ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ሳራ

“መልክዐኛ ሰበይቲ”

“መልክዐኛ ሰበይቲ”

ሳራ ኣብ ማእከል እታ ኽፍሊ ደው ኢላ፡ ነታ ኽፍሊ ብዓይና ዀለለታ። ውሪሕሪሕ ዚብላ ጽቡቓት ኣዒንቲ ዘለዋ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትነብር ሰበይቲ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ኣብ ኣዒንታ ሓዘን ይንበብ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ከም ዝሓዘነት ንምርዳኡ ዜጸግም ኣይኰነን። እዛ ቤት እዚኣ፡ ብዙሕ ታሪኽ እዩ ነይርዋ። ንሳን እቲ እተፍቅሮ ብዓል ቤታ ኣብርሃምን ኣብዛ ቤት እዚኣ ንነዊሕ ዓመታት ዜሐጕስ ግዜ ኣሕሊፎም እዮም። * ብሓባር ኰይኖም ነዛ ቤት ባህ እተብል እዮም ገይሮምዋ።

ኣብታ ብዙሓት ኢደ ጥበበኛታትን ነጋዶን ዝነበርዋ ብልጽግቲ ኸተማ ኡር እዮም ዚቕመጡ ነይሮም። ስለዚ፡ ጥሪት ከም ዝነበሮም ርግጽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሳራ ንቤታ ኸም ንብረታ እተቐምጠላ ቦታ ጥራይ ኣይኰነትን እትርእያ ነይራ። ኣብዛ ቤት እዚኣ፡ ንሳን ብዓል ቤታን ንሓያሎ ዓመታት ዜሐጕስን ዜጕህን እዋናት ኣሕሊፎም እዮም። ኣብኣ ዀይኖም እውን ናብቲ ዜፍቅርዎ ኣምላኾም የሆዋ፡ ብዙሕ ሳዕ ጸልዮም እዮም። ሳራ እምበኣር ነዛ ቤት ክትፈትዋ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዋ እዩ።

ኰይኑ ግና፡ ሳራ ንዅሉ እቲ ዝለመደቶ ነገራት ሓዲጋ ኽትግዕዝ ፍቓደኛ እያ ነይራ። ጓል 60 ዓመት ኣቢላ ኽትከውን ትኽእል እኳ እንተ ነበረት፡ ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ ኽትግዕዝ፡ ሓደጋን ሽግርን ዝመልኦ ህይወት ድማ ክትመርሕ ነበራ፣ ናብ ዓዳ ኽትምለስ ከኣ ተስፋ ኣይነበራን። ኣብ ህይወታ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ለውጢ ኽትገብር ዘድለያ ስለምንታይ እዩ፧ ሎሚኸ ኻብ እምነታ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

‘ካብ ምድርኻ ውጻእ’

ሳራ ኣብ ኡር ዓብያ ኽትከውን ትኽእል እያ። ሎሚ ኣብቲ ቦታ እቲ፡ እንትርፎ ዝባደመ ዑናታት እታ ኸተማ ዋላ ሓደ ነገር የለን። ብግዜ ሳራ ግና ካብ ርሑቕ ቦታታት ናብዛ ብልጽግቲ ኸተማ ኽቡር ኣቕሑ ዜምጽኣ መራኽብ ነጋዶ፡ ብማያትን መትረባትን ሩባ ኤፍራጥስ ይመላለሳ ነበራ። ሰባት በቲ ጸቢብን ጥውይዋይን ጐደናታት ኡር ተጨቓጪቖም ይሓልፉ፡ መራኽብ ኣብቲ መዐሸጊአን ንሓድሕደን ይነዋነዋ፡ ዕዳጋታት ድማ ብኣቕሑ መሸጣ መሊኡ ነበረ። ሳራ ኣብዛ ዕምርቲ ኸተማ ኽትዓብን ንመብዛሕትኦም ተቐማጦኣ ብስሞም ክትፈልጦምን ከላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ኣዝያ መልክዐኛ ሰበይቲ ስለ ዝነበረት፡ ንሳቶም እውን ብርግጽ ይዝክርዋ ነይሮም እዮም። ብተወሳኺ እውን ኣብኡ ዓብዪ ቤተ ሰብ ነይርዋ እዩ።

ሳራ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ በታ ዓባይ እምነታ እያ እትፍለጥ። እምነታ ግና ኣብቲ ኣብ ከተማ ኡር ብሰፊሑ ዚምለኽ ዝነበረ፡ ጐሊሑ ዚርአ ግምቢ ኸኣ ዝነበሮ ኣምላኽ ወርሒ እተመስረተት ኣይነበረትን። የግዳስ፡ ሳራ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እያ እተምልኽ ነይራ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ፡ ነዛ እምነት እዚኣ ብኸመይ ከም ዘጥረየታ ኣይነግረናን እዩ። ኣቦኣ፡ እንተ ወሓደ ንእተወሰነ እዋን ኣምላኺ ጣኦት እዩ ነይሩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ብዓሰርተ ዓመት ዚዓብያ ኣብርሃም ተመርዓወቶ። * (ዘፍጥረት 17:17) ንሱ ድማ ድሕሪ ግዜ፡ ‘ኣቦ ዅሎም እቶም ዚኣምኑ’ ተባሂሉ ተጸውዐ። (ሮሜ 4:11) ክልቲኦም፡ ንሓድሕዶም ብምክብባርን ጽቡቕ ጌሮም ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥን ንኸቢድ ጸገማት ሓቢሮም ኪፈትሕዎ ፍቓደኛታት ብምዃንን፡ ድልዱል ሓዳር መስሪቶም እዮም። ልዕሊ ዅሉ ግና ሓዳሮም በታ ንኣምላኾም ዝነበረቶም ፍቕሪ እዩ ዚልለ ነይሩ።

ሳራ ንሰብኣያ ኣዝያ እያ እትፈትዎ ነይራ፣ ክልቲኦም ድማ ቤቶም ኣብ ኡር ኣብ መንጎ ኣዝማዶም ከም ዚኸውን ገበሩ። ነዊሕ ከይጸንሑ ግና ዜጕሂ ዅነታት ኣጋጠሞም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሳራ “መኻን ነበረት፣ ውሉድ ከኣ ኣይነበራን” ይብለና። (ዘፍጥረት 11:30) ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዝነበረ ባህሊ፡ ኵነታት ሳራ ኣዝዩ ፈታኒ እዩ ነይሩ። ሳራ ግና ወትሩ ንኣምላኻን ንሰብኣያን እምንቲ እያ ነይራ። እቲ ኣቦ ዘይነበሮ ወዲ ሓዎም ሎጥ ድማ ከም ወዶም ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። ሓደ መዓልቲ ግና ኵሉ ነገር ተቐያየረ።

ኣብርሃም ብውዕውዕ ስምዒት ናብ ሳራ መጸ። እቲ ዘጋጠሞ ነገር ደንጽይዎ እዩ ነይሩ። እቲ ዜምልኽዎ ኣምላኽ እዩ ተዛሪብዎ! ብመልኣኽ ኣቢሉ ድማ እዩ ተገሊጹሉ ኪኸውን ዘለዎ። ሳራ በተን ጽቡቓት ኣዒንታ፡ ዓይኒ ዓይኒ ሰብኣያ እናጠመተት፡ “እንታይ እዩ ኢሉካ፧ በጃኻ ንገረኒ!” ኢላ ኽትሓትት ከላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ምናልባት ኣብርሃም ሓሳቡ ምእንቲ ኺጥርንፍ ፈለማ ኾፍ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ድሕሪኡ፡ የሆዋ፡ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፣ ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ” ኸም ዝበሎ ነገራ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:2, 3) እቲ ኣብ ፈለማ ዝነበሮም ውዕውዕ ስምዒት ምስ ዘሓለ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃቦም ዕዮ ኣስተንተኑ። ነቲ ርጉእን ምሹእን ናብራኦም ሓዲጎም ሰበኽ ሳግም ኰይኖም ኪነብሩ እዩ ነይርዎም። ሳራ እንታይ እያ ኽትብል፧ ኣብርሃም ብህንጥዮት ይጥምታ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብዚ ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ዝዀነ ዅነታት ክትድግፎ ፍቓደኛ ኽትከውን ድያ፧

እቲ ሳራ ኽትገብሮ ዝነበራ ምርጫ ንዓና ዘይምልከተና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ‘ኣምላኽ ንዓይ ኰነ ንመጻምድተይ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ክንገብር ሓቲቱና ኣይፈልጥን እዩ።’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኵላትና ተመሳሳሊ ምርጫ ደይኰነን ዜጋጥመና፧ ብሕታዊ ምሾትናን ዋኒንናን ድሕንነትናን ከነቐድም ኣብ እተተባብዓና ፍቕረ ንዋይ ዝመልኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካልእ ምርጫ ኽንገብር፡ ማለት ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህብን ኣብ ክንዲ ንርእስና ንኣምላኽ ባህ ምባል ከነቐድምን እዩ ዜተባብዓና። (ማቴዎስ 6:33) ነቲ ሳራ ዝገበረቶ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ‘ኣብ ህይወተይ እንታይ ምርጫ እየ ኽገብር፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተታ።

‘ካብታ ምድሪ ወጹ’

ሳራ ንብረታ ኽትጥርንፍ ከላ፡ እንታይ ወሲዳ እንታይ ከም እትገድፍ ጨነቓ። ቃፍላይ ኣእዱግን ኣግማልን ኪስከምዎ ዘይክእሉ ዓበይቲ ኣቕሑ ዀነ ኣብ ናብራ ሰበኽ ሳግም ዘይጠቅም ነገር ክትወስድ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ካብ ንብረቶም ብዙሕ ኪሸጡ ወይ ንኻልኦት ኪህብዎ ኸም ዘድለዮም ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ኣእካልን ስጋን ፍረታትን ክዳውንትን ካልእ ኣድለይቲ ነገራትን ኣቕሑ ምሾትን ብቐሊሉ ኽትዕድገሉ እትኽእል ዝነበረት ዕዳጋታት፡ ኰታስ እቲ ምሾት ዝመልኦ መነባብሮ ኸተማ እውን ክትስእኖ እያ።

እታ ሳራ ዝነበረታ እምነት፡ ኣብ ዓዳ ንዝነበራ ምሾት ክትሓድግ ደረኸታ

ሳራ ቤታ ሓዲጋ ኽትከይድ ከቢድዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቤታ ልክዕ ከምተን ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ዝገለጽወን ኣብ ኡር ዝነበራ መብዛሕትአን ኣባይቲ እንተ ነይራ፡ ሳራ ናይ ሓቂ ምሾት እያ ኽትስእን። ገሊኡ ኣባይቲ፡ ልዕሊ 12 ዚኸውን ክፍልታትን ምንጪ ጽሩይ ማይን ቡምባታትን ነይርዎ እዩ። እቲ ተራ ዚብሃል ቤት እውን ከይተረፈ፡ ጽኑዕ ናሕስን መናድቕን መሸጐር ዘለዎ ማዕጾን ነይርዎ እዩ። እሞ ደኣ ድንኳን ካብ ሰረቕቲ ወይ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣብ ዘሎ ቦታታት ዝነበሩ ኣናብስን ኣናብርን ድብታትን ተዃሉን ኬዕቍቦም ይኽእል ድዩ፧

ስድራ ቤቶምከ፧ ሳራ ንመነመን እያ ሓዲጋቶም ክትከይድ ነይርዋ፧ እዚ፡ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ” ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ፡ ንዓኣ ብፍላይ በዳሂ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዛ ፍሽሕውትን ፈቃርን ሰበይቲ እዚኣ፡ ኣዝያ እትቐርቦም፡ መሊሳ እውን ዘይክትርእዮም እትኽእል ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ደቂ ኣሕዋት፡ ሓትኖታት፡ ኣሞታት፡ ሓወቦታት ከምኡ ድማ ኣኮታት ነይሮምዋ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ሳራ ብቘራጽነት በብመዓልቱ ንንቕሎ ትዳሎ ነበረት።

እዚ ዅሉ ብድሆታት እናሃለወ ኽነሱ፡ ሳራ ኣቕሑኣ ጠርኒፋ ኣብታ ምድብቲ መዓልቲ ኽትነቅል ድልውቲ ዀነት። ታራ ኣስታት 200 ዓመት ዝዕድሚኡ እኳ እንተ ነበረ፡ ከም ኣበው እታ ስድራ ቤት መጠን ንኣብርሃምን ንሳራን ኬሰንዮም ነበሮ። (ዘፍጥረት 11:31) ሳራ ነዚ ብዕድመ ዝደፍአ ኣቦኣ ንምክንኻን ብዙሕ እትገብሮ ነገር ከም ዝነበራ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሳቶም ንየሆዋ ብምእዛዝ ‘ካብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኦም’ ኣብ ዚኸዱሉ እዋን ሎጥ እውን ኪሓብሮም ነበሮ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:4

እቲ ቓፍላይ፡ ፈለማ ንሩባ ኤፍራጥስ ተኸቲሉ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 960 ኪ.ሜ. ብምጕዓዝ ናብ ካራን በጽሐ፣ ኣብኣ ድማ እታ ስድራ ንእተወሰነ እዋን ተቐመጠት። ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ በጽሑ፡ ታራ ኣዝዩ ኻብ ምሕማሙ እተላዕለ ጕዕዞኡ ኪቕጽል ኣጸጊምዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ 205 ዓመት ዕድሚኡ ኽሳዕ ዚመውት ከኣ እታ ስድራ ኣብኡ ጸንሐት። ካልኣይ ክፋል ጕዕዞኦም ቅድሚ ምጅማሮም፡ የሆዋ ንኣብርሃም ነታ ምድሪ ሓዲግዋ ናብቲ ንሱ ዜርእዮ ቦታ ኪኸይድ ከም ብሓድሽ ተዛረቦ። ኣብዚ እዋን እዚ ግና ኣምላኽ፡ ‘ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ’ ብምባል ባህ ዜብል ተስፋ ሃቦ። (ዘፍጥረት 12:2-4) ካብ ካራን ኪወጹ ኸለዉ ግና ኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት፡ ሳራ ድማ ጓል 65 ዓመት እኳ እንተ ነበሩ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን። ካብ ኣብርሃም ህዝቢ ኺወጽእ ዚኽእል ደኣ ኸመይ ኢሉ እዩ፧ ካልእ ሰበይቲ ኼእቱ ድዩ ነይርዎ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ድርብ መውስቦ ልሙድ ስለ ዝነበረ፡ ሳራ ብዛዕባ እዚ ትሓስብ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ካብ ካራን ወጺኦም ጕዕዞኦም ቀጸሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ በይኖም ከም ዘይነበሩ ግና ኣስተብህል። ስድራ ቤት ኣብርሃም ነቲ ኣብ ካራን ዘጥረይዎ ጥሪቶምን “ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ሰባትን” ወሲዶም ከም ዝነቐሉ እቲ ጸብጻብ ይሕብረና። (ዘፍጥረት 12:5) እዞም ሰባት እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ገላዉ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ፍሉጥ እዩ። ኣብርሃምን ሳራን፡ ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ንዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ እምነቶም ከም ዝነገርዎም ኣየጠራጥርን እዩ። ገሊኦም ጥንታውያን ኣይሁድ፡ እዞም ኣብዛ ጥቕሲ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ንየሆዋ ኣብ ምምላኽ ንኣብርሃምን ሳራን ዝሓበርዎም ጵሮሴሊታት ከም ዝዀኑ ገይሮም ተርጒሞምዎ እዮም። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እታ ሳራ ዝነበረታ ድልድልቲ እምነት፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኻን ብዛዕባ ተስፋኣን ክትነግሮም ከላ ንኸተእምኖም ከም ዝሓገዘታ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እምነትን ተስፋን ብርቂ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንነብር ስለ ዘለና፡ ብዛዕባ እዚ ኸነስተንትን ጠቓሚ እዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ነገር ምስ እትምሃር፡ ንኻልኦት ከተካፍሎም ትኽእልዶ፧

“ናብ ግብጺ ወረደ”

ብ14 ኒሳን 1943 ቅ.ክ. እዩ ኪኸውን ዚኽእል ንኤፍራጥስ ድሕሪ ምስጋሮም፡ ንደቡብ ገጾም ኣቢሎም ናብታ የሆዋ ዘተስፈዎም ሃገር መገዶም ኣቕንዑ። (ዘጸኣት 12:40, 41) ሳራ በታ ጽባቐን እተፈላለየ ነገራትን ባህ ዜብል ክሊማን ዝነበራ ምድሪ ተሳሒባ ናብዝን ናብትን ግልጽ ክትብል ከላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብ ከባቢ ሴኬም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ፡ የሆዋ ንኣብርሃም እንደገና ተራእዮ እሞ፡ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” በሎ። እዚ “ዘርኢ” ዚብል መግለጺ ንኣብርሃም ዓብዪ ትርጉም ዝሓዘለ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ፡ ሓደ ዘርኢ ወዲ ሰብ ንሰይጣን ከም ዚጭፍልቕ ኣብ ገነት ኤደን ኣቐዲሙ እተነበዮ ትንቢት ከም ዚሓስብ ገይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ንኣብርሃም፡ ካብኡ ዚወጽእ ህዝቢ ንዅሎም ዓሌታት ምድሪ ንበረኸት ከም ዚኸውን ሓቢርዎ ነይሩ እዩ።—ዘፍጥረት 3:15፣ 12:2, 3, 6, 7

ኰይኑ ግና፡ እታ ስድራ ቤት ካብ መከራ እዛ ዓለም እዚኣ ናጻ ኣይነበረትን። ኣብ ምድሪ ከነኣን ጥሜት ምስ ኰነ፡ ኣብርሃም ስድራ ቤቱ መሪሑ ናብ ሸነኽ ደቡብ፡ ናብ ግብጺ ኪኸይድ ወሰነ። እንተዀነ ግና፡ ኣብቲ ዞባ ሓደ ሓደጋ ኸም ዘሎ ስለ እተገንዘበ ንሳራ፡ “በጃኺ ስምዕኒ! መልክዐኛ ሰበይቲ ምዃንኪ እፈልጥ እየ። ግብጻውያን ምስ ረኣዩኺ ድማ፡ ‘እዚኣ ሰበይቱ እያ’ ኺብሉ እዮም። ንዓይ ቀቲሎም ከኣ፡ ንዓኺ ብህይወት ኪሓድጉኺ እዮም። ብሳላኺ ደሓን ምእንቲ ኺረክብ፡ ህይወተይ ከኣ ምእንቲ ኽትነሓፍሲ፡ በጃኺ ሓብቱ እየ በሊ” በላ። (ዘፍጥረት 12:10-13) ኣብርሃም ከምዚ ዝበለ ዘይልሙድ ነገር ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብርሃም ከምቲ ገሊኦም ሃያስያን ዚብልዎ፡ ሓሳዊ ወይ ጃጃዊ ኣይነበረን። ሳራ ብሓቂ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ እያ። እቲ ኣብርሃም ዝገበሮ ጥንቃቐ ድማ ግቡእ መሰረት ዝነበሮ እዩ። ኣብርሃምን ሳራን፡ ካብቲ ሓደ ፍሉይ ዘርእን ፍሉይ ህዝብን ብኣብርሃም ኣቢሉ ኺመጽእ ኣምላኽ ዘውጽኦ ዕላማ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዝዀነ ነገር ከም ዘየለ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ድሕንነት ኣብርሃም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ሰበ ስልጣን ግብጺ፡ ኣንስቲ ሰብኡት ዘሪፎም ንሰብኡተን ምቕታል ልሙድ ተርእዮ ኸም ዝነበረ ሰነ ጥንታዊ መርትዖታት የረጋግጽ እዩ። ስለዚ፡ ኣብርሃም ጥበባዊ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፣ ሳራ ድማ ንውሳነኡ ብትሕትና ደጊፋቶ እያ።

እቲ ነዊሕ ከይጸንሐ ዘጋጠመ ፍጻመታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብርሃም ኪፈርህ ሓቁ እዩ ነይሩ። ገሊኦም መሳፍንቲ ፈርኦን ነቲ ሳራ ዝነበራ፡ ኣብ ዕድሚኣ ልሙድ ዘይኰነ፡ ዜደንቕ ቍንጅና ኣስተብሃሉሉ። ብዛዕባኣ ንፈርኦን ምስ ነገርዎ ኸኣ ናብኡ ኼምጽእዋ ኣዘዘ። ነቲ ኣብርሃም እተሰምዖ ኸቢድ ጓሂ ዀነ ነቲ ሳራ ዝነበራ ፍርሂ ኽንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግና፡ ከም ጅሆ ዘይኰነትስ፡ ከም ክብርቲ ጋሻ እተታሕዘት እዩ ዚመስል። ምናልባት እውን ፈርኦን ብሃብቱ ኺምስጣ እሞ፡ ጸኒሑ ምስ “ሓዋ” ተዘራሪቡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኺወስዳ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘፍጥረት 12:14-16

ሳራ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዀይና ብመስኮት ወይ ብገበላ ንኣቀማምጣ መሬት ግብጺ ኽትጥምት ከላ እሞ ሕሰብ። ብመናድቕን ብናሕስን ኣብ እተሸፈነ፡ ጽቡቕ ብልዒ ድማ ኣብ ዚቐርበሉ ቤት እንደገና ብዛዕባ ምንባር ከመይ ተሰሚዕዋ፧ እዚ ኻብቲ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ኡር ዝነበራ ዚበልጽ ምሾት ነይርዎ ኪኸውን ዚኽእል ናብራ የስድዓ ደዀን ይኸውን፧ ንኣብርሃም ጠንጢና ሰበይቲ እዚ ፈርኦን ክትከውን እንተ ትመርጽ ነይራ፡ ሰይጣን ማዕረ ኽንደይ ከም ዚሕጐስ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ሳራ ግና ከምኡ ኣይገበረትን። ንሰብኣያን ንቓል ኪዳናን ንኣምላኻን እምንቲ እያ ነይራ። ኣብዛ ርኽሰት ዝመልኣ ዓለም፡ ነፍሲ ወከፍ ምርዑው ሰብ ንመጻምድቱ ኸምዚ ዝበለ ተኣማንነት እንተ ዜርእስ መን ምሃበ! ምስ እተፍቅሮም ሰባትን ምስ ፈተውትኻን ኣብ ዘሎካ ርክብ ንተኣማንነት ሳራ ኽትቀድሓ ትኽእልዶ፧

ቤተ መንግስቲ ፈርኦን ኬስድዓ ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ሳራ ንመጻምድታ እምንቲ እያ ነይራ

የሆዋ ነዛ ፍቕርቲ ሰበይቲ ምእንቲ ኼዕቍባ ኢሉ፡ ናብ ፈርኦንን ናብ ቤተ ሰቡን ብርቱዕ መዓት ብምስዳድ ጣልቃ ኣተወ። ፈርኦን፡ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም ምዃና ብገለ መገዲ ምስ ፈለጠ፡ ናብ ሰብኣያ መለሳ፣ ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ካብ ግብጺ ኺወጹ ድማ ኣዘዘ። (ዘፍጥረት 12:17-20) ኣብርሃም እታ ፍቕርቲ ሰበይቱ እንደገና ምስ ተመልሰትሉ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተሓጕሱ! ብፍቕራዊ መገዲ፡ “መልክዐኛ ሰበይቲ ምዃንኪ እፈልጥ እየ” ብምባል ከም ዘድነቓ ዘክር። ኰይኑ ግና ኣብርሃም፡ ሳራ ንዝነበራ ኻልእ ዓይነት ጽባቐ፡ ማለት ነቲ ኻብ ደጋዊ ትርኢታ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ውሽጣዊ ጽባቐኣ እዩ ዜድንቕ ነይሩ። ሳራ፡ እቲ የሆዋ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ናይ ሓቂ ውሽጣዊ ጽባቐ እዩ ነይርዋ። (1 ጴጥሮስ 3:1-5) እዚ ዅላትና ኸነጥርዮ እንኽእል ውሽጣዊ ጽባቐ እዩ። ኣብ ክንዲ ንስጋዊ ነገራት ንመንፈሳዊ ነገራት ነቐድም እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት ንኻልኦት ነካፍል እንተ ዄንና፡ ከምኡ ድማ ኣብ ግዜ ፈተና ንስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ብተኣማንነት ንድግፍ እንተ ዄንና፡ ኣስኣሰር እምነት ሳራ ኽንስዕብ ኢና። ▪

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብ ፈለማ፡ ስማቶም ኣብራምን ሳራይን እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ በቲ የሆዋ ጸኒሑ ዝሃቦም ስማት እዮም ዝያዳ ዚፍለጡ።—ዘፍጥረት 17:5, 15

^ ሕ.ጽ. 8 ሳራ ንኣብርሃም ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ እያ ነይራ። ታራ ንኽልቲኦም ኣቦኦም እዩ ነይሩ፣ ኣዴታቶም ግና እተፈላለያ እየን ነይረን። (ዘፍጥረት 20:12) ሎሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መውስቦ ዘይግቡእ እኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እተፈልየ ዅነታት ከም ዝነበረ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ሰባት ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበሮም እሞ ጸኒሖም ዘጥፍእዎ ፍጽምና ዝቐረቡ እዮም ነይሮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ምስ ቀረባ ዘመድ ዚግበር መውስቦ ኣብ ውሉዳቶም ጂናዊ ጸገማት የስዕበሎም ከም ዘይነበረ ንጹር እዩ። ድሕሪ ኣስታት 400 ዓመት ግና ዕምሪ ደቂ ሰብ ምስ ናትና ዚመሳሰል ኰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሕጊ ሙሴ ንዅሉ እቲ ምስ ቀረባ ዘመድ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ከልከለ።—ዘሌዋውያን 18:6