ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ ትቕበል ዲኻ፧

ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንሓደ ውህበት ኣዝዩ ኽቡር ጌርካ ኸም እትርእዮ ዚገብረካ እንታይ እዩ፧ ኣርባዕተ ረቛሒ ዘጠቓለለ ኪኸውን ይኽእል፦ (1) ነቲ ውህበት ዝሃበካ መን ምዃኑ፡ (2) ስለምንታይ ከም እተዋህበካ፡ (3) ነቲ ውህበት እንታይ መስዋእቲ ኸም እተኸፍለሉ፡ ከምኡ ድማ (4) እቲ ውህበት ብሓቂ ዜድልየካ ነገር ኣማሊኡልካ እንተ ዀይኑ። ብዛዕባ እዚ ረቛሒታት እዚ ምሕሳብና፡ ነቲ ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ ዘሎና ሞሳ ኸነዕቢ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

እቲ ወሃቢ መን እዩ፧

ንገሊኡ ውህበታት ኣኽቢርና እንርእዮ፡ ስልጣን ብዘለዎ ወይ ኣዚና ብእነኽብሮ ሰብ ስለ እተዋህበና እዩ። ካልእ ውህበታት ድማ ክቡር ዝዋጋኡ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ካብ ሓደ እነፍቅሮ ኣባል ስድራ ቤትና ወይ እንኣምኖ ዓርክና ስለ ዝመጸ ኣኽቢርና ንርእዮ ኢና። እቲ ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ራስል ንጆርዳን ዝሃቦ ውህበት እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። እዚ ኣብቲ ውህበት በጃ ዚውዕል ብኸመይ እዩ፧

ቀዳማይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ፡ ንዕኡ ናብ ዓለም [ልኢኽዎ]” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:9) እዚ ሓቂ እዚ፡ ነዚ ውህበት ኣዝዩ ኽቡር ይገብሮ። ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ስልጣን ዘለዎ የለን። ብዛዕባኡ፡ ሓደ እብራዊ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 83:18) ውህበት ኪህበና ዚኽእል ካብ ኣምላኽ ዚልዕል ኣካል የለን።

ካልኣይ፡ ኣምላኽ፡ “ኣቦና” እዩ። (ኢሳይያስ 63:16) ብኸመይ፧ ህይወት ሂቡና እዩ። ብተወሳኺ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ውፉይ ኣቦ ንደቁ ዚሓልየሎም፡ ብተኣማንነት ይሓልየልና እዩ። ኣምላኽ ንገሊኦም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ፡ ኤፍሬም ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ከምዚ ብምባል ሓተተ፦ “ኤፍሬምዶ ኽቡር ወደይ፡ ፍቑር ውሉደይ ኣይኰነን፧ . . . ስለዚ እዩ ስምዒተይ ዚለዓዓል ዘሎ። ብርግጽ እውን ክድንግጸሉ እየ።” (ኤርምያስ 31:20) ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። ኵሉ ዚኽእል ፈጣሪና ጥራይ ዘይኰነስ፡ እሙን ኣቦናን ፈታዊናን እዩ። እዝስ፡ ነቲ ኻብኡ እንረኽቦ ዝዀነ ይኹን ውህበት ክቡርዶ ኣይኰነን ዚገብሮ፧

ስለምንታይ እዩ ተዋሂቡ፧

ገሊኡ ውህበታት ብግዴታ ዘይኰነስ፡ ካብ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ተላዒልካ ስለ እተዋህበ ኽቡር እዩ። ሓደ ስሱዕ ዘይኰነ ወሃቢ፡ ስለቲ ሕያውነቱ ኺፍደ ኣይጽበን እዩ።

ኣምላኽ ስለ ዘፍቀረና፡ ወዱ ምእንታና ሂቡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገሊጻትልና እያ’ ይብል፧ ከምኡ ዝገበረ ንምንታይ ዕላማ እዩ፧ “ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ” እዩ። (1 ዮሃንስ 4:9) ኣምላኽ ከምኡ ኺገብር ግዴታ ነይርዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን! እቲ “ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ” መግለጺ ‘ጸጋ’ ኣምላኽ እዩ።—ሮሜ 3:24

ውህበት ኣምላኽ፡ ‘ጸጋ’ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ” ብምባል ይገልጸልና። (ሮሜ 5:8) ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ፡ ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ ድኹማትን ረዳኢ ዘይብሎምን ሓጥኣንን ደቂ ሰብ ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዓዓለቶ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ብጻዕርና ዝረኸብናያ ኣይኰነትን፣ ንኣምላኽ እውን ክንፈድዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት፡ ኣብ ታሪኽ መወዳድርቲ ዘይብሉ መግለጺ ፍቕሪ እዩ።

እንታይ መስዋእቲ እዩ ተኸፊልዎ፧

ገሊኡ ውህበታት፡ እቲ ወሃቢ ዓብዪ መስዋእቲ ስለ ዝኸፈለሉ ኽቡር እዩ። ሓደ ሰብ ነቲ ንዕኡ ብዙሕ ዋጋ ዘለዎ ነገር ንዓና ኺህበና ፍቓደኛ ምስ ዚኸውን፡ እቲ ሰብ መስዋእቲ ብምኽፋሉ ነቲ ውህበት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።

‘ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ሃበ።’ (ዮሃንስ 3:16) ምእንታና ኺውፍዮ ዚኽእል ካብኡ ንላዕሊ ዚቐርቦ ኻልእ ኣካል የለን። ኣብቲ ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ንምፍጣር ዘሕለፎ ማእለያ ዘይብሉ እዋን፡ የሱስ ምስኡ ዀይኑ ዓይዩ እዩ፣ ‘ብኣምላኽ ኣዝዩ ዚፍቶ’ ድማ እዩ ነይሩ። (ምሳሌ 8:30) የሱስ፡ ‘ፍቑር ወዲ’ ኣምላኽ ከምኡ ድማ “ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ” እዩ። (ቈሎሴ 1:13-15) ኣብ መንጎ ኣምላኽን የሱስን ዘሎ ጥቡቕ ርክብ፡ ክንግምቶ እውን ኣይንኽእል ኢና።

ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ‘ንወዱ እኳ ኣይነሓፎን።’ (ሮሜ 8:32) የሆዋ ብሉጽ ውህበት እዩ ሂቡና። ካብዚ ንላዕሊ ዋጋ ዝኸፈለሉ ውህበት የለን።

ብሓቂ ዜድሊ ነገር ዜማልእ

ገሊኡ ውህበታት፡ ነቲ ብሓቂ ዜድሊ ነገር ምናልባት እውን ብህጹጽ ዜድሊ ነገር ስለ ዜማልእ ክቡር እዩ። ንኣብነት፡ ንወጻኢታት እቲ ህይወትካ ንምድሓን ዚግበረልካ ሕክምናዊ ኽንክን ክትከፍሎ ዓቕሚ ዘይብልካ ምስ እትኸውን እሞ፡ ሓደ ሰብ ብወለንታኡ ምስ ዚኸፍለልካ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን መመስገንካዮ ኔርካ! እዝስ፡ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ደይኰነን፧

“ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም።” (1 ቈረንቶስ 15:22) ከም ዘርኢ ኣዳም መጠን፡ ኵላትና ‘መወትቲ’ ኢና፣ ካብ ሕማምን ሞትን ከነምልጥ ኰነ ባዕልና ምስ ኣምላኽ ክንተዓረቕን ኣብ ቅድሚኡ በደል ዘይብልና ኽንከውንን ኣይንኽእል ኢና። ከም ሰባት መጠን ድማ ንገዛእ ርእስና ዀነ ንኻልእ ሰብ ‘ህያው’ ክንገብር ኣይንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዋላ ሓዲኦም ንሓዉ ኺብጀዎ፡ ወይ በጃ ንኣምላኽ ኪህበሉ ዚኽእል የልቦን፣ . . . ወትሩ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ” ይብል። (መዝሙር 49:7, 8) ዋጋ በጃ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፡ ሓገዝ የድልየና እዩ። በይንና እንተ ተሓዲግና፡ ረዳኢ ኣልቦ ኢና እንኸውን።

ብየሱስ ኣቢሎም ‘ኵላቶም ህያዋን ምእንቲ ኪዀኑ፡’ የሆዋ በቲ ዓባይ ፍቕሩ ተደሪኹ ዋጋ እቲ ህይወትና ንምድሓን ዜድልየና “ኽንክን” ብፍቓዱ ኸፊሉልና እዩ። በጃ ነዚ ዚፍጽሞ ብኸመይ እዩ፧ ‘ደም የሱስ ወዱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ።’ እወ፡ ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እምነት ምሕዳር፡ ሕድገት ሓጢኣትን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ንምርካብ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። (1 ዮሃንስ 1:7፣ 5:13) እቲ በጃ ነቶም ዝሞቱ እነፍቅሮም ሰባትከ እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧ “ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ትንሳኤ ምዉታት እውን ብሓደ ሰብ [የሱስ] እዩ ዝመጸ።”—1 ቈረንቶስ 15:21 *

ከም መስዋእቲ የሱስ ዝበለ፡ ልዑል ቦታ ብዘለዎ ኣካል ወይ ብዓብዪ ፍቕሪ እተዋህበ ውህበት የለን። ከም የሆዋ ኣምላኽ ገይሩ ምእንታና ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ የለን። ካብቲ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዜውጽኣና መስዋእቲ ንላዕሊ ዜድልየና ዜማልኣልና ኻልእ ውህበት ድማ የለን። እወ፡ ምስቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ዋጋ እቲ በጃ ኺወዳደር ዚኽእል ዝዀነ ኻልእ ውህበት የለን።

 

^ ሕ.ጽ. 19 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ፡ ምዉታት ንምትንሳእ ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።