ቲቶስ 1:1-16

  • ሰላምታ (1-4)

  • ቲቶስ ኣብ ቅሬጥስ ሽማግለታት ኪሸይም ተነግሮ (5-9)

  • ንዓለወኛታት ግንሓዮም (10-16)

1  ካብቲ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን ዝዀነ ጳውሎስ፡—ከምኡ ዝዀነ ድማ ከም እምነት እቶም ሕሩያት ኣምላኽን ከም ልክዕ ፍልጠት ሓቅን እዩ፣ እዛ ሓቂ እዚኣ ኸኣ ንኣምላኽ ምስ ዘሎና ተወፋይነት እትሰማማዕን  ኣብቲ ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ፡+ ጥንቲ ዘተስፈወና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እተመስረተትን እያ፣+  ግናኸ፡ ብትእዛዝ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት+ ገይሩ ብግዜኡ ንቓሉ ገሊጽዎ እዩ፡—  ናብቲ በታ ናይ ሓባር እምነት ናይ ሓቂ ወደይ ዝዀነ ቲቶስ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ መድሓኒና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልካ።  ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ጕድለት ክትእርምን ኣብ ከከተማኡ ሽማግለታት ክትሸይምን እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ፣  ማለት ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብዝርጋን* ወይ ብዕልወት ዘይተኸስሱ ኣመንቲ ውሉዳት ዘለውዎ እንተሎ።+  ከመይሲ፡ ሓላዊ ብኣምላኽ እተሸመ ኣመሓዳሪ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ብርእሱ ዘይምካሕ፡+ ዘይቍጡዕ፡+ ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡* ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፍ፡  የግዳስ፡ ተቐባል ጋሻ፡+ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡*+ ጻድቕ፡ እሙን፡+ ርእሱ ዚገትእ፡+  በቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ምእንቲ ኼተባብዕን*+ ነቶም ዚቃወሙ ምእንቲ ኺገንሕን፡+ ብጥበብ ኣመሃህራ ገይሩ ነቲ እሙን ቃል* ኣጽኒዑ ዚሕዝ ኪኸውን ኣለዎ።+ 10  ከመይሲ፡ ብዙሓት ዓለወኛታትን ሃተውተው በሃልትን መታለልትን ኣለዉ፣ እዚኣቶም ከኣ ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም።+ 11  ንሳቶም ዘይግቡእ ረብሓ ኺረኽቡ ኢሎም ዘይግባእ እናመሃሩ ንብዘሎ ቤተ ሰብ ዚገላብጡ ብምዃኖም፡ ኣፎም ኪዕበሱ ኣለዎም። 12  ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ እኳ፡ “ቅሬጥሳውያን ኵሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ ሕሱማት ኣራዊት፡ ሃካያት በላዕቲ እዮም” ኢሉ እዩ። 13  እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ፡ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም፣ 14  ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ሰባትን ከየቕልቡ እውን ኣሕሚምካ ግንሓዮም። 15  ንንጹሃት ኵሉ ንጹህ እዩ።+ ንርኹሳትን ንዘይኣምኑን ግና፡ ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የልቦን።+ 16  ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፣ ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዘይበቕዑን ብምዃኖም ግና፡ ብግብሮም ይኽሕድዎ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብፋሉልነት።”
እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል ንኻልኦት ሰባት ብቓል ምጕዳእ እውን ከተመልክት ትኽእል።
ወይ፡ “ዜመዛዝን።”
ወይ፡ “ጠቓሚ።”
ወይ፡ “ኺምዕድን።”
ወይ፡ “ዜተኣማምን መልእኽቲ።”