ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንስራሕካ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉ

ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ፧

ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ፧

ኣሌክስ፡ ካርቶን ተሰኪሙ ኣብ ማኪና ጽዕነት እቲ ዚሰርሓሉ ትካል ኪጽዕን ከሎ፡ ‘ኡፍ’ ኢሉ ኣስተንፈሰ እሞ፡ ‘ስለምንታይ እየ ኣብዚ ዕቤት ክትገብር ዘየኽእል ስራሕ ዝጸንሕ፧ መዓስ ኰን እየ ኽዕወት፧ ክሰርሕ እንተ ዘይግደድ ነይረ፡ ህይወተይ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዝሓሸት ምዀነት ነይራ!’ ብምባል ሓሰበ።

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከም ኣሌክስ፡ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ኪሰርሑ ባህ ኣይብሎምን እዩ። ኣሮን ዝስሙ መካኒክ፡ “ብዙሓት ሰባት ‘ንዑቕ’ ስራሕ ምስራሕ ምስ ደረጃኦም ዘይከይድ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “‘ካልእ ዝሓሸ ናይ ስራሕ ዕድል ክሳዕ ዝረክብ እየ ኣብዚ ዝሰርሕ ዘለኹ’ ዚብል ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም” በለ።

ሓያሎ ሰባት ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ፡ ንዕኦም ዘይከውን ኰይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧ ምናልባት ብመራኸቢ ብዙሓን ተጸልዮም ኪዀኑ ስለ ዚኽእሉ እዮም፣ ከመይሲ፡ መራኸቢ ብዙሓን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ምሹእን ጣዕሚ ዘለዎን ናብራ እየን ከም “ብሉጽ” ህይወት ገይረን ዜቕርባኦ። ማቲው ዚብሃል ሰራሕተኛ ጽገና፡ “ብዙሓት ሰባት፡ ‘ድራር ዕለት ንምምእራር ኣበርቲዕካ ኽትጽዕር ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፡ ዘይዕዉት ምዃንካ እዩ ዜርኢ’ ዚብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም” በለ። ሼን ዚብሃል ሰራሕተኛ ጽሬት እውን ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸም ዘለዎም ኣስተብሂሉ እዩ። ኣስዒቡ ድማ፡ “ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሰባት ናይ ምሉእ መዓልቲ ውዕለት ንኪኽፈሉ፡ ምሉእ መዓልቲ ኪሰርሑ ኣይደልዩን እዮም” በለ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ብዙሓት ዕዉታት ሰባት ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ምስራሕ የሐጕሶም እዩ። ዳንኤል ዚብሃል ወዲ 25 ዓመት ናይ ህንጻ ሰራሕተኛ፡ “ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ምስራሕ፡ ብፍላይ ከኣ ጠቓሚ ሸቶታት ሒዝካ ምስ ዚግበር ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ” በለ። ወዲ 23 ዓመት ኣንድሬ እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ፡ “ሓጐስን ባህታን ምስ ስራሕ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎ እኣምን እየ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ሒደት ስራሕን ንጥፈትን ዜሰልኪ ህይወት ደኣ እምበር ነባሪ ሓጐስ ኣየምጽእን እዩ” ዚብል ርእይቶ ሃበ።

ከም ዳንኤልን ኣንድሬን ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ብዛዕባ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኼማዕብሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ብሓጺሩ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ብግብሪ ስለ ዝዓየዩሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ክንሰርሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስራሕ ትግሃትን ተጻዋርነትን ከነርኢ እዩ ዜተባብዕ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ስራሕና ብኸመይ ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል እውን ይሕብረና እዩ።

ኣየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኣብ ስራሕካ ዕግበት ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ዚኽእል፧ ነቲ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንርእዮ ሒደት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምሮ ንዕድመካ።