ምሳሌ 8:1-36
8 ጥበብ ትጽውዕዶ የላን፧
ምስትውዓልከ ድምጻ ዓው ተብልዶ የላን፧+
2 ኣብ ጥቓ መገዲ ኣብ ዘሎ በረኽትን+ኣብ መስቀላዊ መገድታትን ደው ትብል።
3 ኣብ ጥቓ ናብ ከተማ ዚመርሕ ኣፍ ደገታት፡ኣብ መእተዊ በሪታት ኰይና፡ዓው ኢላ ትጭድር፦+
4 “ኣቱም ሰባት፡ ንዓኻትኩም እጽውዓኩም ኣለኹ፣ድምጸይ ንዅሉ* አልዕል ኣለኹ።
5 ኣቱም ዘይለበምኩም፡ ጕርሒ ተምሃሩ፣+ኣቱም ዓያሹ፡ ዜስተውዕል ልቢ ኣጥርዩ።*
6 ዝብሎ ዘለኹ ኣገዳሲ እዩ እሞ፡ ስምዑ፣ከናፍረይ ቅኑዕ ዘበለ እዩ ዚዛረብ፣
7 ኣፈይሲ ብትሑት ደሃይ ሓቂ የውስእ፣ከናፍረይ ከኣ ንእከይ ይፍንፍኖ።
8 ኵለን ቃላት ኣፈይ ቅኑዓት እየን።
ጠዋይ ኰነ ቄናን የብለንን።
9 ንኣስተውዓልስ ኵለን ትኽ ዝበላ፡ፍልጠት ንዝረኸቡ ድማ ቅኑዓት እየን።
10 ኣብ ክንዲ ብሩርሲ፡ ተግሳጸይ፡ኣብ ክንዲ ብሉጽ ወርቂ እውን፡ ፍልጠት ውሰዱ፣+
11 ጥበብሲ ኻብ ኣዕናቝ* ትበልጽ፣ኵሉ ተባሃጊ እውን ኣይወዳደራን።
12 ኣነ ጥበብ፡ ምስ ጕርሒ ብሓባር እነብር፣ፍልጠትን ምምዝዛንን ድማ ረኺበ እየ።+
13 ፍርሃት የሆዋ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ።+
ትዕቢትን ትምክሕትን+ እክይቲ መገድን ቄናን ዘረባን እጸልእ እየ።+
14 ጽቡቕ ምኽርን ግብራዊ ጥበብን+ እውንን እየ፣ኣእምሮን+ ሓይልን+ ናተይ እየን።
15 ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፣ሰበ ስልጣን ከኣ ብኣይ ጽድቂ ይሕግጉ።+
16 መሳፍንቲ ብኣይ ይገዝኡ፣ልዑላን ድማ ብኣይ ብጽድቂ ይፈርዱ።
17 ንዜፍቅሩኒ አፍቅሮም፡ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ።+
18 ሃብትን ክብርንነባሪ ጥሪትን* ጽድቅን ምሳይ ኣሎ።
19 ፍረይ ካብ ወርቂ፡ አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ፡ፍርያተይ ድማ ካብ ብሉጽ ብሩር ይበልጽ።+
20 ብመገዲ ጽድቂ፡ኣብ ማእከል መገድታት ፍትሒ እመላለስ እየ።
21 ንዜፍቅሩኒ ሃብቲ አውርሶም፣ማዕከኖም ከኣ እመልእ።
22 የሆዋ ኣብ መጀመርታ መገዱ፡+ካብ ጥንታዊ ዕማማቱ ቐዳማይ ገበረኒ።+
23 ካብ ጥንቲ፡ ካብ መጀመርታ፡+ቅድሚ ምድሪ፡ ቈምኩ።+
24 መዓሙቝ ማያት ከይኰነ፡+ዓይኒ ማያት ከኣ ማይ ከይወሓዘ ተወለድኩ።*
25 ኣኽራን ከይተደኰነ፡ቅድሚ ዅርባታት፡ ኣነ ተወለድኩ።
26 ንምድርን ንመሮራታን ኰነ፡ነቲ ናይ መጀመርታ ድንኩል ምድሪ ኸይገበሮ፡
27 ንሰማያት ኬዳልዎ ኸሎ፡+ ኣብኡ ነበርኩ፣ንኣድማስ* ኣብ ገጽ ማያት ኪድርቶ ኸሎ፡+
28 ንደበናታት ኣብ ላዕሊ ኺምስርቶ* ኸሎ፡ንምንጭታት መዓሙቝ ኪስርቶ ኸሎ፡
29 ማያቱ ኽንየው ትእዛዙ ኸይሓልፉስንባሕሪ ኺሕግገሉ ኸሎ፡+ንመሰረታት ምድሪ ኺስርቶ* ኸሎ፡
30 ሽዑ፡ ክኢላ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ።+
መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብእኡ ኣዝየ ዝፍቶ ነበርኩ፣+ኵሉ ግዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።+
31 በታ መንበሪት እትኸውን ምድሩ እሕጐስ ነበርኩ፣ምናዳ ድማ ንደቂ ሰብ እፈትዎም ነበርኩ።
32 ሕጂ ኸኣ ደቀየ፡ ስምዑኒ፣እወ፡ መገድታተይ ዚሕልዉ ሕጉሳት እዮም።
33 ተግሳጽ ስምዑ፡+ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ፣ከቶ እውን ዕሽሽ ኣይትበልዎ።
34 ኣንጊሁ ናብ ኣፍ ደገታተይ ብምምጻእን*ኣብ ልዳተይ ብምጽባይንዚሰምዓኒ ሰብ ሕጉስ እዩ።
35 እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ኪረክብ፡+ካብ የሆዋ ድማ ስምረት ኪረክብ እዩ።
36 ዕሽሽ ዚብለኒ ግና ንርእሱ* ይጐድኣ፣እቶም ዚጸልኡኒ ኸኣ ሞት ይፈትዉ።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ንደቂ ሰብ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ልቢ ተረድኡ።”
^ ወይ፡ “እተወርሰ ኽብርታትን።”
^ ወይ፡ “ብጻዕሪ ሕርሲ ተወለድኩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንኽቢ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኼጽንዖ።”
^ ወይ፡ “ኺሕግጎ።”
^ ወይ፡ “ኣብ ኣፍ ደገታተይ ነቒሑ ብምጽናሕን።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ።”