ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን” እዩ።—እዮብ 34:12

ኣምላኽ ጠንቂ እቲ ዜጋጥመና መከራ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ እሞ፡ መን እዩ ተሓታቲ፧ እቲ ዜሕዝን፡ ደቂ ሰብ ኣደዳ እቲ ኻልኦት ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ዚገብርዎ ነገራት ይዀኑ እዮም። (መክብብ 8:9) ብዘይካዚ፡ ‘ብኣጋጣሚ’ ሓደጋ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሕና ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መክብብ 9:11) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ብመከራ ደቂ ሰብ ቀንዲ ተሓታቲ ምዃኑ እዩ ዚምህር፣ ከመይሲ፡ ‘ብዘላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ እያ ዘላ።’ (ዮሃንስ 12:31፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ስለዚ፡ ጠንቂ እቲ ንሰባት ዜጋጥሞም መከራ፡ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ሰይጣን እዩ።

 ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና መከራ ይግደስ ድዩ፧

“ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ።”ኢሳይያስ 63:9

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ዘይግደስ ይመስሎም። ንኣብነት፡ ሓደ ደራሲ፡ ኣምላኽ “ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና መከራ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይዓጅቦ ወይ ከም ዘይድንግጸልና” ገለጸ። እዚ ደራሲ እዚ ኸም ዝሓበሮ፡ ዋላ እውን ኣምላኽ ኣሎ እንተ በልና፡ ንደቂ ሰብ “ፈጺሙ ዘይግደሰሎም ጨካን” እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ፡ ከም ርሕራሐ ዘይብሉን ዘይግደስን ገይሩ ኣይገልጾን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ዜጋጥመና መከራ ኻብ ልቡ ኸም ዚሓዝንን ነቲ መከራ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዜጥፍኦን እዩ ዚምህር። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሰለስተ ዜጸናንዕ ሓቅታት እስከ ንርአ።

ኣምላኽ ነቲ ዜጋጥመና መከራ ይፈልጦ እዩ። ካብቲ መከራ ደቂ ሰብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ፡ እቲ ወትሩ “ቘላሕታኡ” ኣብ ደቂ ሰብ ዚገብር የሆዋ፡ * ንነፍሲ ወከፍ ንብዓት የስተብህለላ እዩ። (መዝሙር 11:4፣ 56:8) ንኣብነት፡ ጥንታውያን ኣምለኽቱ ምስ ተጨቈኑ፡ “ጸበባ . . . ህዝበይ ፈሊጠ እየ” በለ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ጸበባኦም ላዕሊ ላዕሉ ጥራይ ድዩ ዚፈልጦ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፣ ከመይሲ፡ “ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ” ኢሉ ኣሎ። (ዘጸኣት 3:7) ብዙሓት ሰባት ነዚ ሓቂ እዚ ብምፍላጣም ጥራይ ተጸናኒዖም እዮም፣ ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ነቲ ኻልኦት ሰባት ዘይፈልጥዎ ወይ ምሉእ ብምሉእ ዘይርድኡልና መከራና ኸም ዚፈልጦ ተገንዚቦም እዮም።—መዝሙር 31:7፣ ምሳሌ 14:10

መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ኣምላኽ ይሓዝነልና እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ መከራ ደቂ ሰብ ይፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኪሳቐዩ ኸለዉ እውን ኣዝዩ ይስምዖ እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ፡ ነቶም ጥንታውያን ኣምለኽቱ ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞም፡ ካብ ልቡ ሓዚኑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ” ይብል። (ኢሳይያስ 63:9) ኣምላኽ ካብ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ዝለዓለ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቶም መከራ ዜጋጥሞም ሰባት ይድንግጸሎም እዩ፣ ንስቓዮም ከም ስቓዩ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። እወ፡ “የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን ርሕሩሕን እዩ።” (ያእቆብ 5:11) ብዘይካዚ፡ ንመከራና ምእንቲ ኽንጻወሮ ይሕግዘና እዩ።—ፊልጲ 4:12, 13

ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ደቂ ሰብ ኬጥፍኦ እዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንመከራ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኬጥፍኦ እዩ። በታ ሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ፡ ንዅነታት ደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝሓሸ ኺልውጦ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ኺገልጽ ከሎ፡ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ” ኢሉ ይመባጻዕ። (ራእይ 21:4) ብዛዕባ እቶም ድሮ ዝሞቱኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ንሳቶም እውን ካብ መከራ ናጻ ዝዀነ ህይወት ምእንቲ ኺነብሩ፡ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሞት ኬተንስኦም እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣብቲ እዋን እቲኸ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና መከራ ብምዝካር ክንሳቐ ዲና፧ ኣይፋልናን፣ ከመይሲ፡ የሆዋ፡ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ።—ኢሳይያስ 65:17 *

^ ሕ.ጽ. 13 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣምላኽ፡ መከራ ንግዜኡ ኺህሉ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደን ብኸመይ ከም ዜጥፍኦን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8ን ምዕራፍ 11ን ርአ።