ህዝባዊ ኣገልግሎትና

ህዝባዊ ኣገልግሎት

ባሕረኛታት ብስራት ይሰምዑ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ወትሩ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጐዓዙ ባሕረኛታት ብስራት ምእንቲ ኼብጽሑሎም፡ ኣብ ዓበይቲ ወደባት መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳልዮም እዮም። ባሕረኛታት እንታይ ምላሽ ሂቦም፧

ህዝባዊ ኣገልግሎት

ባሕረኛታት ብስራት ይሰምዑ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ወትሩ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጐዓዙ ባሕረኛታት ብስራት ምእንቲ ኼብጽሑሎም፡ ኣብ ዓበይቲ ወደባት መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳልዮም እዮም። ባሕረኛታት እንታይ ምላሽ ሂቦም፧

ከተማ ግምጃ “ኣምላኽ ንሰባት ዝሃቦም ውህበት” ንምርኢት ኣቕሪባ

ተምሃሮምን መምህራንን በቲ ኣብ ሩማንያ ኣብ እተገብረ ምርኢት መጻሕፍቲ ጓውዲኣሙስ ቀሪቡ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱሳትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ተመሲጦም።

ኣብ ጀርመን ዚነብሩ ሲንቲን ሮማን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ በጺሕዎም

ብ2016 ኣብ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣስታት 3,000 ትራክትታትን ብሮሹራትን ዓዲሎም፡ ልዕሊ 360 ምስ ዚዀኑ ሲንቲን ሮማን ተዘራሪቦም፡ ን19 ሰባት ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሎም ጀሚሮም እዮም።

ኣብ ቦትስዋና ብዓይነቱ ኽቡር ነገራት ንምርኢት ቀሪቡ

ቈልዑ በቲ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተተግብረሉ እትኽእል መገዲ ዚምህር ብካርቱን እተዳለወ ዓርኪ የሆዋ ኹን ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቪድዮታት ተመሲጦም እዮም።

ኣብ ፓሪስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋኦም ኣካፊሎም

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻብ ብከላ ናጻ ኣብ ዝዀነት ፕላነት ኪነብሩ ዘለዎም ተስፋ ንምክፋል ኣብ ፍሉይ ወፈራ ተሳቲፎም።

JW.ORG ኣብ ምርኢት መጻሕፍቲ ቶሮንቶ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት ዓዲሎም፡ ቪድዮታት ኣርእዮም፡ ከምኡ ድማ ኣጠቓቕማ jw.org ኣርእዮም። በጻሕቲ እንታይ ምላሽ ሂቦም፧

ልዕሊ 165,000 ዓረብያ ጽሑፋት

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዚጥቀሙሉ ቐንዲ መገዲ ገና እቲ ኣብ በቤት ዚግበር ዕዮ ስብከት እኳ እንተ ዀነ፡ ጽሑፋት ዚዕደለሉ ዓረብያታት ነቲ መልእኽቲ ንሰባት ንምብጻሕ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ።

ሰባት ምስ jw.org ኪላለዩ እተገብረ ዓለምለኻዊ ወፈራ

ኣብ ነሓሰ 2014፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይቶም እተፋልጥ ትራክት ዘርጊሖም እዮም። እንታይ ውጽኢትከ ተረኺቡ፧

ኣብ ፈረንሳ እተገብረ ፍሉይ ምርኢት መጽሓፍ ቅዱስ

እቶም ነቲ ብ2014 ኣብ ሩዎ፡ ፈረንሳ እተገብረ ዓለምለኻዊ ምርኢት ኪርእዩ ዝመጹ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ በጻሕቲ፡ በቲ “መጽሓፍ ቅዱስ—ትማልን ሎምን ጽባሕን” ዚብል ፍረ ነገር ዝነበሮ ኽፍሊ ምርኢት ተመሲጦም እዮም።

ቤንጋልኛ እተማህሩ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኵንስ፡ ኒው ዮርክ ዚርከቡ 23 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቤንጋልኛ ምዝራብን ምጽሓፍን እተማህሩ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ ካናዳ ንዚርከቡ ደቀባት ምምስካር

ሰባት ብቛንቋ ኣዲኦም ብዛዕባ ፈጣሪ ምእንቲ ኺምሃሩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓያሎ ቛንቋታት ደቀባት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ የካፍሉ እዮም።

ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንደቀባት ኣመሪካ ዚኸውን ጽምብልን ሓበሬታን

ኣብቲ ብ2015 እተገብረ ‘ኣፍ ደገ ኣህዛብ’ ዚብሃል ጽምብል፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ምርኢት ዘቕረብዎ ብቛንቋታት ደቀባት ኣመሪካ ዘሕተምዎ ነገራት ተደኒቖም።

ኪስበኩ ኢሎም ብባይታ ባሕሪ ብእግሮም ይኸዱ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብተን ሃሊገን ዚብሃላ ፋሕ ዝበላ ደሴታት ንምብጻሕ ፍሉይ መገዲ ይጥቀሙ።

ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመዝጊቡ

ካብ ነሓሰ 2014 ንነጀው፡ ልዕሊ 8 ሚልዮን ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም፡ ቍጽሮም ክንደይ ወሲኹ፧

ሰብዓ ዓመት ዝገበረ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ

ኣብ 1 ለካቲት 1943፡ ኣብ ኒው ዮርክ፡ ቀዳማይ ክፍሊ ሓደ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ተጀሚሩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዚምህሩ ኣሽሓት ኣገልገልቲ ኣሰልጢኑ እዩ።

ሓጻር ቪድዮ፦ ከተቕልበሉ ዚግባእ!

ሳላ እቲ ኣብ ማንሃተን፡ ኒው ዮርክ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ስብከት፡ ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኪወስዱ ኸም ዝኸኣሉ ርአ።

ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ዋልታ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምብጻሕ

ብድሆታት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ናብ ርሑቕ ቦታታት ከይዶም ነዊሕ ግዜ የሕልፉ ኣለዉ።