ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስማት መን እዩ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ዚጸሓፍ፧

ስማት መን እዩ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ዚጸሓፍ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እታ “ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት” ወይ “መጽሓፍ መዘከርታ” ተባሂላ እውን እትጽዋዕ “መጽሓፍ ህይወት፡” ስማት እቶም ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚቕበሉ ሰባት ዝሓዘት እያ። (ራእይ 3:5፣ 20:12፣ ሚልክያስ 3:16) ኣምላኽ ነዚ ስማት እዚ ኣብ ተኣዛዝነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተመርኲሱ እዩ ዚውስኖ።—ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 5:3

 ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊኡ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ዚጸሓፍ ስማት፡ “ካብ ምስራት ዓለም” ጀሚሩ ኣብ መዘከርታኡ ዓቂብዎ ኣሎ። (ራእይ 17:8) ስሙ ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣቤል ከም ዝዀነ ርዱእ እዩ። (እብራውያን 11:4) የሆዋ ‘ነቶም ናቱ ዘበሉ ዚፈልጦም’ ፈቃር ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣብታ መጽሓፍ ህይወት ተሓቢሩ ስለ ዘሎ፡ እታ መጽሓፍ ህይወት ዝርዝር ስማት ጥራይ ዝሓዘት መጽሓፍ ኣይኰነትን።—2 ጢሞቴዎስ 2:19፣ 1 ዮሃንስ 4:8

ስማት ካብ “መጽሓፍ ህይወት” ኪድምሰስ ይኽእልዶ፧

 እወ። ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ብዛዕባ ዝነበሩ ዘይእዙዛት ሰባት፡ “ነቲ ዝበደለኒ ደኣ ኻብ መጽሓፈይ እድምስሶ” ኢሉ እዩ። (ዘጸኣት 32:33) ክሳዕ መወዳእታ እሙናት እንተ ዄንና ግና፡ ካብታ “ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት” ኣይክንድምሰስን ኢና።—ራእይ 20:12