ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መከራ ዜኽትመሉ ግዜ ቐሪቡ!

መከራ ዜኽትመሉ ግዜ ቐሪቡ!

ገበንን ውግእን ሕማምን ባህርያዊ ሓደጋታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መከራን ኣብ ዘይብላ ዓለም ክትነብርሲ ሕስብ እሞ ኣብሎ! ብዘይካዚ፡ ንግሆ ንግሆ ብዛዕባ ኣድልዎ፡ ብዛዕባ ጭቈና፡ ወይ ብዛዕባ ቝጠባዊ ቕልውላው ከይተጨነቕካ ኽትትንስእ እውን ብኣእምሮኻ ስኣሎ። እዚስ ኪኸውን ዘይክእል ኰይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬምጽእ ዚኽእል ሰብ ኰነ ሰብኣዊ ውድብ ከም ዘየለ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንዅሉ ጠንቅታት መከራ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተመያየጥናሉ ነገራት ከም ዜወግዶ ተመባጺዑ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታት እሞ ኣቕልበሉ፦

ጽቡቕ ምምሕዳር ይሰፍን

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44

መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰማያዊት መንግስቲ እያ። እቲ ንኼመሓድራ እተመርጸ የሱስ ክርስቶስ፡ ንዅሉ ግዝኣት ደቂ ሰብ ተኪኡ ብምንጋስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ እውን ከም ዚፍጸም ኪገብር እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ “ዘለኣለማዊት መንግስቲ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ” ስለ ዝዀነት፡ ብኻልእ ሰብኣዊ መንግስቲ ኣይክትትካእን እያ። ሽዑ፡ ዘለኣለማዊ ሰላም ኪሰፍን እዩ።—2 ጴጥሮስ 1:11

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣይትህሉን

“ሰይጣን እኳ፡ ርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ . . . እምበኣር፡ እቶም ኣገልገልቱ፡ ርእሶም ንኣገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን። መወዳእታኦም ግና፡ ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።”—2 ቈረንቶስ 11:14, 15

ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ግብሪ ድያብሎስ ምዃና ኽትቅላዕን ካብ ምድሪ ኽትጠፍእን እያ። ኵሉ ጥሩፍነት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን እቲ ብሰንኩ ዚመጽእ ምፍሳስ ደምን ኣይኪህሉን እዩ። ኵሎም ኣፍቀርቲ እቲ “ህያውን ናይ ሓቅን ኣምላኽ” ከኣ ብ“ሓንቲ እምነት” ከምኡውን “ብመንፈስን ብሓቅን” ኬምልኽዎ እዮም። ሽዑስ፡ ኣየ ኸመይ ዝኣመሰለ ሰላምን ሓድነትን ኰን እዩ ኺሰፍን!—1 ተሰሎንቄ 1:9፣ ኤፌሶን 4:5፣ ዮሃንስ 4:23

ዘይፍጽምና ኣይህሉን

“ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:3, 4

የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ፡ በቲ ህይወቱ ንደቂ ሰብ ዝሃበ ወዱ የሱስ ኣቢሉ እዩ ዚፍጽሞ። (ዮሃንስ 3:16) ደቂ ሰብ ብየሱስ እናተመርሑ ፍጹማት ኪዀኑ እዮም። “ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ” ስለ እተባህለ፡ መከራ ዚብሃል ኣይኪህሉን እዩ። ዘይፍጽምናን መከራን ዛንታ ጥራይ ኰይኑ ኺተርፍ  እዩ። “ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ፡” ትርጕም 1990] ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29

እኩያት መናፍስቲ ይጠፍኡ

“ንሱ ኸኣ [የሱስ ክርስቶስ] ነቲ ገበል፡ ነቲ ድያብሎስን ሰይጣንን ዝዀነ ናይ ጥንቲ ተመን ሓዞ፣ 1,000 ዓመት እውን ኣሰሮ። . . . ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ከኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርብዩ፡ ዓጽዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓተመ።”—ራእይ 20:2, 3

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ተኣሲሮም ናብ “መዓሙቝ” ምስ ተደርበዩ፡ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዚድስክሉ፡ ኵሉ እቲ ዚገብርዎ እኩይ ጽልዋ ኼቋርጽ እዩ። ንደቂ ሰብ ድማ ኣይኪቈጻጸርዎምን እዮም። ጽልዋ ሰይጣንን እቶም እኩያት መናፍስትን ኣብ ዘይብላ ዓለም ክትነብርሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዕረፍቲ ዀን እዩ!

“ዳሕሮት መዓልትታት” የኽትማ

እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣብቲ የሱስ “ብርቱዕ ጸበባ” ብዚብል ዝሰመዮ እዋን ኬኽትማ እየን። የሱስ ከም ዝገለጾ፡ “ሽዑ፡ ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:21

እቲ ጸበባ እቲ ብርቱዕ እተባህለሉ ምኽንያት ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ መዓት ስለ ዚፍጸም እዩ። ኣብቲ “ኣርማጌዶን” ብዚብል ዚፍለጥ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ድማ እዩ ዚዛዘም።—ራእይ 16:14, 16

ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ፡ ሰናይ ዘበለ ዜፍቅሩ ሰባት፡ ጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ኪርእዩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ እዮም። ገለ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪፍጸም ዚጽበይዎ በረኸታት ንርአ።

ኣምላኽ ዝያዳ ነገራት ይገብር

“ብዙሓት ሰብ” ናብታ ሰላም ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ይኣትዉ፦ ቃል ኣምላኽ፡ ቍጽሮም ዘይፍለጥ “ብዙሓት ህዝቢ” ኻብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ወጺኦም፡ ናብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ከም ዚኣትዉ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 7:9, 10, 14፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ዜድሕኖም ከኣ እቲ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ዮሃንስ 1:29

መለኮታዊ ትምህርቲ ዓብዪ ረብሓ የምጽእ፦ ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ “ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:9) እዚ መለኮታዊ ትምህርቲ እዚ፡ ምስ ኣከባቢና ብምስምማዕ፡ ምስ ኵሎም ሰባት ብኸመይ ብስኒት ክንነብር ከም እንኽእል ዚገልጽ መምርሒታት ዝሓቘፈ እዩ። ኣምላኽ፡ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን፡ በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ብምባል ተመባጺዑ ኣሎ።—ኢሳይያስ 48:17

ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ካብ መቓብር ይትንስኡ፦ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ፈታዊኡ ዝነበረ ኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተንሲእዎ እዩ። (ዮሃንስ 11:1, 5, 38-44) እዚ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኽትገዝእ ምስ ጀመረት ብዝዓበየ ደረጃ እንታይ ከም ዚፍጸም ዜርኢ እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

ሰላምን ጽድቅን ንዘለኣለም ይሰፍን፦ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ፡ ዓመጻ ኣይኪህሉን እዩ። ብኸመይ ንፈልጥ፧ የሱስ ልቢ ኼንብብ ስለ ዚኽእል፡ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን ኪፈርድ ይኽእል እዩ። እቶም ንእኩይ መገድታቶም ኪቕይሩ ዘይደልዩ ሰባት፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኪነብሩ ኣይኪፍቀደሎምን እዩ።—መዝሙር 37:9, 10፣ ኢሳይያስ 11:3, 4፣ 65:20፣ ማቴዎስ 9:4

ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚመጽእ ዚንበዮ ዜደንቕ ነገራት፡ ሒደት ጥራይ ኢና ርኢና። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸተመሓድር ምስ ጀመረት፡ “ብዝሒ ሰላም” ንዘለኣለም ኪሰፍን እዩ። (መዝሙር 37:11, 29) ኵሉ ጠንቂ እቲ ኣብ ደቂ ሰብ ወሪዱ ዘሎ ስቓይን መከራን ኬኽትም እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ . . . እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ” ብምባል የረጋግጸልና እዩ።—ራእይ 21:5