ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ድዩ፧

ተስፋ ምውታት—ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ተስፋ ምውታት—ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ምዉታት እንደገና ብህይወት ከም ዚነብሩ ጌርካ ምሕሳብሲ ዕሽነት ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ ገይሩ ይሓስቦ ኣይነበረን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ “ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርና፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና። ሕጂ ግና፡ ክርስቶስ በዅሪ እቶም ዝዓረፉ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 15:19, 20) ጳውሎስ ንትንሳኤ ርጉጽ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ትንሳኤ የሱስ ከኣ መተኣማመኒ ዀይንዎ ነበረ። * (ግብሪ ሃዋርያት 17:31) የሱስ እቲ ናይ መጀመርታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝተንስአ ብምዃኑ ድማ እዩ፡ ጳውሎስ “በዅሪ” ኢሉ ዝጸውዖ። የሱስ ናይ መጀመርታ እንተ ደኣ ነይሩ፡ ካልኦት ከም ዚህልዉ ፍሉጥ እዩ።

እዮብ ንኣምላኽ፡ “ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ” በሎ።—እዮብ 14:14, 15

ንተስፋ ትንሳኤ ርግጸኛ ኽትኰነሉ እትኽእል ካልእ ምኽንያት እስከ ርአ። የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ እዩ። “ኪሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ” ድማ እዩ። (ቲቶስ 1:2) የሆዋ ፈጺሙ ሓስዩ ኣይፈልጥን፡ ንመጻኢ እውን ኣይኪሕሱን እዩ። ተስፋ ትንሳኤ ሂቡን ንሰባት ኬተንስእ ከም ዚኽእል ኣርእዩን ኬብቅዕሲ፡ ብድሕሪዚ ንመብጽዓታቱ ኸይፈጸሞ ይተርፍዶ፧ እዚ ፈጺሙ ዘይመስል እዩ!

የሆዋ፡ ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ኺህሉ ዝመደበ ስለምንታይ እዩ፧ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ። እዮብ፡ “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧” ብምባል ሓተተ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡ ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ” በለ። (እዮብ 14:14, 15) እዮብ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኡ ንኼተንስኦ ሃረር ከም ዚብል ይተኣማመን ነበረ። እሞኸ፡ ኣምላኽ ተለዊጡ ድዩ፧ የሆዋ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ” በለ። (ሚልክያስ 3:6) ኣምላኽ፡ እቶም ዝሞቱ ተንሲኦም፡ ጥዑያትን ሕጉሳትን ኰይኖም ኪርእዮም ገና ይናፍቕ እዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ውሉዱ ብሞት ዝሰኣነ ፈቃር ወላዲ ዚምነዮ እዩ። እቲ ፍልልይ፡ ኣምላኽ ዝደለዮ ንኺገብር ዜኽእሎ ሓይሊ ዘለዎ ብምዃኑ እዩ።—መዝሙር 135:6

ሞት ከቢድ ሽግር እዩ፡ ኣምላኽ ግና ፍጹም መፍትሒ ኣለዎ

የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ነቶም ብሰንኪ ሞት ዜፍቅርዎም ሰባት ዝሓዘኑ፡ ደረት ዘይብሉ ሓጐስ ኬምጽኣሎም እዩ። የሱስከ ብዛዕባ ትንሳኤ ኸመይ እዩ ዚስምዖ፧ ንኣልኣዛር ቅድሚ ምትንሳኡ፡ ነቲ ኣሓት ኣልኣዛርን ፈተውቱን ዝነበሮም ከቢድ ጓሂ ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን “ነብዐ።” (ዮሃንስ 11:35) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ እንኮ ወዳ ብሞት ዝሰኣነት ኣብ ናይን እትነብር ዝነበረት መበለት ኣጓነፈቶ። ንሱ “ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ፡ ‘ኣይትብከዪ’ እውን በላ።” ብኡብኡ ኸኣ ንወዳ ኣተንስኦ። (ሉቃስ 7:13) ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ብሓዘንን ብሞትን ኣዝዩ ይጕሂ እዩ። ኣብ ብዘላ ዓለም ንሓዘን ናብ ደስታ ምስ ለወጦ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኺሕጐስ!

ሓዘን ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ሞት መፍትሒ ዘይብሉ ሽግር ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እንተዀነ ግና መፍትሒ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ እቲ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ዚፍጽሞ ትንሳኤ እዩ። ኣምላኽ ነዚ መፍትሒ እዚ ኽትርእዮ ይደልየካ እዩ። ነቶም እተፍቅሮም ሰባት ሓንጐፋይ ኢልካ ምእንቲ ኽትቅበሎም፡ ኣብኡ ኽትህሉ እዩ ዚደልየካ። ነቲ ንዘለኣለማዊ መጻኢ ሓቢርካ መደብ እተውጽኣሉን ፈጺምካ ዘይትፈላለየሉን ግዜ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ!

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ላዮነል፡ “ድሕሪ ግዜ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ተመሃርኩ። ኣብ መጀመርታ፡ ነዚ ንኽኣምኖ ኸቢዱኒ ነበረ፣ ነቲ ብዛዕባ እዚ ዝነገረኒ ሰብ እውን ኣይኣመንክዎን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መርመርኩ ግና ሓቂ ዀይኑ ረኸብክዎ! ንኣባሓጎይ እንደገና ኽርእዮ ኣዝየ እየ ዝህንጠ” በለ።

ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ትንሳኤ ምሉእ ምትእምማን ዘለዎም ስለምንታይ ምዃኑ ተሓጒሶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኼርእዩኻ ይኽእሉ እዮም። *

^ ሕ.ጽ. 3 የሱስ ከም ዝተንስአ መረጋገጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ገጽ 78-86 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 በጃኻ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ።