ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ውሳነ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ጽቡቕ ውሳነ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ውሳነ ንምግባር ዚሕግዘና ብሉጽ መምርሒ ይህበና እዩ። ‘ጥበብን፡ ኣእምሮን ንምጥራይ’ ይሕግዘና እዩ። (ምሳሌ 4:5) ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ እቲ ብሉጽ ውሳነ እንታይ ምዃኑ ይነግረና እዩ። ኣብ ካልእ መዳያት ከኣ፡ ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር ዚሕግዘና ምኽሪ ይህበና እዩ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር ዚሕግዝ ምኽሪ

  •   ውሳነ ንምግባር ኣይትተሃወኽ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐራሕ . . . ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን” ይብል። (ምሳሌ 14:15) ብሃወኽ እንተ ወሲንካ፡ ኣገዳሲ ንዝዀነ ሓበሬታ ኸየስተብሃልካሉ ኽትሓልፍ ትኽእል ኢኻ። ንኣማራጺታትካ፡ ግዜ ወሲድካ ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ።—1 ተሰሎንቄ 5:21

  •   ኣብ ስምዒትካ ጥራይ ተመርኲስካ ውሳነ ኣይትግበር። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልብና ኸይንእመን፡ ኵሉ ሳዕ የጠንቅቐና እዩ። (ምሳሌ 28:26፣ ኤርምያስ 17:9) ንኣብነት ሓሪቕና፡ ጕሂና፡ ተስፋ ቘሪጽና፡ ዓቕልና ጸቢቡና፡ ወይ ኣዚና ደኺምና ኸለና፡ ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና።—ምሳሌ 24:10፣ 29:22

  •   ጥበብ ኪውሃበካ ጸሊ። (ያእቆብ 1:5) ኣምላኽ ንኸምዚ ዓይነት ጸሎት ኪምልሰሉ ባህ ይብሎ እዩ። ደቁ ኣብ ዘየድሊ ጸገማት ኪወድቁ ዘይደሊ ሓላዪ ኣቦ እዩ። “የሆዋስ ጥበብ ይህብ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ፍልጠትን ምስትውዓልን ይወጽእ።” a (ምሳሌ 2:6) ነዚ ጥበብ እዚ ኸኣ፡ በቲ እተጻሕፈ ቓሉ፡ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚህበና።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

  •   ምርምር ግበር። ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር ዜተኣማምን ሓበሬታ የድልየካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበበኛ ሰሚዑ ትምህርቲ ይውስኽ” ይብለና። (ምሳሌ 1:5) ሓጋዝን ዜተኣማምንን ሓበሬታ ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧

     ፈለማ ብዛዕባ እቲ ኽትውስኖ እትደልዮ ነገር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ርአ። ፈጣሪና ንዓና ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ፡ ኣብ ቃሉ ኣዝዩ ዜተኣማምን ምኽሪ ኣስፊሩልና ኣሎ። (መዝሙር 25:12) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንገሊኡ ውሳነታት ዚምልከት፡ ብመልክዕ ሕግታት ወይ ትእዛዛት ገይሩ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ዘየማትእ መምርሒ ይህበና እዩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) እንተዀነ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ መዳያት፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ፈልዩ ኣይዛረብን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመልክዕ ስርዓታት ገይሩ እዩ መምርሒ ዚህበና። እዚ ስርዓታት እዚ ኸኣ፡ ንብሕታዊ ምርጫታትና ኣብ ግምት ዘእተወ ቕኑዕ ውሳነ ኽንገብር ይሕግዘና እዩ። ምስቲ ጕዳይ ዝሰማማዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ንምርካብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ዓንቀጻት ወይ ሕታማት ምርምር ግበር። እዚ ኸኣ ኣብዚ ወብሳይት እዚ፡ ብናጻ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። b

     ኣብ ገሊኡ እትገብሮ ውሳነታት፡ ካልእ እሙን ምንጪ ሓበሬታ ኽትምርምር የድልየካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ሓደ ነገር ቅድሚ ምዕዳግካ፡ ብፍላይ ድማ ኽቡር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እተሰርሓሉ ቦታ፡ ውሕስነቱ፡ ማለት እንተ ተበላሽዩ፡ ክትመልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ኣቐዲምካ ምምርማር ጥበባዊ እዩ። እቲ እትዕድጎ ነገር፡ ከምቲ እትደልዮ ምዃኑ ኸተረጋግጽ ኣሎካ።

     መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል” ይብል። (ምሳሌ 15:22) ስለዚ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ ምስ እሙናት ሰባት ተማኸር። ንኣብነት፡ ንሕክምና ብዚምልከት ውሳነ ቅድሚ ምግባርካ፡ ሓኪም ከተማኽር ጥበባዊ እዩ። (ማቴዎስ 9:12) ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ምስ ኵነታትካ ዚመሳሰል ዘጋጠሞም ሰባት ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ክትዝክሮ ዘሎካ ግና፡ ኣብቲ ጕዳይ እትውስንን ውጽኢት ውሳነኻ እትስከምን ባዕልኻ ደኣ እምበር፡ እቶም ዘማኸሩኻ ኣይኰኑን።—ገላትያ 6:4, 5

  •   ኣመዛዝን። ኣብቲ ዝኣከብካዮ ሓበሬታታት ተመርኲስካ፡ ዝርዝር ኣማራጺታትን ጥቕሙን ጕድኣቱን ጽሓፍ። ብቕንዕና ኸኣ፡ ውሳነታትካ ብዛዕባ ዜስዕቦ ሳዕቤናት ኣብ ግምት ኣእቱ። (ዘዳግም 32:29) ንኣብነት፡ እትገብሮ ውሳነ ንዓኻ፡ ንስድራ ቤትካ፡ ወይ ንኻልኦት ሰባት ብኸመይ ይትንክፎም፧ (ምሳሌ 22:3፣ ሮሜ 14:19) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት፡ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ እንተ ደኣ ሓሲብካሉ፡ ጥበባውን ፍቕራውን ውሳነታት ክትገብር ኪሕግዘካ እዩ።

  •   ወስን። ሓድሓደ ግዜ ስለ እንጠራጠር፡ ከይወሰንና ንተርፍ ንኸውን። ከይወሰንና እንተ ተሪፍና ድማ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ይሓልፈና ወይ ከኣ ኣብ ሕማቅ ኵነታት ክንውድቕ ንኽእል ኢና። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከይወሰንካ ምትራፍ፡ ምስ ሕማቕ ውሳነ ምግባር ሕደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኽንርድኦ ንምሕጋዝ፡ ምስ ማሕረስ ኣተሓሒዙ፡ “ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፣ ንደበና ዚርኢ ኸኣ ኣይዓጽድን” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።—መክብብ 11:4

 እቲ ዝበለጸ ውሳነ እውን እንተ ዀነ፡ ፍጹም ከም ዘይኰነ ዘክር። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ነገር ክትመርጽ ከለኻ፡ ካልእ ነገር ትስውእ ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ዘይተጸበኻዮ ነገር ኬጋጥም ይኽእል እዩ። (መክብብ 9:11) ስለዚ፡ ክትረኽቦ እትኽእል ዝበለጸ ሓበሬታ ተጠቒምካ፡ ኬዐውተካ ዚኽእል ውሳነ ምረጽ።

 ቅድሚ ሕጂ ንዝገበርክዎ ውሳነ ክቕይሮዶ፧

 ኵሉ እቲ እንገብሮ ውሳነታት፡ ናይ መወዳእታ እዩ ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይሲ፡ኵነታትና ኪቕየር ወይ ከኣ እቲ ኣቐዲምና ዝገበርናዮ ውሳነ ዘይተጸበናዮ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዝገበርናዮ ውሳነ ዳግመ ግምት ክንገብረሉን ካልእ ዚሓይሽ ውሳነ ክንመርጽን ጥበባዊ እዩ።

 ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ውሳነታት ኪልወጥ የብሉን። (መዝሙር 15:4) ንኣብነት፡ ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳሮም ኪጸንዑ እዩ ዚደልዮም። c (ሚልክያስ 2:16፣ ማቴዎስ 19:6) ኣብ ሓዳር ጸገም ኬጋጥም ከሎ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ብዙሕ ጻዕሪ ደኣ ኺግበር ኣለዎ እምበር፡ ሓዳር ምብታን ኣማራጺ ኣይኰነን።

 ክቕይሮ ዘይክእል ውሳነ ገይረ እንተ ዀይነኸ፧

 ኣብ ገለ እዋን፡ ኵላትና ሕማቕ ውሳነ ንገብር ኢና። (ያእቆብ 3:2) ጣዕሳን ጓህን እውን ይስምዓና ይኸውን፣ እዚ ኸኣ ንቡር እዩ። (መዝሙር 69:5) ብፍላይ እኳ ነቲ ጌጋ ኸይንደግሞ ዚሕግዘና ምስ ዚኸውን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ብእተወሰነ ደርጃ ኪህልወና ጽቡቕ እዩ። (ምሳሌ 14:9) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጕድኣት ኬስዕብ ዚኽእል ካብ መጠን ዝሓለፈ ጓሂ ኸይህልወና ይመኽረና እዩ። (2 ቈረንቶስ 2:7) d “የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን ” ምዃኑ እውን ይነግርና እዩ። (መዝሙር 103:8-13) ስለዚ፡ ካብቲ ዝገበርናዮ ኽንቅይሮ ዘይንኽእል ሕማቕ ውሳነ ንምሃር፡ ብእተኻእለና መጠን ከኣ ከነመሓይሽ ንጽዓር።

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18

b ምስቲ ኽትውስኖ ደሊኻ ዘለኻ ዚሰማማዕ ቃል ብምምራጽ፡ ኣብ jw.org ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። እዚ ወብሳይት እዚ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ዝሓዘ ኣርእስቲ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚርከብ “መሐበሪ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ” ተጠቒምካ፡ ዝደለኻዮ ቓላት ክትፍትሽ ትኽእል ኢኻ።

c ሰብ ሓዳር ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ፡ ብሓደ ኺነብሩ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ፍትሕን ተፋቲሕኻ ምምርዓውን ዚፈቅድ፡ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ እንተ ደኣ ዘምዩ ጥራይ እዩ። (ማቴዎስ 19:9) ኣብ ሓዳርካ ጸገም የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍቕራውን ብጥበባውን መገዲ ኽትፈትሖ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

d ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ “በደለኛ ኸም ዝዀንኩ ይስምዓኒ—መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።