ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በደለኛ ኸም ዝዀንኩ ይስምዓኒ—መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧

በደለኛ ኸም ዝዀንኩ ይስምዓኒ—መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንስምዒት በደለኛነት ብጥበብ ክንዋጽኣሉ ይሕግዘና እዩ። (መዝሙር 32:1-5) ጌጋ ምስ ገበርና ናይ ሓቂ ጣዕሳ እንተ ኣርኢና፡ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና፡ ናብ ንቡር ክንምለስ ከኣ ኪሕግዘና እዩ። (መዝሙር 86:5) መጽሓፍ ቅዱስ ስምዒት በደለኛነት፡ ሓድሓደ ግዜ ጠቓሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል የርኢ እዩ። እዚ ስምዒት እዚ፡ ነቲ ግጉይ ኣካይዳና ኽንእርም፡ ንዚመጽእ ከይንደግሞ ኸኣ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ይሕግዘና። (መዝሙር 51:17፣ ምሳሌ 14:9) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኽቱር ስምዒት በደለኛነት ከይንውሓጥ፡ ማለት ተስፋ ኸይንቘርጽ ወይ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዋጋ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ኸይነፍቅድ ይምዕደና እዩ። ስለምንታይሲ፡ ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ስምዒት ‘ብብዝሒ ጓሂ ኸም እንወሓጥ’ ኪገብረና ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 2:7

 ጠንቂ ስምዒት በደለኛነት እንታይ እዩ፧

 ብእተፈላለየ ምኽንያት በደለኛ ኸም ዝዀንና ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ንፈተውትና ኸም ዝበደልና ወይ ካብቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኣነባብራ ኸም ዝጐደልና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ገለ ዘይገበርና ኽነስና፡ ከም ዝበደልና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ መለክዒታት እንተ ኣውጺእና፡ ነቲ ዘውጻእናዮ መለክዒ ኸይፈጸምናዮ እንተ ተሪፍና፡ ዘየድሊ ስምዒት በደለኛነት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ትጽቢት ኪህልወና ዜተባብዓና።—መክብብ 7:16

 ንስምዒት በደለኛነት ብኸመይ እየ ኽዋጽኣሉ ዝኽእል፧

 ብዝፈጸምካዮ በደል ተስፋ ኻብ ምቝራጽ፡ ነቲ ጌጋ ንምዕራይ እተኻእለካ ግበር። ብኸመይ፧

  •   በደልካ ተኣመን። የሆዋ a በደልካ ኺሓድገልካ ጸሊ። (መዝሙር 38:18፣ ሉቃስ 11:4) እንተ ተነሲሕኻን ናይ ሓቂ ጣዕሳ እንተ ኣርኢኻን ነቲ ጌጋ ኸይትደግሞ ዚከኣለካ እንተ ጌርካን፡ ኣምላኽ ከም ዚሰምዓካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (2 ዜና መዋእል 33:13፣ መዝሙር 34:18) ኣምላኽ ነቲ ማንም ሰብ ኪርእዮ ዘይክእል ልቢ እዩ ዚርኢ። ንሱ እሙንን ጻድቕን ስለ ዝዀነ ነቲ ግጉይ ኣካይዳና ኽንሓድጎ ምስ እንጽዕር ሓጢኣትና ይሓድገልና እዩ።—1 ዮሃንስ 1:9፣ ምሳሌ 28:13

     ርግጽ እዩ፡ ዝበደልካዮ ሰብ እንተ ኣልዩ፡ በደልካ ኽትእመንን ብቕንዕና ኻብ ልቢ ይቕረታ ኽትሓትትን ኬድልየካ እዩ። እዚ ኸኣ ቀሊል ኣይኰነን፣ ትብዓትን ትሕትናን ዚሓትት እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ልቢ ይቕረታ ምሕታት፡ ነዚ ዚስዕብ ክልተ ኣገደስቲ ነገራት የፍሪ፦ (1) ከቢድ ጾር የቕልለልካ፡ (2) ምስቲ ሰብ ከኣ ሰላም ይፈጥረልካ።—ማቴዎስ 3:8፣ 5:23, 24

  •   ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ዚገልጽ ጥቕስታት ኣስተንትን። ንኣብነት፡ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 ርአ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ‘ልብና ኸም ዚዅንነና’ ይገልጽ። እዚ ኸኣ፡ ንፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዘይንበቅዕ ኰይኑ ይስምዓና ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ እታ ጥቕሲ፡ “ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓቢ” ብምባል ትገልጽ እያ። ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዓቢ ብኸመይ እዩ፧ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጠና፡ ስምዒትናን ድኽመትናን ይርድኦ እዩ። ዘይፍጹማት ኴንና ኸም እተወለድናን ናይ ምግጋይ ዝንባለ ኸም ዘሎናን ይፈልጥ እዩ። b (መዝሙር 51:5) ስለዚ፡ ነቶም በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ናይ ሓቂ ጣዕሳ ዜርእዩ ኣይነጽጎምን እዩ።—መዝሙር 32:5

  •   ኣብ ሕሉፍ ጌጋታትካ ኣይተተኵር። መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣበሱ፡ ደሓር ግና ኣካይዳኦም ዝቐየሩ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ዚገልጽ ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ። ሓደ ኣብነት፡ እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ ብዚብል ዚፍለጥ ዝነበረ ሳኦል ብዓል ጠርሴስ እዩ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ የሱስ ብርቱዕ መስጐጕቲ ዘውረደ ፈሪሳዊ እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:3፣ 9:1, 2, 11) ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ይቃወም ከም ዘሎ ምስ ተማህረ፡ ተነሲሑ ኣካይዳኡ ብምልዋጥ ኣብነታዊ ክርስትያን ኰይኑ። ርግጽ እዩ፡ ጳውሎስ፡ ዓሚቝ ጣዕሳ ኣርእዩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ሕሉፍ ጌጋታቱ ኣየተኰረን። ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ምሕረት ብምግንዛብ፡ ቀናእ ሰባኺ ዀነ። ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ፈጺሙ ኣይረስዖን።—ፊልጲ 3:13, 14

 ብዛዕባ በደለኛነትን ይቕረ ምባልን ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

 መዝሙር 51:17፦ “ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ብዝገበርካዮ ጌጋ ኻብ ልቢ እንተ ተጣዒስካ ኣይነጽገካን እዩ። ናይ ሓቂ ምሕረት እዩ ዜርኢ።

 ምሳሌ 28:13፦ “ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣ ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ።”

 ትርጉሙ፦ ሓጢኣትና እንተ ተኣሚንናን ኣካይዳና እንተ ኣዐሪናን፡ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና እዩ።

 ኤርምያስ 31:34፦ “ስሕተቶም ይቕረ ኽብል፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።”

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ምሕረቱ ናይ ሓቂ ስለ ዝዀነ፡ ሓንሳእ ይቕረ እንተ ኢሉልና፡ ንኣበሳና ኣየዘኻኽረናን እዩ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—ዘጸኣት 6:3

b ካብ እንውለድ ኣትሒዝና ጌጋ ንምግባር እንዘዙ፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት እዩ። ኣዳምን ሰበይቱ ሄዋንን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኦም፡ ፍጹም ህይወት ከኣ ንርእሶምን ንዘርኦምን ኣጥፊኦም።—ዘፍጥረት 3:17-19፣ ሮሜ 5:12