ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ጀርመን ዚነብሩ ሲንቲን ሮማን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ በጺሕዎም

ኣብ ጀርመን ዚነብሩ ሲንቲን ሮማን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ በጺሕዎም

ኣብ ጀርመን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሲንቲን ሮማን [ወይ ጂፕሲ] ኣለዉ። a ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትራክትታትን ብሮሹራትን ቪድዮታትን በቲ ሮማንኛ ዚብሃል ቋንቋ ኣዲኦም ኣዳልዮምሎም እዮም። b

ኣብ መስከረምን ጥቅምትን 2016 ኣብ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብሮማንኛ እተዳለወ ሓበሬታ ኣብ ከም በርሊንን ብረመርሃፍን ፍራይበርግን ሃምበርግን ሃይደልበርግን ዝኣመሰላ እተፈላለያ ኸተማታት ጀርመን ንዚነብሩ ሲንቲን ሮማን ኬካፍልዎም ጽዒሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብሮማንኛ ዚውሃብ ህዝባዊ ኣኼባታት ኣዳልዮም እዮም።

ዜደንቕ ምላሽ

ብዙሓት ሲንቲን ሮማን በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ ፍሉይ ወፈራ ተገሪሞምን ኣመና ተሓጒሶምን እዮም። ኣብቲ ወፈራ እቲ እተሳተፉ ኣንድረን ኤስተርን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር፡ “መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነብጽሓሎም ፍሉይ ጻዕሪ ብምግባርና፡ ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም” በሉ። ብዙሓት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣዲኦም ኪሰምዕዎን ኬንብብዎን ብምኽኣሎም ልቦም ተተንኪፉ እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ምስ ረኣየታ ስለ ዝደንጸዋ፡ ደጋጊማ፡ “እዚ ቛንቋይ እዩ!” በለት።

ኣብ ሃምበርግ ንእተገብረ ወፈራ ዝደገፈ ማትያስ ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ምስታ ሸሞንተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓቘፈት ጕጅለ ዄንና፡ 400 ኣቢሎም ዚዀኑ ሲንቲን ሮማን ናብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ኼድና። ዘዛረብናዮ ዘበለ ሰብ ከኣ ጽሑፍ ክንህቦ ሓቲቱና” በለ። ኣብቲ ኣብ ሃምበርግ እተገብረ ወፈራ ብወለንታ እተሳተፈት በቲና ድማ፡ “ገሊኣቶም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሮማንኛ ጽሑፋት ከም ዝሓተሙ ምስ ረኣዩ ነቢዖም እዮም” በለት። ብዙሓት ካባታቶም ሽዑሽዑ ነቲ ጽሑፋት ዓው ኢሎም ኬንብብዎ ጀሚሮም እዮም፣ ገሊኣቶም ድማ ንፈተውቶም ዚህብዎ ተወሳኺ ቕዳሓት ወሲዶም እዮም።

ሓያሎ ሲንቲን ሮማን ናብ ሓደ ኻብቲ ህዝባዊ ኣኼባታት ኪመጹ ንዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎምዎ እዮም። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ሃምበርግ ኣብ እተገብረ ኣኼባ እተኣከቡ 94 ሰባት፡ ንፈለማ እዋን እዮም ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መጺኦም። ኣብ ጥቓ ሃይደልበርግ ኣብ እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ሪሊንገን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኸኣ 123 ሰባት ተኣኪቦም እዮም። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ሓሙሽተ ሮማንኛ ዚዛረቡ ውልቀ ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ሓተቱ።

ኣብቲ ወፈራ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣስታት 3,000 ትራክትታትን ብሮሹራትን ዓዲሎም እዮም። ልዕሊ 360 ምስ ዚዀኑ ሲንቲን ሮማን ተዘራሪቦም፡ 19 ሰባት ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀሚሮም እዮም። ሓያሎ ኻባታቶም ድማ፡ “ኣምላኽ መልእኽቱ የብጽሓልና ምህላዉ ባህ ዜብል እዩ” በሉ።

a ሲንቲ ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኤውሮጳ ዚነብሩ ሒደት ጕጅለ ከም ዝዀኑ፡ ሮማ ድማ መበቈሎም ካብ ምብራቓውን ደቡባዊ ምብራቕን ኤውሮጳ ዝዀነ ሒደት ጕጅለ ምዃኖም እዩ ዚግለጽ።

b ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኦንላይን፡ ቋንቋታት ሮማንኛ፡ “60 ወይ ልዕሊኡ ዚኸውን እተፈላለየ ላህጃታት” ዜጠቓልል ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነታ “ሮማንኛ” እትብል ቃል፡ ኣብ ጀርመን ዚነብሩ ሲንቲን ሮማን ንዚዛረቡሉ ቛንቋ ንምምልካት ተጠቒምናላ ኣለና።