ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ፕራስሊን፡ ሲሸልስ ዚርከብ ጀነራል ጎርዶን ብ1881 ዝረኸቦ እሞ፡ ገነት ኤደን ኢሉ ዝሓሰቦ ቦታ

ገነት ኣብ ምድሪ—ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧

ገነት ኣብ ምድሪ—ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧

ገነት! ንገያሾ ዚዳሎ ሕብራዊ ብሮሹራት፡ “ገነት” ናብ ዚብልዎ ርሑቕ ቦታ ኼድና ኽንዛነን ኵሉ ጭንቀትናን ጸገማትናን ክንርስዕን ዜህርር ዕድመ የቕርበልና እዩ። ከም እንፈልጦ ግና፡ ናብ ቤትና ምስ ተመለስና፡ ጸገማትና ልክዕ ከምቲ ዝሓደግናዮ እዩ ዚጸንሓና።

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ገነት ዘሎ ተመስጦ ሓያል እዩ። ስለዚ፡ ‘“ገነት” ጽቡቕ ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ኢና ብገነት እንምሰጥ፧ ገነት ብሓቂ ኽትህሉ ድያ፧’ ኢልና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና።

ገነትን ባህልታትን

ደቂ ሰብ ንዘመናት ብዛዕባ ገነት ብተመስጦ ኺሓስቡ ጸኒሖም እዮም። ብዙሓት ሰባት፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ፡ “ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት” ከም ዝነበረት ዚገልጽ ሓሳባት እዩ ተገዳስነቶም ተለዓዒሉ። ነታ ገነት ኣዝያ ማራኺት ዝገበራ እንታይ እዩ፧ እቲ ጸብጻብ፡ “የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ባህ ዜብልን ምብላዑ ዝጥዑምን ኵሉ ኦም ካብ ምድሪ ኣብቈለ” ይብለና። እታ ገነት እቲኣ፡ ባህ እተብልን ጽብቕትን ቦታ እያ ነይራ። ልዕሊ ዅሉ ዚምስጥ ድማ፡ ‘ኣብ ማእከል እታ ገነት ኦም ህይወት ነበረት።’—ዘፍጥረት 2:8, 9

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብታ ገነት እቲኣ ኣርባዕተ ኣፍላግ ይውሕዝ ከም ዝነበረ ይጠቅስ እዩ። ክልተ ኻብዚ ኣፍላግ፡ ጢግሪስን (ወይ ሂዴቄል) ኤፍራጥስን፡ ሎሚ እውን ይፍለጥ እዩ። (ዘፍጥረት 2:10-14፣ እግረ ጽሑፍ) እዚ ኽልተ ኣፍላግ እዚ፡ በቲ ቐደም ክፋል ጥንታዊት ፋርስ ዝነበረ ሎሚ ዒራቕ ዚብሃል ዘሎ ቦታ ኣቢሉ ናብ ወሽመጥ ፋርስ ይውሕዝ ነበረ።

ምድራዊት ገነት ክፍሊ ባህላዊ ውርሻ ፋርስ ምዃና እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ኣብ ቤተ መዘክር ስእሊ ፊላደልፍያ፡ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እትርከብ ናይ መበል 16 ዘመን ምንጻፍ ፋርስ፡ ኣእዋምን ዕምባባታትን ዘለዎ ብመንደቕ እተሓጽረ ስፍራ ኣታኽልቲ ተኣሊምዋ ይርአ እዩ። እታ “ብመንደቕ እተሓጽረ ስፍራ ኣታኽልቲ” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ናይ ፋርስ ቃል፡ “ገነት” ማለት እውን እያ። እቲ ኣብታ ምንጻፍ ዘሎ ትርኢት ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጻ እትርከብ ጽብቕትን ልምዕትን ገነት ኤደን እዩ ዜንጸባርቕ።

ከም ሓቂ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዛንታታት ገነት ኣብ ብዙሕ ባህልታትን ቋንቋታትን ይዝንቶ እዩ። ደቂ ሰብ ናብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ኪግዕዙ ኸለዉ፡ እተፈላለየ ዛንታታት እቲ በዅሪ ጸብጻብ ሒዞም ከይዶም እዮም። ዘመናት እናሓለፈ ምስ ከደ ድማ እዚ ዛንታታት እዚ ኣብ ከባቢኦም ምስ ዝማዕበለ እምነታትን ኣፈ ታሪኻትን ተሓዋዊሱ ኣሎ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሰባት ዳርጋ ብባህርዮም ዜደንቕ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ንዘለዎ ቦታታት፡ ገነት ኢሎም እዮም ዚገልጽዎ።

ገነት ንምርካብ እተገብረ ፈተነ

ገሊኦም ዳህሰስቲ ነታ ዝጠፍአት ገነት ከም ዝረኸብዋ ተዛሪቦም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ቻርለስ ጎርዶን ዚብሃል ጀነራል ሰራዊት ብሪጣንያ ብ1881 ናብ ሲሸልስ ምስ በጽሐ፡ ብጽባቐ እቲ ሎሚ ቕርሲ ዓለም ኰይኑ ዘሎ ቫለ ዴ ማ ዚብሃል ልሙዕ ቦታ ኣዝዩ ስለ እተመሰጠ፡ ገነት ኤደን ከም ዝዀነ ኣዊጁ እዩ። ኣብ መበል 15 ዘመን፡ ኢጣልያዊ ዳህሳሲ ክሪስቶፈር ኮሎምበስ ኣብቲ ሎሚ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክን ሀይትን ዚርከባሉ ደሴት ሂስፓንዮላ ምስ በጽሐ ንገነት ኤደን ኪረኽባ ኸም ዝቐረበ ሓሲቡ ነይሩ እዩ።

ማፒንግ ፓራዳይዝ ዘርእስታ ዘመናዊት መጽሓፍ ታሪኽ፡ ልዕሊ 190 ጥንታዊ ካርታ ኣለዋ፣ እቲ ካርታታት መብዛሕትኡ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን ከለዉ የርኢ። ሓደ ኻብዚ፡ ቅዳሕ እቲ ኣብ ናይ መበል 13 ዘመን ኢደ ጽሑፍ ቢያቱስ ሊየባና ዘሎ ዘይልሙድ ካርታ እዩ። ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ እቲ ካርታ፡ ኣብ ማእከሉ ገነት ዘለዎ ቕኑዕ ርቡዕ ኵርናዕ ኣሎ። ካብኡ ኸኣ “ጢግሪስ፡” “ኤፍራጥስ፡” “ጲሶን፡” “ጊሖን” እተጻሕፎ፡ ናብ ኣርባዕቲኡ ዅርናዕ ዚውሕዝ ኣርባዕተ ኣፍላግ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንዝርጋሐ ክርስትና ናብ ኣርባዕቲኡ ዅርናዓት ዓለም ከም ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚሕሰብ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስእልታት፡ እታ ናይ መጀመርታ ገነት ዝነበረትሉ ቦታ ዘይፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባኡ ዘሎ ዝኽሪ ግና ገና መሳጢ ዀይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ ዜርኢ እዩ።

ኣብ መበል 17 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጆን ሚልተን ዝስሙ እንግሊዛዊ ገጣሚ፡ በታ ኣዳም ከም ዝሓጥአን ካብ ኤደን ከም እተሰጕጐን ኣብ ዚገልጽ ጸብጻብ ዘፍጥረት እተመስረተት ፓራዳይዝ ሎስት (ዝጠፍአት ገነት) ዘርእስታ ግጥሙ እዩ ዚፍለጥ። ሚልተን፡ ፓራዳይዝ ሪገይንድ (እተመልሰት ገነት) ዘርእስታ መቐጸልታኣ እውን ጽሒፉ እዩ። ኣብታ ግጥሚ እቲኣ፡ “ሽዑ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ” ብምባል፡ ደቂ ሰብ እንደገና ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ ንዚገልጽ ተስፋ ኣጕሊሕዎ እዩ።

ኣተኵሮ ተቐይሩ

እቲ ብዛዕባ ዝጠፍአት ምድራዊት ገነት ዚገልጽ ሓሳብ፡ ኣብ መላእ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ፍቱው ሓሳብ ከም ዝነበረ እምበኣር ንጹር እዩ። ሕጂ ዕሽሽ ተባሂሉ ዘሎ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቲ ማፒንግ ፓራዳይዝ ዝገለጸቶ፡ ብቐንዱ “ምሁራት ስነ ሃይማኖት ደይ መደይ ኢሎም ንጕዳይ እቲ ገነት እትርከበሉ ቦታ ዕሽሽ ኢሎምዎ” ስለ ዘለዉ እዩ።

መብዛሕትኦም ምእመናን መወዳእታኡ ኣብ ምድራዊት ገነት ከም ዚነብሩ ዘይኰነስ፡ ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ እዮም ተማሂሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣብ መዝሙር 37:29፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” እዩ ዚብል። ሎሚ ዓለምና ጠሪሳ ገነት ካብ ዘይኰነት፡ እዚ ቓል እዚ ኸም ዚፍጸም ዜረጋግጽ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧ *

ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ

እቲ ነታ ናይ መጀመርታ ገነት ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝጠፍአ ኸም ዚመልሶ ኣተስፍዩ እዩ። ብኸመይ፧ የሱስ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ኽንጽሊ ኸም ዝመሃረና ኣይንረስዕ። (ማቴዎስ 6:10) እታ መንግስቲ እቲኣ፡ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር፡ ንዅሉ ግዝኣት ሰባት ድማ እትትክእ ዓለምለኻዊት መንግስቲ እያ። (ዳንኤል 2:44) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ እቲ ንምድራዊት ገነት ዚምልከት ፍቓድ ኣምላኽ ‘ኪኸውን’ ወይ ኪፍጸም እዩ።

ነብዪ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ፡ ኵሉ እቲ ሎሚ ንደቂ ሰብ ዜሳቕን ዜጨንቕን ዘሎ ዅነታት፡ ኣብታ እተተስፈወት ገነት፡ ነበረያ ነበረ ኸም ዚኸውን ብመንፈስ ተደሪኹ ገሊጹ እዩ። (ኢሳይያስ 11:6-9፣ 35:5-7፣ 65:21-23) ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ ነዘን ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኸተንብበን ንምሕጸነካ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ኣምላኽ ንእዙዛት ደቂ ሰብ እንታይ ኣዳልዩሎም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ። እቶም ሽዑ ብህይወት ዚነብሩ፡ ነታ ኣዳም ዘጥፋኣ ገነትን ስምረት ኣምላኽን ብምርካብ ኪሕጐሱ እዮም።—ራእይ 21:3

እቲ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን እተዋህበ ተስፋ፡ ሕልሚ ጥራይ ከም ዘይኰነ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰማያትሲ ናይ የሆዋ እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃቦም” እዩ ዚብለና። ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዚገልጽ ተስፋ፡ እቲ “ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ፡ ጥንቲ ዘተስፈወና ተስፋ” እዩ። (መዝሙር 115:16፣ ቲቶስ 1:2) ምድሪ ንዘለኣለም ገነት ክትከውንሲ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ!

^ ሕ.ጽ. 15 ቍርኣን እውን ኣብ ኣልኣንቢያ [ነብያት] ሱራ 21፡ ፍቕዲ 105፡ “ካብ ገላዎይ እቶም ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም” ይብል እዩ።