ሮሜ 6:1-23

  • ምስ ክርስቶስ ሓድነት ኪህልዎም እተጠምቁ ዚረኽብዎ ሓድሽ ህይወት (1-11)

  • ሓጢኣት ኣብ ሰብነትኩም ኣይንገስ (12-14)

  • ካብ ባሮት ሓጢኣት ናብ ባሮት ኣምላኽ (15-23)

    • ዓስቢ ሓጢኣት–ሞት፣ ውህበት ኣምላኽ–ህይወት (23)

6  እምበኣር፡ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ብሓጢኣትዶ ንቐጽል፧  ያእ ኣይፋልናን! ንሓጢኣት ምዉታት ካብ ኰንና፡+ ከመይ ኢልና ደኣ ደጊም ብእኡ ኽንነብር፧+  ወይስ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ኪህልወና እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና፡+ ተኻፈልቲ ሞቱ ኽንከውን ከም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+  እምበኣር፡ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ንሕና እውን ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡+ ብጥምቀትና ናብ ሞቱ ምስኡ ተቐቢርና ኢና።+  ብኣምሳል ሞቱ ምስኡ እንተ ሓቢርና፡+ ብኣምሳል ትንሳኤኡ እውን ብርግጽ ምስኡ ኽንሓብር ኢና።+  ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡+ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ድማ ምእንቲ ኸይመልከና፡+ ኣረጊት ስብእናና ምስኡ ኸም እተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።+  እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ* እዩ።  ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና ኸኣ፡ ምስኡ ብህይወት ከም እንነብር እውን ንኣምን ኢና።  እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ+ ደጊም ከም ዘይመውትሲ ንፈልጥ ኢና፣+ ደጊም ሞት ኣይመልኮን እዩ። 10  ከመይሲ፡ ብሞቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንሓጢኣት* እዩ ሞይቱ፣+ ብህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። 11  ከምኡ እውን ንስኻትኩም፡ ንሓጢኣት ምዉታት ከም ዝዀንኩም፡ ንኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ህያዋን ከም ዝዀንኩም ጌርኩም ርእስኹም ቍጸሩ።+ 12  እምበኣር፡ ንትምኒት ሰብነትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፡ ሓጢኣት ኣብቲ መዋቲ ሰብነትኩም ኣይንገስ።+ 13  ሰብነትኩም* ኣጽዋር ዓመጻ ጌርኩም ንሓጢኣት ኣይተቕርቡ፣ የግዳስ፡ ርእስኹም ካብ ምዉታት ህያው ከም ዝዀነት ጌርኩም፡ ሰብነትኩም* እውን ኣጽዋር ጽድቂ ጌርኩም ንኣምላኽ ኣቕርቡ።+ 14  ኣብ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡+ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡+ ሓጢኣት ኣይምለኽኩም። 15  እሞኸ ደኣ፧ ኣብ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧+ ያእ ኣይፋልናን! 16  ነቲ ኽትእዘዝዎ ኸም ባሮት ጌርኩም ርእስኹም እተቕርቡሉ ዘበለ፡ ስለ እትእዘዝዎ፡ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ፡+ ናብ ሞት፡+ ንተኣዛዝነት እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ናብ ጽድቂ እዩ ዚመርሓኩም። 17  ግናኸ፡ ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ነቲ እተዋህበኩም ምሳሌ ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩምዎ፡ ኣምላኽ ይመስገን። 18  እወ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡+ ባሮት ጽድቂ ዄንኩም ኢኹም።+ 19  ብሰንኪ ድኻም ስጋኹም ብኣዘራርባ ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ከምቲ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ጥሕሰት ሕጊ ዚመርሕ ርኽሰትን ጥሕሰት ሕግን ከም ባሮት ጌርኩም ዘቕረብኩም፡ ሕጂ ኸኣ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ቅድስና ዚመርሕ ጽድቂ ኸም ባሮት ጌርኩም ኣቕርቡ።+ 20  ባሮት ሓጢኣት ከለኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ ሓራ ኢኹም ኔርኩም። 21  እሞ ደኣ በታ ግዜ እቲኣ እንታይ ፍረ ተፍርዩ ኔርኩም፧ መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝነበረ፡ ሕጂ እትሓፍሩሉ ኢኹም ተፍርዩ ኔርኩም።+ 22  ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ባሮት ኣምላኽ እውን ስለ ዝዀንኩም፡ ብመገዲ ቕድስና ተፍርዩ ኣለኹም፣+ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።+ 23  ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፣+ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡+ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓጢኣቱ ተሓዲጉሉ።”
ማለት፡ ሓጢኣት ንምውጋድ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣካላትኩም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣካላትኩም።”