ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ለበዳ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ለበዳ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት፡ ለበዳ (ማለት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዚልዓል ሕማም፡ እንተላይ ለብዒ) ኸም ዜጋጥም ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:11) ከምዚ ዓይነት ለበዳ ግና፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መቕጻዕቲ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ብመንግስቱ ኣቢሉ ንዅሉ ጸገማት ጥዕና፡ እንተላይ ንለበዳ ኼወግዶ እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ለበዳ ተነብዩ ድዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኸም ኮቪድ-19፡ አይድስ፡ ወይ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ዝኣመሰለ ለበዳ ወይ ሕማም፡ ስም ጠቒሱ ኣይንበይን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ “ለበዳን” “መቕዘፍትን” ተነብዩ እዩ። (ሉቃስ 21:11፣ ራእይ 6:8) እዚ ፍጻመታት እዚ፡ ሓደ ኽፋል ምልክት እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዩ፣ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ማቴዎስ 24:3

 ኣምላኽ ንሰባት ብሕማም ቀጺዕዎም ይፈልጥ ድዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ብሕማም ገይሩ ንሰባት ዝቐጽዓሉ ሒደት እዋናት ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንገሊኦም ሰባት፡ ድዉያት ከም ዚዀኑ ገይሩ እዩ። (ዘሁልቍ 12:1-16፣ 2 ነገስት 5:20-27፣ 2 ዜና መዋእል 26:16-21) ኰይኑ ግና፡ እዚ ፈሊኻ ዝወረደ መቕጻዕቲ እምበር፡ ኣብቶም ንጹሃት ሰባት እውን እተላብዐ ብዘይ ኣፋላላይ ዝወረደ ለበዳ ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቶም ካብ ኣምላኽ ዝዓለዉ ውልቀ ሰባት ዝወረደ ፍርዲ እዩ ነይሩ።

 ሎሚ ዘሎ ለበዳ፡ መቕጻዕቲ ኣምላኽ ድዩ፧

 ኣይፋልን። ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ፡ ለበዳን ካልእ ሕማምን ተጠቒሙ ንሰባት ከም ዚቐጽዕ ይገልጹ እዮም። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይድግፎን እዩ። ስለምንታይ፧

 ሓደ ምኽንያት፡ ጥንቲ ዀነ ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ሕማም ኣጋጢምዎም ስለ ዚፈልጥ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ እሙን ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ‘ዚመላለስ ሕማም’ ነይርዎ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:23) መጽሓፍ ቅዱስ ግና ነቲ ሕማሙ፡ ስምረት ኣምላኽ ምስ ምስኣን ኣየተሓሕዞን እዩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይሓምሙ እዮም። እዚ ግና፡ ብምኽንያት ግዜን ኣጋጣምን እዩ።—መክብብ 9:11

 ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንእኩያት ዚቐጽዓሉ እዋን ገና ኸም ዘይኣኸለ ይምህር እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ “መዓልቲ ድሕነት” ንነብር ከም ዘለና እዩ ዚምህር፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰብ ናብኡ ብምቕራብ ኪድሕኑ ዕድመ የቕርበሎም ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 6:2) ነዚ ዕድመ እዚ ዜቕርበሉ ሓደ መገዲ፡ በቲ ኣወንታዊ መልእኽቲ ዝሓቘፈ ኣብ መላእ ዓለም ዚስበኽ ዘሎ “ብስራት መንግስቲ” ኣቢሉ እዩ።—ማቴዎስ 24:14

 ለበዳ ይጠፍእ ደዀን ይኸውን፧

 እወ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕማም ዘይህልወሉ እዋን ከም ዚመጽእ ይንበ እዩ። ኣምላኽ ብመንግስቱ ኣቢሉ ንዅሉ ጸገማት ጥዕና ኺፈትሖ እዩ። (ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6) ንመከራን ስቓይን ሞትን እውን ኬወግዶ እዩ። (ራእይ 21:4) ነቶም ዝሞቱ ሰባት ኣተንሲኡ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ኵነታት፡ ጽቡቕ ጥዕና ሃልይዎም ኣብ ምድሪ ኸም ዚነብሩ ኺገብር እዩ።—መዝሙር 37:29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

 ብዛዕባ ሕማም ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

 ማቴዎስ 4:23 “[የሱስ] ኣብ ምኵራባቶም እናመሃረን ብስራት መንግስቲ እናሰበኸን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየን ኣብ ብዘላ ገሊላ ዞረ።”

 ትርጉም፦ ተኣምራት የሱስ፡ ንእሽቶ መርኣያ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰብ እትገብረሎም ነገራት እዩ ነይሩ።

 ሉቃስ 21:11 “ለበዳ ኪኸውን እዩ።”

 ትርጉም፦ ኣብ ብዙሕ ቦታ ዜስፋሕፍሕ ጸገማት ጥዕና፡ ክፍሊ ምልክት እተን ዳሕሮት መዓልትታት እዩ።

 ራእይ 6:8 ‘ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ ጨላይ ፈረስ፣ ስም እቲ እተወጥሖ ድማ ሞት እዩ። መቓብር እውን ደድሕሪኡ ይስዕቦ ነበረ። ብመቕዘፍቲ ገይሮም ኪቐትሉ ስልጣን ተዋህቦም።’

 ትርጉም፦ እቲ ብዛዕባ እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ዚገልጽ ትንቢት፡ ኣብዚ እዋንና ለበዳ ኸም ዚህሉ ይሕብር።