ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ሓዳር፡ ሓጐስ ኪሰፍን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜሐጕስ ሓዳር ንኽንሃንጽ ዚህበና ምኽሪ ይዓዪ እዩ። ከመይሲ፡ ምንጩ፡ እቲ መስራቲ መውስቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓዳር ዜሐጕስ ንኽንገብሮ ኺሕግዘና ዚኽእል ባህርያት ከነማዕብል ይምህረና፡ ንሓዳር ኬፍርስ ዚኽእል ባህርያት ከነውግድ ድማ ይመኽረና እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሓዳር፡ ሓጐስ ኬስፍን ዚኽእል ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ከነማዕብል እውን ይምህረና እዩ።—ቈሎሴ 3:8-10, 12-14 ኣንብብ።

ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ኪከባበሩ ይግባእ። ክልቲኦም ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ግደ እንተ ተቐቢሎምዎ፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ቈሎሴ 3:18, 19 ኣንብብ።

ንሓዳር ነባሪ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ እንተ ዀይኖም፡ ከይተፈላለዩ ኺነብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣምላኽ ብኸመይ ክንፋቐር ከም ዘሎና ይምህረና እዩ። ንሱን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ብምርኣይ ፍጹም ኣብነት ገዲፎምልና እዮም።—1 ዮሃንስ 4:7, 8, 19 ኣንብብ።

ሰብ ሓዳር፡ ንመውስቦ፡ ስርዓት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሮም ብምርኣይ ዜኽብርዎ እንተ ዀይኖም፡ ብሓንሳእ ጸኒዖም ኪነብሩ እዮም። ኣምላኽ ንመወስቦ ነባሪ ዀይኑ ኪቕጽል እዩ መስሪትዎ። ነዚ ዚገበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ስድራ ቤታት ብቕሳነት ንኺነብራ ኢሉ እዩ። ንሰብኡትን ኣንስትን ብኣካላውን ብስምዒታውን መገዲ ተደጋጊፎም ኪነብሩ ኢሉ ስለ ዝፈጠሮም፡ መውስቦ ነባሪ ዀይኑ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብመልክዑ፡ ማለት ፍቕሩ ኼንጸባርቑ ብዚኽእልሉ መገዲ እዩ ፈጢርዎም።—ዘፍጥረት 1:27፣ 2:18, 24 ኣንብብ።