ምሳሌ 8:1-36

  • ጥበብ ከም ሰብ ኰይና ትዛረብ (1-36)

    • ‘ኣነ ኻብ ግብርታት ኣምላኽ ቀዳማይ እየ’ (22)

    • ‘ክኢላ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስ ኣምላኽ ነበርኩ’ (30)

    • “ንደቂ ሰብ እፈትዎም ነበርኩ” (31)

8  ጥበብ ትጽውዕዶ የላን፧ ምስትውዓልከ ድምጻ ዓው ተብልዶ የላን፧+   ኣብ ጥቓ መገዲ ኣብ ዘሎ በረኽትን+ኣብ መስቀላዊ መገድታትን ደው ትብል።   ኣብ ጥቓ ናብ ከተማ ዚመርሕ ኣፍ ደገታት፡ኣብ መእተዊ በሪታት ኰይና፡ዓው ኢላ ትጭድር፦+   “ኣቱም ሰባት፡ ንዓኻትኩም እጽውዓኩም ኣለኹ፣ድምጸይ ንዅሉ* አልዕል ኣለኹ።   ኣቱም ዘይለበምኩም፡ ጕርሒ ተምሃሩ፣+ኣቱም ዓያሹ፡ ዜስተውዕል ልቢ ኣጥርዩ።*   ዝብሎ ዘለኹ ኣገዳሲ እዩ እሞ፡ ስምዑ፣ከናፍረይ ቅኑዕ ዘበለ እዩ ዚዛረብ፣   ኣፈይሲ ብትሑት ደሃይ ሓቂ የውስእ፣ከናፍረይ ከኣ ንእከይ ይፍንፍኖ።   ኵለን ቃላት ኣፈይ ቅኑዓት እየን። ጠዋይ ኰነ ቄናን የብለንን።   ንኣስተውዓልስ ኵለን ትኽ ዝበላ፡ፍልጠት ንዝረኸቡ ድማ ቅኑዓት እየን። 10  ኣብ ክንዲ ብሩርሲ፡ ተግሳጸይ፡ኣብ ክንዲ ብሉጽ ወርቂ እውን፡ ፍልጠት ውሰዱ፣+ 11  ጥበብሲ ኻብ ኣዕናቝ* ትበልጽ፣ኵሉ ተባሃጊ እውን ኣይወዳደራን። 12  ኣነ ጥበብ፡ ምስ ጕርሒ ብሓባር እነብር፣ፍልጠትን ምምዝዛንን ድማ ረኺበ እየ።+ 13  ፍርሃት የሆዋ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ።+ ትዕቢትን ትምክሕትን+ እክይቲ መገድን ቄናን ዘረባን እጸልእ እየ።+ 14  ጽቡቕ ምኽርን ግብራዊ ጥበብን+ እውንን እየ፣ኣእምሮን+ ሓይልን+ ናተይ እየን። 15  ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፣ሰበ ስልጣን ከኣ ብኣይ ጽድቂ ይሕግጉ።+ 16  መሳፍንቲ ብኣይ ይገዝኡ፣ልዑላን ድማ ብኣይ ብጽድቂ ይፈርዱ። 17  ንዜፍቅሩኒ አፍቅሮም፡ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ።+ 18  ሃብትን ክብርንነባሪ ጥሪትን* ጽድቅን ምሳይ ኣሎ። 19  ፍረይ ካብ ወርቂ፡ አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ፡ፍርያተይ ድማ ካብ ብሉጽ ብሩር ይበልጽ።+ 20  ብመገዲ ጽድቂ፡ኣብ ማእከል መገድታት ፍትሒ እመላለስ እየ። 21  ንዜፍቅሩኒ ሃብቲ አውርሶም፣ማዕከኖም ከኣ እመልእ። 22  የሆዋ ኣብ መጀመርታ መገዱ፡+ካብ ጥንታዊ ዕማማቱ ቐዳማይ ገበረኒ።+ 23  ካብ ጥንቲ፡ ካብ መጀመርታ፡+ቅድሚ ምድሪ፡ ቈምኩ።+ 24  መዓሙቝ ማያት ከይኰነ፡+ዓይኒ ማያት ከኣ ማይ ከይወሓዘ ተወለድኩ።* 25  ኣኽራን ከይተደኰነ፡ቅድሚ ዅርባታት፡ ኣነ ተወለድኩ። 26  ንምድርን ንመሮራታን ኰነ፡ነቲ ናይ መጀመርታ ድንኩል ምድሪ ኸይገበሮ፡ 27  ንሰማያት ኬዳልዎ ኸሎ፡+ ኣብኡ ነበርኩ፣ንኣድማስ* ኣብ ገጽ ማያት ኪድርቶ ኸሎ፡+ 28  ንደበናታት ኣብ ላዕሊ ኺምስርቶ* ኸሎ፡ንምንጭታት መዓሙቝ ኪስርቶ ኸሎ፡ 29  ማያቱ ኽንየው ትእዛዙ ኸይሓልፉስንባሕሪ ኺሕግገሉ ኸሎ፡+ንመሰረታት ምድሪ ኺስርቶ* ኸሎ፡ 30  ሽዑ፡ ክኢላ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ።+ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብእኡ ኣዝየ ዝፍቶ ነበርኩ፣+ኵሉ ግዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።+ 31  በታ መንበሪት እትኸውን ምድሩ እሕጐስ ነበርኩ፣ምናዳ ድማ ንደቂ ሰብ እፈትዎም ነበርኩ። 32  ሕጂ ኸኣ ደቀየ፡ ስምዑኒ፣እወ፡ መገድታተይ ዚሕልዉ ሕጉሳት እዮም። 33  ተግሳጽ ስምዑ፡+ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ፣ከቶ እውን ዕሽሽ ኣይትበልዎ። 34  ኣንጊሁ ናብ ኣፍ ደገታተይ ብምምጻእን*ኣብ ልዳተይ ብምጽባይንዚሰምዓኒ ሰብ ሕጉስ እዩ። 35  እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ኪረክብ፡+ካብ የሆዋ ድማ ስምረት ኪረክብ እዩ። 36  ዕሽሽ ዚብለኒ ግና ንርእሱ* ይጐድኣ፣እቶም ዚጸልኡኒ ኸኣ ሞት ይፈትዉ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንደቂ ሰብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቢ ተረድኡ።”
ቃ.ቃ.፡ “መርጀን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “መርጀን” ርአ።
ወይ፡ “እተወርሰ ኽብርታትን።”
ወይ፡ “ብጻዕሪ ሕርሲ ተወለድኩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንኽቢ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኼጽንዖ።”
ወይ፡ “ኺሕግጎ።”
ወይ፡ “ኣብ ኣፍ ደገታተይ ነቒሑ ብምጽናሕን።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”