ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሲኦልን ገሃነምን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ሲኦልን ገሃነምን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እታ “ሲኦል” እትብል ቃልን እታ “ገሃነም” እትብል ቃልን፡ ኣብ እተፈላለየ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ይርከባ። (መዝሙር 16:10፣ ማቴዎስ 5:30) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሃይማኖታዊ ስእሊ ኸም ዚሕብሮ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ሲኦልን ገሃነምን፡ እኩያት ሰባት ንዘለኣለም ብሓዊ ዚቕጽዑሉ ቦታ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስከ ኸምኡ ድዩ ዚምህር፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

ሲኦልን ገሃነምን፡ ሰባት ንዘለኣለም ዚሳቐዩሉ ቦታ ድዩ፧

  እታ “ሲኦል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን እታ ምስኣ ማዕረ ዝዀነት “ሃደስ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓልን፡ ብመሰረቱ ንተራ “መቓብር” ደቂ ሰብ እየን ዜመልክታ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “መቓብር” ዘለዉ ሰባት ብህይወት ከም ዘየለዉ እዩ ዚዛረብ።

  •   ምዉታት፡ ህይወት ስለ ዘይብሎም ስቓይ ኣይስምዖምን። “ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።” (መክብብ 9:10ትርጉም 1956) ሲኦል ኣውያት ዚሳቐዩ ሰባት ዚስምዓሉ ቦታ ኣይኰነን። የግዳስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እኩያት ደኣ ይሕፈሩ፣ ኣብ መቓብር [ሲኦል፡ ትርጉም 1956] እውን ስቕ ይበሉ” እዩ ዚብል።—መዝሙር 31:17፣ 115:17

  •   ኣምላኽ፡ መቕጻዕቲ ሓጢኣት፡ ሞት ደኣ እምበር፡ ኣብ ገሃነም እሳት ምስቓይ ከም ዝዀነ ኣይገለጸን። ኣምላኽ ንኣዳም ሕጊ ኣምላኽ እንተ ጥሒሱ፡ ብሞት ከም ዚቕጻዕ እዩ ገሊጹሉ። (ዘፍጥረት 2:17) ኣብ ገሃነም ንዘለኣለም ብዛዕባ ምስቓይ ኣይተዛረበን። ዳሕራይ፡ ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ ኣምላኽ መቕጻዕቱ እንታይ ምዃኑ ኺገልጸሉ ኸሎ፡ “ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:19) እዚ ማለት ከኣ፡ ኣዳም ብህይወት ምንባሩ የቋርጽ ማለት እዩ። ኣምላኽ ንኣዳም ናብ ገሃነም እሳት ይሰድዶ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ብዘይ ሕብእብእ ምገለጸሉ ነይሩ። ሕጉ ንዚጥሕሱ ዚህቦ መቕጻዕቲ፡ ሕጂ እውን ኣይተቐየረን። ድሕሪ ሓጢኣት ኣዳም፡ ነዊሕ ጸኒሑ፡ ኣምላኽ ንሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ኢሉ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ። (ሮሜ 6:23) ስለዚ፡ ተወሳኺ መቕጻዕቲ ኣየድልን እዩ። “እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ።”—ሮሜ 6:7

  •   ዘለኣለማዊ ስቓይ ዚብል ሓሳብ ንኣምላኽ የፈንፍኖ። (ኤርምያስ 32:35) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ፡ ምስቲ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረር እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ስቓይ ፈሪህና ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸነምልኾ እዩ ዚደሊ።—ማቴዎስ 22:36-38

  •   ሕያዎት ሰባት ናብ ሲኦል ከዱ። ከም ትርጉም 1956 ዝኣመሰለ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ያእቆብን እዮብን ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ናብ ሲኦል (ሽኦል) ኪኸዱ ኸም እተመነዩ ይሕብር። (ዘፍጥረት 37:35፣ እዮብ 14:13) የሱስ ክርስቶስ እውን ምስ ሞተ፡ ክሳዕ ዚትንስእ ኣብ ሲኦል ከም ዝጸንሐ እዩ ዚዝረበሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:31, 32ትርጉም 1956) ስለዚ እምበኣር፡ ኣብዚ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ሲኦል” እትብል ቃል ንመቓብር ከም እተመልክት ንጹር እዩ።

እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን እንታይ እዩ ትርጉሙ፧

  እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ፡ የሱስ እተጠቕመሉ ዀይኑ፡ ኣብ ሉቃስ 16:19-31 ተመዝጊቡ ይርከብ። ምሳልያዊ ዛንታ ኺብሃል ከሎ፡ ስነ ምግባራዊ ወይ መንፈሳዊ ሓቅታት ንምምሃር ዚጠቅም ምሳሌ ማለት እዩ። ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ዘጋጠመ ታሪኽ ኣይኰነን። (ማቴዎስ 13:34) ብዛዕባ እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን እንታዎት እዮም ነይሮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

 ገሃነም፡ ሰባት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ንዚነብሩሉ ዅነታት ዜመልክት ድዩ፧

  ኣይፋሉን። እቲ፡ ‘ምዉታት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ከም ዚነብሩ ይፍለጦም እዩ’ ዚብል ሰረተ እምነት፡ ምስቲ ምዉታት ገለ ኸም ዘይፈልጡ ዚምህር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እዩ።—መዝሙር 146:3, 4፣ መክብብ 9:5

ካብ ሲኦል ዝወጸ ሰብ ኣሎ ድዩ፧

 እወ። መጽሓፍ ቅዱስ ሞይቶም ካብ መቓብር (ኣብ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ “ሲኦል” ተባሂላ እተተርጐመት) ብዛዕባ ዝተንስኡ ትሽዓተ ሰባት ብዝርዝር ይነግር እዩ። a እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣብ ሲኦል ከም ዝነበሩ ዚዝክሩ እንተ ዝዀኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘጋጠሞም ብሕታዊ ተመክሮ ምተዛረቡ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻባታቶም እኳ፡ ስቓይ ወይ ካልእ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘጋጠሞ እተዛረበ የለን። ስለምንታይ፧ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ዚምህሮ፡ ኵሎም ከም ሓደ ኸቢድ “ድቃስ” ዝደቀሰ ሰብ፡ ሃለዋቶም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም።—ዮሃንስ 11:11-14፣ 1 ቈረንቶስ 15:3-6