ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ማርያም መግደላዊት

“ንጐይታ ርእየዮ!”

“ንጐይታ ርእየዮ!”

 ማርያም መግደላዊት ንብዓት ካብ ኣዒንታ እናደረዘት ናብ ሰማይ ቅንዕ በለት። እቲ እተፍቅሮ ጐይታኣ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ነበረ። እዋኑ ጽድያ፡ ሰዓቱ ድማ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ፣ ኰይኑ ግና፡ “ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ!” (ሉቃስ 23:44, 45) ማርያም መግደላዊት መደረብታ ኣብ መንኵባ ገይራ ናብታ ኣብ ጥቓኣ ዝነበረት ሰበይቲ ተጸግዐት። እቲ ንሰለስተ ሰዓት ዝጸንሐ ጸልማት ብሰንኪ እቲ ንደቓይቕ ጥራይ ዚጸንሕ ግርደተ ጸሓይ ኣይኰነን ተኸሲቱ። ማርያምን እቶም ጥቓ የሱስ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኻልኦት ሰባትን ደሃይ እቶም ብለይቲ ጥራይ ዚስምዑ እንስሳታት ሰሚዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ነዚ ዚርእዩ ዝነበሩ ሰባት፡ “‘እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ’ እናበሉ ኣዝዮም ፈርሁ።” (ማቴዎስ 27:54) ሰዓብቲ የሱስን ካልኦትን ድማ፡ የሆዋ በቲ ኣብ ልዕሊ ወዱ እተገብረ ጭካነ፡ ቍጥዓኡን ጓሂኡን ዜርኢ ዘሎ መሲልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።

 ማርያም መግደላዊት ነቲ ዅነታት ደው ኢላ ምርኣይ ኸቢድዋ ነይሩ፡ ገዲፋቶ ኽትከይድ ግና ኣይከኣለትን። (ዮሃንስ 19:25, 26) የሱስ ከቢድ ስቓይ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣደ የሱስ ድማ መጸናንዕን ደገፍን የድልያ ነበረ።

 የሱስ ንማርያም ብዙሕ ገይሩላ እዩ፣ ንሳ እውን ብወገና እተኻእላ ዘበለ ኽትገብረሉ ድልውቲ እያ ነይራ። ከመይሲ፡ ኣብ ሓደ እዋን ስቡር መንፈስን ሕሱር ህይወትን ዝነበራ ሰበይቲ እያ ነይራ፡ የሱስ ግና ነዚ ዅሉ ቐዪርዎ እዩ። ዕግበትን ዕላማን ዘለዎ ህይወት ክትነብር ሓጊዝዋ እዩ። ንሳ ድማ ዓባይ እምነት ኣጥረየት። ብኸመይ፧ ንሕናኸ ኻብ እምነታ እንታይ ንምሃር፧

“ብገንዘበን የገልግላኦም ነበራ”

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዛንታ ማርያም መግደላዊት፡ ሓደ ነገር ከም እተዋህባ ብምግላጽ እዩ ዚጅምር። እወ፡ የሱስ ካብቲ ዝነበረቶ ጨቋኒ ባርነት ሓራ ብምውጻእ፡ ናጽነታ ሂብዋ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣጋንንቲ ጽልዋ የሕድሩ ነይሮም እዮም። እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኦም ንብዙሓት ሰባት የጥቅዑ ነይሮም እዮም፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ ናብ ሰባት ይኣትዉን ነቶም ሰባት ይቈጻጸርዎምን ነይሮም እዮም። ኣጋንንቲ ኣብ ልዕሊ ማርያም መግደላዊት እንታይ ዓይነት ጽልዋ ኸም ዝነበሮም ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ብሸውዓተ ሕሱማትን ብልሹዋትን ኣሳቐይቲ ተታሒዛ ኸም ዝነበረት ጥራይ ኢና እንፈልጥ። ሳላ የሱስ ክርስቶስ ድማ ብምሉኦም ወጹላ!—ሉቃስ 8:2

 እታ ሓራ ዝወጸት ማርያም፡ ሓድሽ ህይወት ጀመረት። እሞ ደኣ ሞሳኣ ብኸመይ እያ ገሊጻ፧ እምንቲ ሰዓቢት የሱስ ብምዃን እያ ገሊጻ። ብተወሳኺ ድማ ሓገዝ ኣብ ዜድሊ መዳይ ሓጊዛ እያ። የሱስን ሃዋርያቱን ምግብን ክዳንን መደቀስን የድልዮም ነይሩ እዩ። ሃብታማት ኣይነበሩን፡ ዓለማዊ ስራሕ እውን ኣይነበሮምን። ኣብ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ብስጋዊ መዳይ ሓገዝ የድልዮም ነይሩ እዩ።

 ማርያምን ካልኦት ኣንስትን ነዚ ጕድለት እዚ ሸፈናኦ። እተን ኣንስቲ “ብገንዘበን የገልግላኦም ነበራ።” (ሉቃስ 8:1, 3) ገሊአን ሃብታማት ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቈቍሸት ምግቢ ይኽሽናን ክዳውንቲ ይሓጽባን መሕደሪ የዳልዋን ምንባረን ኣይገልጽን እዩ። ነቶም ዳርጋ 20 ዚዀኑ ተጓዓዝቲ፡ ብፍታወን ይሕግዛኦም ነይረን እየን። ሳላ ሓገዘን ድማ የሱስን ሃዋርያቱን ምሉእ ኣትኵሮኦም ኣብ ዕዮ ስብከት ገበሩ። ማርያም ስለቲ የሱስ ዝገበረላ ነገር ውሬታ ኽትመልሰሉ ኸም ዘይትኽእል ትፈልጥ ነይራ እያ፣ ይኹን እምበር፡ እቲ ኽትገብሮ እትኽእል ገበረት።

 ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም ንኻልኦት ንምግልጋል ትሑት ስራሕ ዚሰርሑ ሰባት ይንዕቅዎም እዮም። ኣረኣእያ ኣምላኽ ግና ካብዚ እተፈልየ እዩ። ማርያም ብዓቕማ ንየሱስን ንሃዋርያቱን ክትድግፎም ከላ፡ ብእኣ ብዙሕ ተሓጒሱ እዩ! ሎሚ እውን ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት ንኻልኦት ንምሕጋዝ ትሑት ዕዮ ይዓይዩ እዮም። ሓድሓደ እዋን፡ ግብራዊ ሓገዝ ወይ ጥዑም ቃል ብዙሕ ይጠቅም እዩ። የሆዋ ድማ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ባህ ይብሎ እዩ።—ምሳሌ 19:17፣ እብራውያን 13:16

“ኣብ ጥቓ ጕንዲ ስቅያት የሱስ”

 ማርያም መግደላዊት ሓንቲ ኻብተን ኣብ ፋስጋ 33 ድ.ክ. ንየሱስ ናብ የሩሳሌም ዘሰነያኦ ብዙሓት ኣንስቲ እያ ነይራ። (ማቴዎስ 27:55, 56) የሱስ ብለይቲ ኸም እተታሕዘን ናብ ፍርዲ ኸም ዝቐረበን ምስ ሰምዐት ኣዝያ ሰምቢዳ ኽትከውን ኣለዋ። ጸኒሓ ድማ ዝገደደ ወረ ሰምዐት። ሹም ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ካብቶም ንሳቶም ዘናዓብዎም ህዝብን ጸቕጢ ስለ ዝበርትዖ፡ ንየሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ኺመውት ፈረዶ። ማርያም፡ ጐይታኣ ደምዩን ደኺሙን፡ ነቲ ነዊሕ ጕንዲ ስቅያቱ ጾይሩ እናተሳቐየ ኺስጕም ከሎ ርእያቶ ኽትከውን ኣለዋ።—ዮሃንስ 19:6, 12, 15-17

 ኣብቲ እተሰቕለሉ ቦታ ማርያም መግደላዊትን ካልኦት ኣንስትን፡ ብቐትሩ ድሕሪ ምጽልማቱ፡ “ኣብ ጥቓ ጕንዲ ስቅያት የሱስ” ደው ኢለን ነበራ። (ዮሃንስ 19:25) ማርያም ክሳዕ መወዳእታ ኣብኡ ስለ ዝነበረት፡ የሱስ ነቲ ዜፍቅሮ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ንኣዲኡ ሕድሪ ኺብሎ ኸሎ ርእያን ሰሚዓን እያ። የሱስ ካብ ስቓዩ እተላዕለ ናብ ኣቦኡ ኺጭርሕ ከሎ ሰሚዓ እያ። ነተን የሱስ ቕድሚ ሙማቱ ዘውስአን “ተፈጺሙ” ዚብላ ናይ መወዳእታ ቓላት እውን ሰሚዓ እያ። በዚ ዅሉ ድማ ኣዝያ ጐሃየት። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ድሕሪ ሙማቱ እውን ካብኡ ኣይከደትን። ደሓር ከኣ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ዝስሙ ሃብታም ንሬሳ የሱስ ዘቐመጠሉ ሓድሽ መቓብር ነበረት።—ዮሃንስ 19:30፣ ማቴዎስ 27:45, 46, 57-61

 ኣብነት ማርያም፡ ክርስትያናት ብጾትና ኸቢድ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ይምህረና እዩ። ንሓደ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኽንዓግቶ ወይ ንስቓይ እቲ ግዳያት ከነወግዶ ኣይንኽእልን ንኸውን። ርሕራሐን ትብዓትን ከነርኢ ግና ንኽእል ኢና። ኣብ እዋን ጸገም፡ ፈታዊኻ ኣብ ጐድንኻ ኸም ዘሎ ምፍላጥ ጥራይ ብዙሕ ይሕግዝ እዩ። ንእተሸገረ ፈታዊ ምሕጋዝ፡ ዓብዪ እምነት ከም ዘሎካ የርኢ፡ ንፈታዊኻ ድማ ብዙሕ የጸናንዖ እዩ።—ምሳሌ 17:17

ኣደ የሱስ በታ ኣብ ጐድና ዝነበረት ማርያም መግደላዊት ተጸናኒዓ ኽትከውን ኣለዋ

“ኣነ ኽወስዶ”

 ማርያም ሓንቲ ኻብተን ሬሳ የሱስ ኣብ መቓብር ምስ ተነብረ ንሬሳኡ ንምልካይ ሽቱ ዝዓደጋ ኣንስቲ እያ። (ማርቆስ 16:1, 2፣ ሉቃስ 23:54-56) ድሕሪ ሰንበት ድማ ኣንጊሃ ተንስአት። ንሳን ካልኦት ኣንስትን ናብ መቓብር የሱስ ንምኻድ ብጸልማት ኪጕዓዛ ኸለዋ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣለን። ኣብ መገዲ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ እቲ መቓብር እተነብረ ኣዝዩ ገዚፍ እምኒ መን ኸም ዜንከባልለለን ይሓስባ ነበራ። (ማቴዎስ 28:1፣ ማርቆስ 16:1-3) ይኹን እምበር፡ ንድሕሪት ኣይተመልሳን። እምነተን፡ እተኻእለን ዘበለ ኺገብራን ዝተረፈ ኸኣ ናብ የሆዋ ኺሓድጋኦን ደረኸተን።

 ማርያም ነተን ካልኦት ቀዲማ ናብቲ መቓብር በጽሐት። በቲ ዝረኣየቶ ኸኣ ብስምባደ ተዓኒዳ ተረፈት። እቲ እምኒ ተኣልዩ፡ እቲ መቓብር ድማ ጥራዩ ነበረ። ማርያም ስጕምቲ ንምውሳድ ድሕር ስለ ዘይትብል፡ ጐይያ ኸይዳ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ብዛዕባ እቲ ዝረኣየቶ ነገረቶም። እናላህልሀት፡ “ንጐይታና ኻብቲ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ድማ ኣይንፈልጥን ኢና” ኽትብሎም ከላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብቲ መቓብር እናጐየዩ ኸዱ፣ እቲ መቓብር ጥራዩ ኸም ዝዀነ ምስ ኣረጋገጹ ድማ፡ ነናብ ቤቶም ተመልሱ። aዮሃንስ 20:1-10

 ማርያም ናብቲ መቓብር ምስ ተመልሰት፡ ኣብኡ እተወሰነ እዋን ጸንሐት። ኣብታ ንግሆ እቲኣ፡ ስቕታ እቲ ባዶ መቓብር ንስምዒታ ረበሾ እሞ ኽትበኪ ጀመረት። ጐይታኣ ኣብኡ ዘይምህላዉ ፈጺማ ኽትኣምን ስለ ዘይከኣለት፡ ክትርኢ ናብቲ መቓብር ድንን በለት፣ በቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ድማ ኣዝያ ሰምበደት። ጻዕዳ እተኸድኑ ኽልተ መላእኽቲ፡ “ስለምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ፧” ኢሎም ሓተትዋ። ንሳ ድማ እናደንጸዋ፡ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ፣ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን እየ” ብምባል ድማ ከምቲ ነቶም ሃዋርያት ዝበለቶም ኢላ መለሰትሎም።—ዮሃንስ 20:11-13

 ንድሕሪኣ ግልጽ ምስ በለት ከኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ደው ኢሉ ረኣየት። መን ምዃኑ ኣየለለየቶን፣ ነቲ ቦታ ዚከናኸን ኣታኽልተኛ እዩ መሲልዋ። እቲ ሰብኣይ ድማ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ስለምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ፧ ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ፧” ኢሉ ብለውሃት ሓተታ። ማርያም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ። (ዮሃንስ 20:14, 15) እንታይ ከም ዝበለት እሞ ሕስብ ኣብሎ። እዛ ሰበይቲ ንበይናስ ንሬሳ እቲ ድልዱልን ብርቱዕን ሰብኣይ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ፡ ተሰኪማ ኽትወስዶ ምኸኣልትዶ ነይራ፧ ማርያም ብዛዕባ እዚ ኣይሓሰበትን። ክትገብሮ እትኽእል ክትገብር ከም ዘለዋ ጥራይ እያ እትሓስብ ነይራ።

“ኣነ ኽወስዶ”

 ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዚመስል ጓህን ዕንቅፋታትን ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንማርያም መግደላዊት ንመስላ ዲና፧ ኣብ ድኽመታትናን ኣብ ድሩት ዓቕምናን ጥራይ ነተኵር እንተ ዄንና፡ ፍርህን ጥርጣረን ኬልምሰና ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር እንተ ቘሪጽናን ዝተረፈ ናብ የሆዋ እንተ ገዲፍናዮን፡ ካብ ዝገመትናዮ ንላዕሊ ኺሰልጠና እዩ። (2 ቈረንቶስ 12:10፣ ፊልጲ 4:13) ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ኢና። ማርያም ከምኡ እያ ገይራ፡ የሆዋ ድማ ብዘይተለምደ መገዲ ዓስባ ሂብዋ እዩ።

“ንጐይታይ ርእየዮ!”

 እቲ ኣብ ፊት ማርያም ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ኣታኽልተኛ ኣይነበረን። የግዳስ ኣብ ሓደ እዋን ሃናጺ፡ ጸኒሑ መምህር፡ ደሓር ድማ ንማርያም ፍቑር ጐይታኣ ዝዀነ እዩ ነይሩ። ንሳ ግና ስለ ዘየለየየቶን፡ ገጻ መለሰት። ማርያም፡ የሱስ ሓያል መንፈስ ኰይኑ ከም ዝተንስአ ፈጺማ ኣይገመተትን። ዋላ እኳ ስጋ ለቢሱ እንተ ተራእያ፡ ነቲ ዝሰውኦ ስጋ ግና ኣይኰነን ለቢሱ። ስለዚ ድማ ኣብተን ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝነበራ መዓልትታት፡ እቶም ብቐረባ ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ከይተረፈ ኣየለልይዎን እዮም ነይሮም።—ሉቃስ 24:13-16፣ ዮሃንስ 21:4

 እሞ ደኣ የሱስ ንማርያም ብኸመይ እዩ መንነቱ ኣፍሊጥዋ፧ በቲ “ማርያም!” ኢሉ ዝጸውዓሉ መገዲ እዩ ኣፍሊጥዋ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ ኸምቲ ቕድሚኡ ብተደጋጋሚ እትጽውዖ ዝነበረት፡ ብእብራይስጢ “ረቡኒ!” በለቶ። እወ፡ እቲ እተፍቅሮ መምህር እዩ ነይሩ! ብሓጐስ ከኣ ፍንጭሕ በለት። ብኡብኡ ድማ ሓዘቶ፡ ክትፍንዎ እውን ኣይደለየትን።—ዮሃንስ 20:16

 የሱስ ንሓሳባታ ተረድኦ። “ኣይትሓዝኒ” ኸኣ በላ። ነዚ ቓላት እዚ ብፍሽኽታ ኺዛረባ ኸሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፣ ነተን ኣጽኒዐን ዝሓዛኦ ኣእዳዋ ቀስ ኣቢሉ እናኣልገሰ፡ “ገና ናብ ኣቦ ኣይዓረግኩን” በላ። ናብ ሰማይ ዚዓርገሉ ግዜ ኣይኣኸለን ነይሩ። ኣብ ምድሪ ገና ዚዓይዮ ዕዮ ነይርዎ እዩ፣ ኣብቲ ዕዮ ድማ ማርያም ክትሕግዞ ደለየ። ማርያም ከኣ ተሃንጥያ ትሰምዖ ነበረት። ንሱ ድማ፡ “ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ‘ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን፡ ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እዓርግ ኣለኹ’ በልዮም” በላ።—ዮሃንስ 20:17

 ጐይታኣ ዓብዪ ሓላፍነት እዩ ሂብዋ! ማርያም ሓንቲ ኻብቶም ነቲ ዝተስአ የሱስ ዝረኣዩ ቐዳሞት ደቀ መዛሙርቲ እያ ነይራ፣ ኣብዚ ድማ ነዚ ብስራት እዚ ንኻልኦት ክትነግር ተመዘዘት። ብታሕጓስ ተብተብ እናበለት ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽትከይድ ከላ ሕሰቦ። እናላህልሀት ድማ “ንጐይታ ርእየዮ!” ኽትብሎም ከላ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፣ ድሕሪኡ መሸም እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ኣእምሮኦም ንነዊሕ እዋን የቃልሓ ነይረን ኪዀና ኣለወን። ካብ ታሕጓስ ተላዒላ ኸኣ ንዅሉ እቲ የሱስ ዝበላ ብፍጥነት ነገረቶም። (ዮሃንስ 20:18) እቲ ዝነገረቶም ነገር ድማ ነቲ መቓብር የሱስ ጥራዩ ዝጸንሐን ካልኦት ኣንስቲ ዝነገራኦም ነገር ዜራጕድ እዩ ነይሩ።—ሉቃስ 24:1-3, 10

“ንጐይታ ርእየዮ!”

“ኣይኣመንወንን”

 እቶም ሰብኡትከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ፈለማ ብጽቡቕ ኣይመለሱን። “እዚ ዘረባ እዚ ግና፡ ሃተውቀጠው ኰይኑ ተራእዮም፡ ኣይኣመንወንን ከኣ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ሉቃስ 24:11) እዞም ካብ ጽቡቕ ሓሳብ እተበገሱ ሰብኡት እዚኦም ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ እምነት ኣብ ዘይነብሮ ማሕበረ ሰብ እዮም ዓብዮም፣ ብመሰረት ልምዲ ረቢታት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ኽትምስክር ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ምናልባት እቶም ሃዋርያት ከይተፈለጦም ብባህሎም ተጸልዮም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስን ኣቦኡን ግና ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልዋታት ሓራ እዮም። ነተን እሙናት ኣንስትስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዮም ሂቦምወን!

 ማርያም ብምላሽ እቶም ሰብኡት ኣይተበሳጨወትን። ከመይሲ፡ ጐይታኣ ኸም ዚኣምና ትፈልጥ ነይራ እያ፣ እዚ ድማ ንዓኣ እኹል እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ኵሎም ሰዓብቲ የሱስ፡ ኬብጽሕዎ ዚግባእ መልእኽቲ ተዋሂብዎም ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መልእኽቲ እዚ ‘ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ’ ይብሎ። (ሉቃስ 8:1) የሱስ ንሰዓብቱ ዅሉ ሰብ ከም ዚቕበሎም ወይ ንዕዮኦም ከም ዜኽብሮ ቓል ኣይኣተወሎምን። የግዳስ፡ ብኣንጻሩ ኸም ዚኸውን እዩ ነጊርዎም። (ዮሃንስ 15:20, 21) ስለዚ፡ ክርስትያናት ንማርያም መግደላዊት ኪዝክርዋ ኣለዎም። ዋላ እኳ እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋታ ኣይእመንዋ፡ ንሳ ግና የሱስ ከም ዝተንስአ ብታሕጓስ ኣበሲራ እያ!

 ድሕሪ ግዜ፡ የሱስ ንሃዋርያቱን ንኻልኦት ብዙሓት ሰዓብቱን ተራእይዎም እዩ። ሓደ እዋን ንልዕሊ 500 ብሓንሳእ ተራእይዎም እዩ! (1 ቈረንቶስ 15:3-8) ማርያም ንየሱስ ብዝረኣየቶ መጠን ወይ ንኻልኦት ከም እተራእዮም ብዝሰምዐት መጠን፡ እምነታ እናደልደለት ከይዳ ኽትከውን ኣለዋ። ማርያም መግደላዊት ሓንቲ ኻብተን መንፈስ ቅዱስ ኣብ የሩሳሌም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ ኪወርድ ከሎ፡ ኣብቲ ቦታ ኸም ዝነበራ እተጠቕሳ ኣንስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:14, 15፣ 2:1-4

 ዝዀነ ዀይኑ፡ ማርያም መግደላዊት ክሳዕ መወዳእታ እምንቲ ኸም ዝነበረት ርግጸኛታት ዚገብረና እኹል ምኽንያት ኣሎና። ንሕና እውን ከምኡ ንምግባር ንቝረጽ! ንዅሉ እቲ የሱስ ዝገበረልና እንተ ኣመስጊንና፡ ብሓገዝ ኣምላኽ እናተኣማመንና ኸኣ ንኻልኦት ብትሕትና እንተ ኣገልጊልና፡ ኣስኣሰር እምነት ማርያም መግደላዊት ክንስዕብ ኢና።

a ሓደ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ፡ ክርስቶስ ከም ዝተንስአ ኺነግረን ከሎ ማርያም ካብቲ ቦታ ኸይዳ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ከመይሲ፡ እንተ ትነብር ነይራ፡ መልኣኽ ከም ዝረኣየት እሞ ንሱ እውን ሬሳ የሱስ ኣብኡ ዘይሃለወሉ ምኽንያት ከም ዝነገረን ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ምነገረቶም ነይራ።—ማቴዎስ 28:2-4፣ ማርቆስ 16:1-8