ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2024 | ቅኑዕን ጌጋን—ዜተኣማምን መምርሒ

ቅኑዕን ጌጋን ብኸመይ ትውስን፧ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሕልናኦምን ኣብቲ እተማህርዎ መትከላትን እዮም ዚምርኰሱ። ገሊኦም ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ኣተሓሳስባ ተመርኲሶም እዮም ዚውስኑ። ንስኻኸ ብኸመይ ኢኻ ቕኑዕን ጌጋን እትውስን፧ እቲ እትገብሮ ውሳነታትከ ንዓኻ ዀነ ንስድራ ቤትካ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዜፍሪ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእልዶ፧

 

ቅኑዕን ጌጋን፦ ንዅላትና ዜጋጥመና ሕቶ

ስነ ምግባራዊ ጕዳያት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ መምርሒ ኢኻ እትስዕብ፧

ቅኑዕን ጌጋን፦ ብዙሓት ብምንታይ ይምርሑ፧

ኣብ ስምዒትና ወይ ኣብ ስምዒት ካልኦት ተመርኲስና ቕኑዕን ጌጋን ክንውስን ንኽእል ኢና። ግናኸ፡ ካብዚ ንላዕሊ ዜተኣማምን መምርሒዶ ኣሎ፧

ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ

መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን ስነ ምግባራዊ መምርሒ ሒዙ ኸም ዘሎ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧

ቅኑዕን ጌጋን፦ ዚዓዪ መምርሒ

ሚልዮናት ሰባት፡ መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዓይን ዜተኣማምንን ምዃኑ ዘረጋገጹሉ ኣርባዕተ መዳያት ህይወት ርአ።

ቅኑዕን ጌጋን፦ ክትገብሮ ዘሎካ ውሳነ

ናይ መን መምርሒ ኢኻ ኽትሓሪ፧

ሎሚ ኣበይ ኢኻ ዜተኣማመን መምርሒ ኽትረክብ እትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ዘይትጠዓሰሉ ውሳነታት ክትገብር ይሕግዘካ እዩ።