ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቪድዮታት መጽሓፍ ቅዱስ—ኣገዳሲ ትምህርትታት

እዚ ሓጸርቲ ትምህርትታት ቪድዮ እዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ንዝኣመሰለ ኣገዳሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምልሶ፦ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧ ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ዩኒቨርስ ተፈጢሩ ድዩ፧

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ፍጥረት ግጉይ ርድኢት ኣሎ፣ አረ ገሊኦምሲ ጽውጽዋይ እዩ ዚመስሎም። እሞ ደኣ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ ኪእመን ዚኽእል ድዩ፧

ኣምላኽ ብሓቂ ኣሎዶ፧

ብኣምላኽ ምእማን ርትዓዊ ዝዀነሉ መርትዖ መርምር።

ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧

ኣምላኽ ብዙሕ መዓርጋት ኣለዎ፣ ንኣብነት፡ ኵሉ ዚኽእል፡ ፈጣሪ፡ ጐይታ ይብሃል እዩ። ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ።

ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክትምስርት ትኽእል ዲኻ፧

ንሓያሎ ዘመናት፡ ሰባት ንፈጣሪኦም ኪፈልጥዎ ኸም ዘለዎም እዩ ኺስምዖም ጸኒሑ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓርኪ ኣምላኽ ክንከውን ይሕግዘና እዩ። እቲ ዕርክነት እቲ ድማ፡ ስሙ ብምፍላጥ እዩ ዚጅምር።

ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧

ሰባት ዝጸሓፍዎ እንተ ዀይኑ፡ ቃል ኣምላኽ ኪብሃል ይከኣል ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መን ሓሳባት ሒዙ ኣሎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ድዩ፧

ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ኵሉ ኻልእ መጻሕፍቲ እተፈልየ መጽሓፍ ኪኸውን ኣለዎ

ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧

ዓለምና ብውቁብ ነገራት መሊኣ ኣላ። ካብ ጸሓይ ኣብ ግቡእ ርሕቀት ኣንቢርዋ፡ ብልክዕ መጠን ቅንን ኣቢልዋ፡ ብልክዕ ፍጥነት ዑደት ከም እትገብር ገይርዋ። ኣምላኽ ንምድሪ ኸምዚ ገይሩ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧

ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧

ኣብ ህይወትካ ናይ ሓቂ ሓጐስን ትርጉምን ብኸመይ ክትረክብ ከም እትኽእል ርአ።

ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧

ከምቲ ኣልኣዛር ዝተንስአ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ምዉታት ዚትንስኡሉ እዋን ከም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ።

ገሃነም እሳት ቦታ ስቓይ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል ካብ ኰነ፡ ንሰባት ብሕሉፍ ጌጋታቶም ከቶ ኣየሳቕዮምን እዩ።

የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፡ ወይስ ክልቲኦም በበይኖም እዮም፧

የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧

ሞት የሱስ ዓብዪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። የሱስ ንምንታይ ዕላማ እዩ ሞይቱ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ካብ ካልእ ጕዳይ ብዝያዳ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ምሂሩ። ሰዓብቱን እውን እታ መንግስቲ ኽትመጽእ ንዘመናት ጸልዮም እዮም።

ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ጀሚራ

ልዕሊ 2,600 ዓመት ይገብር፡ ኣምላኽ ንሓደ ሓያል ንጉስ ትንቢታዊ ሕልሚ ኣርኣዮ፣ እዚ ሕልሚ እዚ ኸኣ ሕጂ ይፍጸም ኣሎ።

ካብ 1914 ንደሓር ዓለም ተለዊጣ

ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘሎ ዅነታትን ጠባያትን፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” እተነበዮ ትንቢታት ይፍጸም ከም ዘሎ ይሕብር።

ባህርያዊ ሓደጋታት ካብ ኣምላኽ ድዩ፧

ክልተ ግዳያት ባህርያዊ ሓደጋታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም እተማህራ ይገልጻ።

ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ብዙሓት ሰባት ስለምንታይ ዓለም ብጽልእን ብመከራን ከም ዝመልአት ይሓትቱ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብን ዜጸናንዕን መልሲ ይህብ እዩ።

ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ይቕበሎ ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሃይማኖት ዝመረጽካ እንተ መረጽካ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ይኣምኑ።

ምስልታት ኣብ ኣምልኾ ምጥቃምሲ ኣምላኽ ይቕበሎ ድዩ፧

ናብ ዘይንርእዮ ኣምላኽ ንምቕራብ ምሓገዘዶ፧

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧

ሓደ ሰብ ብስስዐ ተላዒሉ እንተ ጸልዩስ ይምልሰሉዶ፧ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣብ ገዛ እናገፍዐ፡ ንጽብሒቱ በረኸት ኣምላኽ እንተ ለሚኑኸ፧

ኣምላኽ ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

ኣምላኽ ጽቡቕ ሓዳር ኪህልወካ እዩ ዚደሊ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ምኽሪ ንብዙሓት ሰብ ሓዳር ሓጊዝዎም እዩ።

ስእለ ጽዩፍ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት ድዩ፧

ንምዃኑ እታ “ስእለ ጽዩፍ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣላዶ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ ስእለ ጽዩፍ እንታይ ከም ዚስምዖ ብኸመይ ንፈልጥ፧