ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ

ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ

ኣብ ስምዒትና ወይ ኣብ ስምዒት ካልኦት ሰባት ጥራይ እንተ ተመርኲስና፡ ቅኑዕ ስነ ምግባራዊ ውሳነታት ከም እንገብር ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ናይዚ ምኽንያት ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ ዜተኣማምን ስነ ምግባራዊ መምርሒ እውን ይህበና እዩ። እዚ ኸኣ ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ክንመርሕ የኽእለና እዩ።

ዜድልየና መምርሒ

የሆዋ a ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ባዕሎም ኪምርሑ ዘይኰነስ፡ ካብኡ መምርሒ ኸም ዚደልዩ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ ምግባራዊ መምርሒታት ኣስፊሩልና ዘሎ። ንደቂ ሰብ የፍቅሮም እዩ፣ ብሃሰሰ ለባም ዚግበር ውሳነታት ካብ ዜስዕቦ ሳዕቤናትን ካብ ጓህን ኪሰትሮም እውን ይደሊ እዩ። (ዘዳግም 5:29፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ብሉጽ ስነ ምግባራዊ ምኽሪ ንምሃብ ዜኽእል ጥበብን ፍልጠትን ኣለዎ። (መዝሙር 100:3፣ 104:24) ኰይኑ ግና፡ ብመለክዒታቱ ኽንመላለስ ኣይግድደናን እዩ።

የሆዋ ነቶም ኣዳምን ሄዋንን ዚብሃሉ ቐዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብሓቂ ሕጉሳት ንምዃን ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28, 29፣ 2:8, 15) ኪሕልውዎ ዚግባእ ቀሊል መምርሒታት እውን ሂብዎም ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ መምርሒታት እዚ ንምስዓብ ወይ ንዘይምስዓብ፡ ባዕሎም ኪውስኑ እዩ ሓዲግዎም። (ዘፍጥረት 2:9, 16, 17) እቲ ዜሕዝን፡ ኣዳምን ሄዋንን ብመለክዒታት ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ብናታቶም መለክዒታት ኪመላለሱ ወሰኑ። (ዘፍጥረት 3:6) እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ደቂ ሰብ ባዕሎም ቅኑዕን ጌጋን ምስ ዚውስኑስ ሓጐስ ይረኽቡዶ፧ ኣይፋልን። ንመለክዒታት ኣምላኽ ዕሽሽ ምባል፡ ነባሪ ሰላምን ሓጐስን ከም ዘየምጽእ ብታሪኽ ተረጋጊጹ እዩ።—መክብብ 8:9

መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ዓይነት ሰባት፡ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእል መምርሒ ይህብ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፣ “ ንዅሎም ሰባት ዚኸውን መጽሓፍ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከምኡ ኸም ዚገብር ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ “ቃል ኣምላኽ” ተባሂሉ ስለምንታይ ኪጽዋዕ ከም ዚግባእ ፍለጥ።—1 ተሰሎንቄ 2:13። ኣብ jw.org ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

ኣምላኽ ዝሃበና መምርሒ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ

የሆዋ ምስ ደቂ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን፡ ብዛዕባ ጠቓምን ጐዳእን ዘለዎ ኣረኣእያ ኸነስተውዕል ይሕግዘና እዩ። (መዝሙር 19:7, 11) ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ውሳነታት ክንገብር ዜኽእለና ግዜ ዘይሓልፎ ስርዓታት ንርከብ ኢና።

ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 13:20 ዚርከብ ምኽሪ እስከ ንርኣዮ። እታ ጥቕሲ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ” ትብል። እዚ ስርዓት እዚ፡ ጥንቲ ዀነ ሕጂ ብማዕረ ይዓዪ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብራውን ጠቓምን ስርዓታት ብብዝሒ ይርከብ እዩ።—“ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

እንተዀነ ግና፡ ‘ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ ምግባራዊ መምርሒ ሎሚ እውን ከም ዚዓዪ ብኸመይ ርግጸኛ ክኸውን እኽእል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እተወሰነ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ህይወት እስከ ንርአ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18